ር.ሊ.ጳ. ብምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጐድአ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ሓገዝ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ጉዳያት ሓፈሻዊ ዕዮ ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ዮኑት ፖውል ስረጃክ ኣቢሎም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በዓለ ንጽሕት ድንግል ማርያም ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 8 ታሕሳስ ብምዕልቓል ማይ ንዝተጐድእ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሰበኻ ማላካል 30 ሺሕ ዶላር ከምዝለኣኹን ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ኣቢሎም 75 ሺሕ ዶላር ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም ነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጐድኡ ሓገዝ ዝውዕል 75 ሺሕ ዶላር ልኢኾም ከምዝነበሩን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እውን ነቶም ኣብ ጽኵርን ህጹጽን ሰብኣዊ ኵነታት ንዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ቅርበቶም ንምርግጋጽ ብጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣቢሎም በቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ 30 ሺሕ ዶላር ከምዝለኣኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ቅርበት ቅዱስነቶም ዘረጋግጽ ሓገዝ በቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉዳያት ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ዮኑትፓውል ስትረዣክ ቅዱስነቶም ዝለኣኽዎ ሓገዝ ናብቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓል ንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ከምዘብጽሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ብሰብኣውን መንፈሳውን ሓገዝ ነቲ ህዝቢ ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።
ዝበዝሐ በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ እተመዛበለ ሕዝቢ ኣብቲ ኣብ በንቲዩ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መእለዪ ማእከል ከምዝርከብን ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዙ ልዕሊ 120 ሺሕ ሰባት ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መዕቈቢ ከምዝረኸቡን መብዛሕቲኦም ኣብ መዓስክር ተመዛበልቲ ኪጸንሑ ከም እተገዱን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብሰንኪ እቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዙ ልዕሊ 50 ሺሕ ህዝቢ ካብ ቤቱን ንብረቱን ከም እተመዛበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ በቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዝተጐድአ ከምዝኾነን ንዅሎም እቶም ብውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ግዳያት ንዝኾነ ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ መርያም ንጽሕት ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ኣብ ኣደባባይ ስፓይና ኣብ ዝርከብ ናይ ንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።