ድለ

ካንታላመሳ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ‘ኣቦ’ ቢልና ንኽንጽውዖ ንውዕዉዕ ስምዒት የሐድሶ! ካንታላመሳ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ‘ኣቦ’ ቢልና ንኽንጽውዖ ንውዕዉዕ ስምዒት የሐድሶ! 

ካንታላመሳ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ‘ኣቦ’ ቢልና ንኽንጽውዖ ንውዕዉዕ ስምዒት የሐድሶ!

“ኣብ ክርስቶስ ናይ ዘሎና እምነት ሓድሽነትን ውዕውዕ ስምዒትን ምድናቕን” ኣብ ውሽጢ ካቴድራላት ዝርከብ መሳኹቲ ከፊትካ ንደገ ኣብ ምጥማትን ወይ ከኣ ናብ ጎደናታት ኣብ ምውጻእ እዩ” ዝብል ሕቶ ዘለዓዕል ጉዳይ እዩ

ብምኽንያ ዘመነ መጽኣት ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ንመላእ ናይ ቅዱስነቶም ተሓባበርቲ ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኣመሓደርቲ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣሞርኪዞም ዘበገስዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፡ ኣብ ዘቕርብዎ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ “ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ኣብ ጸሎትና ዘለዎ ግደ” ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ኣብቲ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ድሕረ ባይታ ገይሮም ዘበገስዎ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ብምቕጻል ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ዘቕረብዎ ካልኣይ ስብከቶም ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት እንደገና ንምርካብ ጥንታዊ ኣቡን ኣበርሲዩስ ከም ኣብነት ብምቕራብ ኣበጊሶም እዚ ድማ “ኣብ ክርስቶስ ናይ ዘሎና እምነት ሓድሽነትን ውዕውዕ ስምዒትን ምድናቕን” ኣብ ውሽጢ ካቴድራላት ዝርከብ መሳኹቲ ከፊትካ ንደገ ኣብ ምጥማትን ወይ ከኣ ናብ ጎደናታት ኣብ ምውጻእ እዩ” ዝብል ሕቶ ዘለዓዕል ጉዳይ እዩ እንክብሉ ኣበጊሶም፥

ንግስና ሓጢኣት ምስናፍ

ብዘይ ኣምላኽ ክንጽሊ ወይ ደቂ ኣምላኽ ምዃንና ክንፈልጥ ከም ዘይንክእል ግሊጾም መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮናን ልብናን ናብ ኣምላኽ ክብ ኣብ ምባል ዘለዎ ግደ እንከብርሁ፥ “መንፈስ ቅዱስ ደቂ ኣምላኽ ምዃንና ‘መርትዖ’ እንተ ዀይኑ ነዚ ደቂ እምላኽ ምዃንና ‘ዝምስክር’ እንተ ኾይኑ እዚ ከይፈለጥናዮ ወይ መረጋገጺ ከይረኸብናሉ ኣብ ገለ ገለ ቦታ ዝኸውን ኣይኮነን - ቢሎም - እዚ ርግጸይናነት እዚ ነቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ብጽልኢ ከምኡ እውን ንሰብኣዊ ናጽነት ከም ቀይድታት ጌርና ከም እንርእዮ ዚገብረና “ስርዓት ሓጢኣት” ምስ እንሰግሮ እዩ ዝህልወና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ንፍርሂ የወግድ

መንፈስ ቅዱስ “ነቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዝገለጸልና ፍሉይ ገጽ ኣምላኽ” ብምርኣይ ካብቲ “ዜሰክፍ ምዝባዕ” የሕውየና። በብቝሩብ እቲ ቘልዓ ዝስምዖ ስምዒት ኣብ ልዕሌና የዕምብብ እዚ ድማ ብቕጽበት ናብ “ኣቦይ” ዝብል ጭደራ ይትርጉሞ። “ውላድ ምዃን ነቲ ጊልያ ተከኦ ፍርሂ ብፍቕሪ ተተከአ። ሰብ ንኣምላክ ምጽራር ኣቋሪጹ ድማ መሻርኽቲ ኣምላኽ ይኸውን።”

ጽሞና ኣብ ቅድሚ ግርማ ኣምላኽ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣስዒቦም ነቲ ናይ ሓቂ ጸዋዕታና ንኽንግንዘብ ምእንቲ ኪሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ብጸጋኡ ንዝድርኸና ጸሎት ነስተንትን። ጸሎት “መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ከም ደቂ ኣምላኽ ኰይኑ ኪስምዓና ዚገብር ተኣምር ዝፍጽመሉ ፍሉይ ቦታ እዩ - ቢሎም - እዚ ተመክሮ እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ብሃንደበትን ብዝዛየደ ብርታዐን እዩ ዝፍጸም። ግርማ ኣምላኽን ልዑላውነትን ዝብል ስምዒት ድማ የሰንዮ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጸላም ኵነትና ኣምላኽ ኣቦ ቢልና ምጽዋዕ

ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ቢልና ንኽንጽውዖ ምሂሩና ኢዩ፥ እዚ ኣቦ ዝብል ቃል እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ናብቲ ኣባ ዝብል ኣራማይስጢ ቃል ዘለዎ ትርጉም ዝቐረበ ድማ እዩ። ኣብ ጸሎትና ዝኾነ ይዅን ፍሉይ ነገር ‘ዘይስምዓና’ እኳ እንተኾነ ብፍቕሪ ተደሪኽና ክንዛረቦ ከለና ልቢ ኣምላኽ ከም ዝትንከፍ ርጉጽ እዩ። ኣብ እዋን ናይ መንፈስ ድርቀት ኣብ ዘጋጥመና እዋን ኣባ ቢልና እነቕርቦ ጸሎትና ኣብቲ ናይ ሓቂ ፍቕርን ዕምቈት እምነትን ዝበጽሕ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መንፈስ ቅዱስ ንሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያን ይመርሕ

ብጽዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ዘቕረብዎ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ ንመራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን ንነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ስጒምትታቶምን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባቶምን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ተመርኲሶም ዘቕርብዎን ዝፍጽምዎን ክኾኑ ይግባእ። “ኵነታት ምስ ዝፈቕደልና ንመንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ንኽንገልጽ ንመንፈስ ቅዱስ ግዜ ንኽንህብ ምስኡ ውህደት ክህልወና ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባልን ምስኡ ግዜ ክህልወናን ይግባእ -  ምስ በሉ - ብፍላይ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ሲኖዳውነት ዕዮ ክትጅምር ከላ ነዚ ዕዮ እዚ ንመንፈስ ቅዱስ ሕድሪ ምሃብንም ንኽመርሓና ምፍቃድን ኣድላዪ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ካንታላመሳ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ‘ኣቦ’ ቢልና ንኽንጽውዖ ንውዕዉዕ ስምዒት የሐድሶ!
12 Dec 2021, 16:57