ድለ

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ 

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ

እቲ ኣብ ማዳጋስካር ሞዛምኒክ ከምኡ እውን ማላዊ ዘጋጠመ ኣና ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ትሪፒካዊ ህቦብላ 70 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን

ብርቱዕ ዝናም ምዕልቕላቕ ማይ ዘምጽኦ መጒዳኢ ነቲ ድሮ ተነቓፊ ዝኾነ ኣገባብ ቍጠባን ማሕበራውን ክንክን ጥዕና ከቢድ ፈተና ከም ዝኾነን ድርቂ ዘሳቕዮ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ክስተት ምዕልቕላቕ ማይ ከጋጥሞ እንከሎ ጸገማን ጥምየትን ክዛይድ ከም ዝገብርን ረድኤት እውን ከምቲ ዝድለ ዘይቐርብ ብምዃኑ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋን ልብዒ ኮቪድ - 19 ሓዊስካ ህዝቢ ማዳጋስካር ንኸብድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይቃላዕ ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ማዳጋስካር ሞዛምኒክ ከምኡ እውን ማላዊ ዘጋጠመ ኣና ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ትሪፒካዊ ህቦብላ 70 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ኣብ ትህተ ቅርጽታት እውን ከቢድ መጒዳእቲ ከም ዘስዓበን ጒጅለ ድሕነት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ግዳያት ሓገን ንምቕራብ ይቃለስ ምህላውን ኣብተን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት ብርቱዕ ዝናምን መደራጋሕን ስለ ዘስዓበ ኣብ ማዳጋስካር 41 ኣብ ሞዛምቢክ 18 ኣብ ማላዊ 11 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ከም ዘጓነፎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ

ንመራኸቢ ጒዳያት ዓቢይ ፈተና ዘለዎ

ኣብተን ኣና እተሰምየ ህቦብላ ዘጥቀዐን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ኣባይቲ ዓንዩ ገሊኡ ኸኣ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናም ፈሪሱን ብዙሓት ተቐማጦ ንዅለ መዳያዊ ጸገም ከም ዘቃልዔን ድልድላት ከም ዝዓነወን ኣብ ሰሜን ማእከላይ ሞዛምቢክ እቲ ህቦብላ 10 ሺሕ ኣባይቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸር ኣቢያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ከም ዘዕነወን ኣገልግሎት መብራህቲ እውን ኪቋረጽ ከም ዝገበረ እቲ ካብ ቀላይ ማላዊ ብሞዛምቢክ ኣቢሉ ናብ ፈለግ ዛምበዚ ዝውሕዝ ፈለገ ሺረ ኣብ ትሑት ቦታታት ሞልቕቕላይ ማይ ከም ዘስዓበን መገድታት ክዕጽወ ከም ዝገበረን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣን ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ
29 Jan 2022, 17:33