ድለ

ሶሪያ፥ ሓደ ካብቶም ዝተረስዑ ውግእ ሶሪያ፥ ሓደ ካብቶም ዝተረስዑ ውግእ 

ሶሪያ፥ ሓደ ካብቶም ዝተረስዑ ውግእ

ብመሰረት ኣሃዛዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሓት መንእሰያት ተስፋ ስለ ዝቖረጹ ካብ ሶሪያ ወጺኦምኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ህይወት ረኺቦም ይነብሩ ኣለዉ። እቶም ዝተሰዱ መንእሰያት ዝተመሃሩን ብቕዓት ዘለዎም ድማ እዚ ሓይሊ እዚ ሶሪያ በቢ ዕለቱ ይጐድላ ስለ ዘሎ ብዙሕ ዓቐበት እዩ ዝጽበያ

መራኸቢ ብዙሓን ሎሚ ብዛዕባ ሶሪያ ክዛረቡ ኸለዉ ብቐንዱ ብዛዕባ ስደተይናታትንእቶም ዝሓሸ ሕይወትንምርካብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእትዉ ብኣሽሓቲ ዚቝጸሩ ሰባት እያቶም ዝዛረቡ፡ ቫቲካን ነውስብዛዕባ እቲ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቍጠባዊ ቅልውላው እተተክእ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ እታ ሃገር ኣቃልቦ ገይሩ ነዚ ኵነት እዚ በቶም ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ዘቕረበልዕም ቃለ መሕትት ኣቢሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሰብኣውን ስእሊ የቕርብ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደማስቆ ዘሎ ህልው ኵነታት ዳርጋ ከም ንቡር እዩ ዝመስል፡ ሰባት ናብ ስራሕ ክወፍሩ ክንቀሳቐሱን ምንቅስቓስ ዕዮ ዕዳጋታት ዝረኣየላ እውን እንተመሰለ እቲ እትርእዮ ግን ናይ ግድን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክውንነት ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እተኻየደ ውግእ ሎሚ እውን ዘብቅዔን ኣብ ዞባ ኢድሊብ ጥራሕ ዝቕጽሎ እውን እተመሰለ ኣብ መላእ ሃገር ቁጠባው ቅልውላው ምኽንያት ማሕበራዊ ውጥረት ከይኑ ኣሎ። እቶም ብማእከላይ መነባብሮ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ድኽነት ከም ዘንቆልቆሉን ብዛዕባ እቲ ህልው ኵነታት ንምፍላጥ ሒደት ሓበሬታ እኵል እዩ - ገምጋም ደሞዝናይ ሓደ ናይ መግንስቲ ሰራሕተይና 75 ሺሕ ፓውንድ ሶሪያ እዩ። ናብራ ኣዚዩ ክቡር ብምዃኑ ዕዳጋን ደሞዝ ዜጋታትን ርካቦምን ዘይመዓራረይ ብምዃኑ ሕዝቢ ናብ ዝሰንብድ ድኽነት እዩ ዘብል ዘሎ።

ብዛዕባ እዚ ህልው ኵነታት ሶሪያ ኣማእኪሎም ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ኣብ ኣዚዩ ጽንኵር እዋን ኣብ ሶሪያ ን13 ዓመት ስነበርኩም ኢኹም ሕጂ ኣብታ ሃገር እቲ ውግእ ብዓቢኡ እኳ እንተ ተዛዘመ ተስፋ ግን ዘሎ ኣይመስልን? ህልው ኵነታት ዝጒሂ እዩ። ተስፋ ክትቕህም ክትርኢ እንኰለኻ ድማ ኣዚኻ ትጒሂ፡ ልክዕ እዩ ወግእ ንዅሉ ዘየናሕስይ ዓቢይ ኣይብል ቈልዓ ኣይብል። እንተ ዀነ ግን ዜጋታት ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ውግእ ብመጠኑ ተስፋ የማዕብሉ ኣለዉ። ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ውግእ ከም ዜብቅዕ ህዝቢ ክንቀሳቐስ ዕለታዊ ናብራኡ ክመርሕ ዝክእል ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ብመሰረት ኣሃዛዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሓት መንእሰያት ተስፋ ስለ ዝቖረጹ ካብ ሶሪያ ወጺኦምኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ህይወት ረኺቦም ይነብሩ ኣለዉ። እቶም ዝተሰዱ መንእሰያት ዝተመሃሩን ብቕዓት ዘለዎም ድማ እዚ ሓይሊ እዚ ሶሪያ በቢ ዕለቱ ይጐድላ ስለ ዘሎ ብዙሕ ዓቐበት እዩ ዝጽበያ ዘሎ።

ደድሒ እቲ ውግእ ቍጠባዊ ቅልውላውን ኣህጉራዊ እገዳን ኣጋጢሙ እዩ። ሎሚ እዚ ዅሉ ከም ዘብቅዕ ዝሕብር ተስፋ ኣሎዶ? ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ከሎ እውን ከይተረፈ ተሳ ኽንዕቅብ ንጽእር። ልክዕ እዩ እዚ ኵነታት እዚ ሃደ መዓልቲ ኪዛዘም እዩ። እንተ ዀነ ግን ዳግመ ህንጸትን ምምሕያሽ ቍጠባዊ ቅልውላውን ክሳዕ ሕጂ ክሳዕ ሕጂ ምልክት የርእይ የሎን። ብፍላይ ኣህጉራዊ እገዳታት ንሶሪያ ናብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽ ንኸተብል ደሪኽዋ ኣሎ። ምግባረ ብልሽውናን ዘይብቝዕ ምሕዳራን ካብ እናሰፍሔ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ምስቲ ለብዒ ተተሓሒዙ ኸኣ ካልእ ዝተፈላለየ ጸገማት ተወሲዅን ዝተደራረበ ጸገማት እዩ ዝርአ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዝተጠንጠነት ሃገር ብምዃና ብዝሕ ጸገማት እዩ ዘጋጥማ ዘሎ፥ ብዛዕባ ሶርያ ኣይስማዕ ኣይንገር ኮይኑ ኣሎ ቃለ መሕትት እውን ዝገብራልካ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን የለዋን።

ኣብ ደማስቆ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኰይንኵም ምግልጋል ካብ እትጅምሩ 13 ዓመት ኣሕሊፍኵም ኣለኹም ስለዚ ኣብታ ናይታ ሃገር ጒዳእ ኢድ ዘለዎም ውድባት ትፈልጡ ትዀኑ። ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ኣካላት እታ ሃገር እውን ትፈልጥዎም ኢኹም እንተ ኸነ ግን ብዛዕባ እተን ኣብ ሶሪያ ዝነብራ ካልሎት ሃገራት እውን ብወከልተን ኣቢለን ህልዋት ዝኾና ኣለዋ። ናይዚ ኵሉ ኣፍልጦ ኣለኵም ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ መላ ርክብ እንታይ ይመስል? ኣብ ሶሪያ ብዙሕት ልኡካነ መንግስታት እውን እንተ ዘየለዉ ምስቶም ዘለዉ ዳርጋ እራኸብ እየ። ምስ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሊባኖስ ኣባይቲ ጽሕፈት ዘለዎም እኳ እንተ ዀነ ናብ ሶሪያ ሓሓሊፎም እያቶም ዚመጹ። ናብ ኢጣሊያ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እውን ምስቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት እራኸብ ብዛዕባ ሶሪያ እዛረብን ሓሳብ እለዋወጥን። እዚ ግን እዅል ኣይኰነን እቲ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተወሰነ ኣህጉራዊ ማዕቅብ ምሕኻኽ የድሊ። እቲ ዝሳቐ ህዝቢ እዩ። ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብ ከምዝሕብሮ 90 ሚእታዊ ሕዝቢ እታ ሃገር ትሕቲ ድኽነት እዩ ዚነብር ልዕሊ 12 ሚሊዮን ሶርያውያን ወይ እቲ ካብ ጠቕላላ እቲ 60 ሚእታዊ ዝሽፍን ሻቕሎት መግቢ ዘለዎ እዩ።

ብጹዕነትኩም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሮ ዝተበገሰን ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝዛዘም ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ምኽንያት ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሶሪያ ብጹዓን ጳጳሳትን ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ኣባላትን ንኽመኽሩ ናብ ሃገረ ቫቲካን ክዕድምዎም ምዃኑ ይንገር . . . እቲ ግጭት ካብ ዚጅምር ኣትሑዙ ኣብ መንጐ እተን ብሰናይ ፍቓድን ብዓቢዪ ልግስን ንምሕጋስ ኣብ ሶሪያ ዝኣተዋ እተፈላለያ ትካላት ምትሕብባር ክህሉ ጽዒረ እየ። እንተ ወሓደ ንሓድሕድና ንኽንፋለጥ እውን። ሕጂ ር.ሊ.ጳ. ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያ ብሓባር ክትዓዪ ስለ ዝዓድሙ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ማለት ብምልእታ ብሓባር ክትምዕብል ዝድርኽ ይመስለኒ። ከምኡ እውን እዩ። ስለዚ ቅድሚ ሒድት ሰሙናት ኣብ ሶሪያ ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ንኣቡናት ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ሲኖዳውነት ኪገብሩ ሓሳብ ኣቕሪቦም እዮም እዚ ድማ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝብል ብልግሲ ዝዓያ እተፈላለያ ውድባት ንስሉጥ ኣገልግሎት እዩ ዘተባብዔን። ኮይኑ ግና ምስ ካልኦት እውን ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሶሪያ መላእ ኣቡናት ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 17 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ዋዕላ ከካይዱ ዝቐረበ ጻውዒት ብሓጐስ ብሓጐስ እዮም ዝተቀበልዎ፥ ኣቡናትን ገዳማውያንን ካህናት ደናግል ኣብ ዓውዲ ግብረ ሰናይ ተዋፊሮም ዘገልግሉን ዝዓደመ እውን እዩ። እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ጽቡቕ ዕዮታት ተፈጺሙ እዩ ነፍሲ ወከፍ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ግና ስለዚህ ኣብዚ መዳይ እዚ ሲኖዶሳውነት ክህሉ ምትብባዕ ይግበር ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 December 2021, 08:39