ኣብ ዒራቕ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ውጥረት
ኣብ መንበሪ ቤት እቶም ገዛእ ርእሶም ዘድሓኑ መራሔ መንግስቲ ዒራቕ ናብ ዕለት 7 ሕዳር ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ብሰለስተ ናይ ውግእ ነፈርቲ - ድሮን መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመን፡ ነዚ ዝተፈጽመ መጥቓዕቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ቢላ ከምዝኾነነቶ ዜና ቫቲካን ካብ ዒራቕ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መራሔ መግንስቲ ዒራቕ ሙስጦፋ ኣል - ካዚሚ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ብለይቲ ካብ እተፈነወ መጥቃዕቲ ከምዘምለጡን እተን ክልተ ነፈርቲ ድሮን ብናይ መራሔ መግንስቲ ናይ ጸጥናን ደሕንነት ሓይሊ ከምእተወቕዓን እታ ሳልሰይቲ ድሮን ድማ ንኽልተ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዐን እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ለይቲ እውን እቶም ናይ ኢራን ፖለቲካዊ ርእየት ዝኽተሉ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 10 ዝተኻየደ ምርጫ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ መሰረት ዝተገልጸ ውጽኢት ዘይቅብሉ እንክብሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ “ግሁድ ግብረ ሽበራ” እንክብል ከምዝኾነኖን መንግስቲ ተሄራን እውን ብወገኑ ናይቲ ውጥረት ተሓተትቲ ኣብ ዒራቕ ኢድ ዘለወን “ናብ ዒራቕ ብጀካ ስግኣትን ዘይምስምማዕን ካልእ ዘየምጽኣ” ናይ ወጻኢ ሃገራት እያተን ክብል መግለጺ ከምዝሃበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መራሔ መንግስቲ ዒራቕ ሙስታፋ ኣል ካደሚ ቅድሚ ናብዚ ሓላፍነት እዚ ምምጻኦም ናይ ዒራቕ ጸጥታን ድሕንነትን ጒዳይ ሓላፊ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ ጐደና ዘተ ክኢላ ተባሂሉ ዝንገረሎምን ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝተኣታተው ዘሎ ዘይምርግጋእ ዓቢይ ብድሆ ከምዝኾኖም ክንገር እንከሎ፥ ኣብ 1967 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ዝተወልዱን ኣብ ዒራቕ ብሕጊ ዝተመረቑ ኣብ ሃገሮም ጋዜጠይና ኮይኖም ኣብ ዘገልግሉ ዝነበረ እዋን ካብ ስርዓት ሳዳም ሑስየን ኣምሊጦም ኣብ ኤውሮጳ ይቕምጡ ከምዝነበሩን ኣብ 2003 ዓ.ም. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንስርዓት ሳዳም ዝኣለየ ወተሃደራዊ ስርሒት መሪሐ ኣብ ሽቶ ምስ ኣብጸሐቶ ካድሀሚ ናይ ዒራቕ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምውዳብ ንኽዓዩ ጻውዒት ተገይሩሉም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብምግልጋልን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ተጣባቒ ብምዃን እውን ከምዘገልገሉ ይንገር።