ድለ

ምንቅስቓስ ይሴባህ ካብ መንግስታት ተባዕን ህንጡይን መብጽዓታት ይሓትት ምንቅስቓስ ይሴባህ ካብ መንግስታት ተባዕን ህንጡይን መብጽዓታት ይሓትት 

ምንቅስቓስ ይሴባህ ካብ መንግስታት ተባዕን ህንጡይን መብጽዓታት ይሓትት

ናይ ምድሪ መጠን ሙቐት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለቦዒ ኮቪድ - 19 ዝግ ቢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ እቲ ለብዒ ንዘስዓቦ ቅልውላው ቍጠባ ንምእላይ ዝግበር ቅድድም መሊሱ ክውስኽ ይገብሮ ከምዘሎን

እቲ ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእክቲ ኣስተንፍሶ ገይሩ ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባህ ኣብቲ ኣብ ግላስጐው ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ከምዝርከብን ሃብታም ሃገራት ንከባቢ ኣየር ዝብክል ከይዲ ምዕባለታትን ክቕይራን ብከላ ከባቢ ኣየር ኣብ ልዕሊ ድኻታት ናይ ዘለዎ ጽልዋ ዝያዳ ሓላፍነት ዝስከማ ክኾና ይግባእ ከምዝበለን፡ ናይቲ ምንቅስቓስ ወሳኒ ኣካል ኣካይዳ ዕዮ ሓላፊ ቶማስ ኢንሱዋ “እዚ ጻውዒት እዚ ናይ ግብረ ሰናይ ጒዳይ ዘይኮነስ ናይ ፍትሕቲ ጒዳይ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ግላስጐው ኣብ ዝካየድ ዘሎ  ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ዝርከብ እቲ ብናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቲ እተደረኸ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ እቲ ምስ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዚግበር ቃልሲ ውጽኢታዊ ኮይኑ መታን ክቕጽል ህንጡይን ጭቡጥ መብጽዓታት ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ንመራሕቲ ሃገራት ጽዋዒት ከምዘቕረበን፡ እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ግላስጐዎ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝምክር ዋዕላ ዝሳተፋ ናይ ዘለዋ ሓያሎ ማሕበራት ትጽቢት እውን ከም ዝኾነን፡ እቲ ንኣካባብያውን ማሕበራውን ቅልውላው ብሜላ ክፍታሕ ዝብልን ንመፍትሕታት ኣገዳሲ ባይታን መርትዖን ዘነጽር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ መጸውዕ ናይ ዝገበረ ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ካባቢ ኣየር ዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቕርቦ ጻውዒትን ዘመላኽቶ መፍትሕታትን ኣብ ዓለም ንምስፋሕ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ካቶሊካውያን ማሕበራትን ምንስቃሳትን  ዘተሓባብር እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘርኻኽር።

ንኣካባቢ ዝውፈ ሃብቲ ገንዘብ ኣዚዩ ሒደት እዩ!

“በቲ ሓደ ሸነኽ እተፈላለዩ መንግስታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምቅላስ ህጹጽን ሓያልን መደብ ስጒምቲ እዚ ከኣ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መደብ ኮይኑ ክቕጽል ተስፋ ዝተገብረሉ ኮይኑ፥ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዝቀረበ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምቅላስ ዝድግፍ መደብ መበገሲ እዩ” እንክብሉ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ኣመሓዳሪ ፈጻሚ ኣካል ቶማስ ኢንሱዋ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ትሕቲ ቅርጺ ንምጥቓም ነዳዲ ዝግበር ኪደት ደው ምባል

ናይ ምድሪ መጠን ሙቐት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለቦዒ ኮቪድ - 19 ዝግ ቢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ እቲ ለብዒ ንዘስዓቦ ቅልውላው ቍጠባ ንምእላይ ዝግበር ቅድድም መሊሱ ክውስኽ ይገብሮ ከምዘሎን፣ ንጒዳይ ጸዓት ብዝምልከት ይብሉ - ኵሎም መንግስታት ንዅሉ እቲ ነዳዲ ዘይቲ ንምውጻእ ዘድሊ ዝሕነጹ ዘለዉ ሓደስቲ ትሕቲ ቅርጽታት ደው ንምባል ቈረጽነት ክገብሩ የድሊ። ገሊኣቶም ድሮ ከምኡ ክገብሩ ጀሚሮም እውን እንተሃለዉ እዅል ግና ኣይኩነን። . . . ኵሉ ናብ ምጥቓም ጽሩይ ጸዓት ከብል እዩ ተስፋና” ኢሎም።

ሓገዝን ምትሕብባርን ኣብ ድኽነት ምስ ዝረከባ ሃገራት

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቶም ዝብልዎ ኣካባብያዊ ቅልውላው ማሕበራዊ ቅልውላው እዩ፡ ልዕሊ ኵሉ ዝጒድኡን ተዓደይትን ዝገብር ድኻታት እያቶም፣ እቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ድኻታት ሃገራት ኣብ ቃልሲ ጽልዋ ለውጢ ኣየርን ናብ ስነ ማሓድሮኣዊ ሜላ ንምስግጋር ንዝገብርኦ ጻዕሪ መሳለጢ 100 ቢሊዮን ዶላር ክስላዕ ተመዲቡ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ግን ከምቲ ዝተባህሎ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተውሃበ ይገልጹ።

ይሴባሕ ዓውዲ መልእኽቲ ፍራንቸስኮ መርሕ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምኡ እውን ማሕበረሰብኣዊ ሰርት እምነት ቤተ ክርስቲያንን እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ንምርዳእ ቡሶላ እዩ፥ እዚ ኸኣ በታ ‘ኵላትና ኣሕዋት’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቶም ዝማላእ እዩ። ድኻታት ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝግባእን ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበለዎ ሃብታማት ሃገራት ንድኻታት ሃገራት ማሓድሮኣዊ ዕዳ ኣለወን። እዚ ጒዳይ እዚ ልዑሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ክነሱ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብዙሕ ግምት ዝተወሃቦ ከምዘይመስል ይሕብሩ።

ጥዕይቲ መሬትን ጥዑያት ሰባትን

“ኣብዚ ቐረበ መዓልታት ተወከልቲ ምንቅስቓስ ይሴባሕ ኣብ ኢጣሊያ ዚንቀሳቐስ 86 ምስኡ ዝተሓባበሩ ውድባትን ንፓርላማ ኢጣሊያ ‘ጥዕይቲ መሬትን ጥዑያት ሰባትን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ጻውዒት ከቕርቡ እያቶም እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ መላእ ዓለም እውን ተኻይዱ እዩ። እዚ ኸኣ ንመንግስታት ነቲ ናይ ሙቐት ወሰኽ ናብ 1.5 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ክንክይ ዝብል መደብ ውሑስ ክገብሩ ዝጽውዕ እዩ።” እዚ እውን ናይቲ ናይ ፓሪስ ውዕሊ ሸቶ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 Nov 2021, 09:02