ልኡኽ ው. ሕ. ሃገራት፥ ኣብ ሶሪያ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ሓደሽ ኣጋጣሚ ይረአይ ኣሎ!
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሶሪያ ገይር ፐደርሰን ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ኣብ ዶማስቆ ምስ ናይታ ሃገር ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፋይሳል መዳድ ከምእተራኸቡን በዚ መሰረት ንናይታ ሃገር ውጥረት መፍትሒ ዘምጽእ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣጋጣምታት ይረአ ኣሎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶሪያ ገይር ፐደርሰን ኣብ ደማስቆ ምስ ናይ ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦትን ልኡካነ መንግስታት ሃገራት ወጻእን ሃገራት ዓረብን ድሕሪ ምርኻቦም ኣብታ ሃገር ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ክኣልይ ዝኽእል ሃዋሁ ክነቓቓሕ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሰፊሕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምንዳይ
እቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽርከቦ ኣቋም ኵለን ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክህልዎ ዝኽእል ግደ ምልላይ ናይ ግድን እዩ እዚ ኸኣ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብጥልቂ ንኽትርድኦ ዝሕግዝ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ፐደርሶን ኣብ ደማስቆ ምስ ሚንስተር ወጻእ ሃገር ሶርያ ፋይሳል ሜክዳድ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ እቲ ዝተካየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ወተሃደራዊ ኩነታት ቝጠባ ግብረ ሰናይ ከምኡ እውን ኣብቲ ምስ እዚ እተተሓሓዘ ፖለቲካዊ መስርሕ ዘተኮረ ከምዝነበረ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝብሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ዛዕባ ጽዋዓት ሃገራት ዓረብ ዝመክር ዋዕላ ከተእንግድ ምዃናን ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሶርያን ሃገራት ዓረብ ርክባት እውን ምዉቕ እናኾነ ይከይድ ከምዘሎን ምስ ሕቡራት ሃገራት ዓረብን ዮርዳኖስን ዝነበራ ርክብ ናብ ቀደሙ ምምላሱ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።