2021.03.26 Papa Francesco con padre Jean Pierre Schumacher, l'ultimo sopravvissuto di Tibhirine,, 31 marzo 2019, in Marocco 2021.03.26 Papa Francesco con padre Jean Pierre Schumacher, l'ultimo sopravvissuto di Tibhirine,, 31 marzo 2019, in Marocco 

ካብ ህልቂት ቲብሂሪን (ኣልጀርያ) ንእስክላ ናይ ዘምለጡ መጨረሻ መነኮስ ዕረፍቲ!

ብተራፒስት ዝፍለጡ ካብ ዓለም መኒኖም እንትርፊ ምስ ፈጣሪ ምስ ሰብ ርክብ ናይ ዘይገብሩ መነኮሳት ፈረንሳ ብ1996 ዓም ኣብ ቲብሂሪን እትብሃል ዓዲ ኣልጀርያ ካብ ሰማዕትነት ዝተቀበሉ መነኮሳት ንእስክላ ዝደሓነ መንኮስ ዣንፕየር ሰንበት 21 ሕዳር 2021 ከምዝዓረፈ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ሃገረ ኣልጀርያ ንዓሠርተ ዓመት ምስ መመላእታ ካብ ሰማንያታት ጀሚሩ ክሳብ ተስዓታት ዝነበረ ዕግርግርን ውግእ ሓድሕድን ካብ ዘስ ዓቦም ዕንወታት ሓደ ተጻይ እምነት ክርስትና ዝተገብረ ግፍዒ ኰይኑ ታሪኽ ከምዝዝክሮ ናብ ዕለት 27 መጋቢት 1966 ናብ ዘውግሕ ከውታ ለይቲ ኣብ መደያ እትብሃል ከተማ ኣልጀርያ ዝርከብ ገዳመ ምኔት ቲብሂሪን ካብ ዓለም መኒኖም ብብሕትውና ኣብ ጸሎት ንዝርከቡ ብትራፒስት መነኮሳት ዝፍለጡ 7 መነኮሳት ጅሆ ተታሒዞም ንክልተ ወርሒ ምስ መመላእታ ምስ ጠፍ ኡ ብወርሒ 1996 ኩሎም መይቶም ተረኽቡ፤ ብጅያ ዝፍለት ግሩፕ ኢስላሚክ ኣርመ ሠራዊት እስላማዊ ጒጅለ እኳ ሓላፍነቱ እንተወሰደ ጸኒሑ ግን ብ2009 ጀነራል ነበር ፍራንስዋ ቡሽቫልተር ከምዝገለጾ ሠራዊት ኣልጀርያ ከምዝቀተሎ ተሓቢሩ።

ካብ ብሱል ጥረ ከምዝበሃል እቶም ገበርቲ እከይ ንመስመራት ተለፎን ቈራሪጾም ነቶም ብሓደ ዝረኸብዎም 7 መነኮሳት ምስ ረኸቡ ኩሉኩሎም ንሶም እዮም ዝኾነ ኢሎም ዝሓዙ ሒዞም ምስ ሃደሙ ከም ዕድል ኰይኑ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝነበሩ ክልተ መነኮሳት ሓው ዣንፕየርን ሓው ኣመደን ነቲ ኩነታት ንፖሊስ ክሕብሩ ስልኪ እንተደወሉ ዘይሰርሕ ኰይኖም ክሻቀሉ ሓዲሮም ንጽባሒቱ ናብ ፖሊስ ከይዶም እኳ እንተኣመልከቱ ክሳብ ረሳታቶም ዝርከብ ምንም ኣይተገብረን፤ ንሶም ከኣ ሃዲሞም ናብ ገዳሞም ገዳም ኖትረዳም ብሕቡእ ክበጽሑ ከኣሉ፤ ሓው ኣመደ ብ2008 እንክ ዓርፉ ሓው ዣንፕየር ከኣ ኣብ መበል 97 ዓመት ዕድሚኦም ሰንበት ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓረፉ።

ሠላሳ ዓመታት ኣብ ኣልጀርያ!

ነፍሰኄር ሓው ዣንፕየር ብ1924 ዓም ኣብ ሎረን እትብሃል ከተማ ፈረንሳ ተወሊዶም ካብ ሽድሽተ ኣሕዋቶም ብካቶሊካዊ መዕበያ ኣብ ር እሲ ም ዕባይ ምስ ማሪስት ዝበሃል ካህናት ብምምሃሮም ብ1953 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፤ ኣባል ናይቲ ኣብ ብሪታንይ ዘቲማደክ ዝርከብ ገዳም ምኔት (ኖትረ ዳም) እመቤትና ኣተው። ኣብ ሱሳታት ከኣ ብልመና ሊቀጳጳሳ ኣልጀርያ ብፁዕ እቡነ ለዮን ኤትየን ዱቫል ምስ ሰለስተ ብጾቶም መነኮሳት ኣብ ሓንቲ ዞባ ኣስላም ምስ ድኻታት ብድኽነት እትነብር ገዳም ንምምስራት ካብ ቲማደክ ናብ ቲብሂሪን ኣልጀርያ ነቀሉ። ንል ዕሊ 30 ዓመታት ኣገልጊሎም ከኣ ምስ ሓው ኣመደ ካብ ናይ 1996 ህልቂት ኣምለጠ፤ ኣብቲ ገዳሞም ከኣ ክሳብ 2000 ዓም ከም ኣበምኔት ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል ኣብ ራባት ሞሮኮ ዝርከብ ገዳም ተቀይሮም ኣባኡ ዓረፉ።

'ንእሽቶ ተረፍ ቲብሂሪን' ገዳም ምኔት ሚድለት ሞሮኮ 

ሓው ዣንፕየን ነቲ ሞሮኮ ኣብ ዝነበረ ገዳማም ንእሽቶ ተረፍ ቲብሂሪን ኣብ ሞሮኮ ቢሎም እንክሰምይዋ ‘ኣብዚ ገዳም እዚ ምህላውና ምልክት ናይ ወንጌል ምትእምማን ከማኡ እውን ንቤተክርስትያንን ንሕዝቢ ኣልጀርያን ዘሎና ምት እምማን ዘመልክት እዩ’ እክብሉ ይገልጹ ነበሩ፤ ከማኡ እውን እቲ ብተኣምር ካብቲ ህልቂት ዝተረፉሉ ምኽንያት ኣብ ቲብሂሪን ንዝተፈጸመ መሰኻኽር ንምዃንን ምስ ኣሕዋት ኣስላም ናይ ሓድነትን ተመኲሮና ንክነፍልጥ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ገዳም ምኔት ሚድለት ንቅጽሎ ኣሎና ይብሉ ነበሩ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2019 ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ረኺቦም ከምዘዘራረብዎም እውን ዝዝከር እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 November 2021, 16:27