መበል 26 ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር፥ መራሕቲ ዓለም ንደቅሰብ ንምድሓን
ምስ ለውጢ ኵነታት ኣየር ንምቅላስ ብሓባር ስጒምቲ ንምውሳድ ከምኡ እውን መጻኢ መንእሰያት ንምርግጋጽ ዚግበር ጻዕርታት ምሕያል። እዚ ጒሉሕ ነጥብታት እዚ ናይቲ ኣብ ግላስኮ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ተበጊሱ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ናይ ዝካየድ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ናይ ዘካየዶ ዘተ ጽማሬ እዩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ መበል 26 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ መኽፈቲ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጒተረዝ ዘስምዕዎ መደረን ጥልቂ መልእኽቱን ንኹሉም ተጋባእያንን ነቶም ካብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ወጻኢ ኮይኖም ንዝከታተሉ ዝነበሩ ኵሎም ናብ ጥልቂ ጽሞና ከምዘጥሓሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለም ካብቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓመት ዝመጽእ ዕንወት ንምድሓን ሕጂ ስጒምቲ ክትወስድ ከምዘለዋ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም፥ “እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ምጥፋእ ኣቋሪጽካ ብምጥቃም ፍሓም ዝፍጸም ቅትለት ደው ይበል። ንተፈጥሮ ናብ ጓሓፍ ምቕያር የብቅዕ፥ ካብ ህርፋን ዘንቐሎ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ምዝመዛ የብቕዕ” ቢሎም ኣብ “ነዳዲ ዘሎና ትውክልቲ” ከምዝኾነኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ክፈሽል ዘይግብኦ ኣጋጣሚ
ናይታ እቲ ዋዕላ እተእንግድ ዘላ ሃገረ መራሔ መንግስቲ ቦሪስ ጆንሶን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ተመሳሳሊ ሻቕሎት ገሊጾም፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ካብ ፍሽለት ዝመጽእ ክትቆጻጸሮ ዘይከኣል ቁጥዐ ኣጠንቒቖም እቲ ዋዕላ ክፈሽል ዘይግብኦ ኣጋጣሚ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፥ ኣብታ ኣብ ዝተሓረዩላ ዕለት ሃገሮም ቅድሚኦም ዝነበረ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብቲ ንኽትወጽእ ዝገበሮ ውዕሊ ፓሪስ ክትምለስን ኣብ ምኽባሩ ክትዓዪ ምዃና ገሊጾም ከምዝነበሩን መንግስቶም ነቲ ንዓለም ለኻዊ ቍጠባ ዜደንቕ ዕድል ዝኾነ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ንምቅላስ እተካይዶ ጻዕሪ ከም እተባራትዕ ገሊጾም ኣገዳስነት ምቅላስ ንለውጢ ኣየር ከምዘብርሁ ኣፍሊጡ።
ድምጺ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም
ምዕራባውያን ሃገራት ነተን ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ብዙሕ ሓላፍነት ዘይብለን ግናኸ ብዙሕ ዝሳቐያ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት 100 ሚሊዮን ዶላር ኪህባ ዝገልጽ መብጽዓ ዘዘኻኽር ድምጺ ደቡባዊ ዓለም ኣብቲ ዋዕላ ከም እተቓለሔን እዚ ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ኣብ እተገብረ ዋዕላ እተኣትወ መብጽዓ ኰይኑ ይኽበር እውን ከምዘየሎ ክፍለጥ እንከሎ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ሰሜንን ደቡብን ዘሎ ናይ ምትእምማን ቅልውላው ዘደልድል እዩ፡ ሓደ ካብቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ዘረባ ዘስምዓ ናይታ ኣብ ምዕራባዊ ካራይቢ ዞባ ኣትርከብ ደሴት ባርባዶሳ መራሒት መንግስቲ ሚያ ሞትለይ፥ “ምዕራባውያን ሃገራት መብጽዓአን ኪሕልዋ ጻውዒት ከምዘቕረባን “እቶም ዝርእያ የዕንትን ዝሰምዕ ኣልባባት ዘለዎም - ብህይወት ንምንባር ነቲ ናይ ዓለም ሙቐት ኣብ 1.5 ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ምድራት ዝብል ናብ 2 ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ክብ ምባሉ ንሕዝቢ ኣንቲጓን ባርቡዳን ማልደቭን ፊጂን ኬንያና ወይ ሞዛምቢክን ሳሞኣን ባርባሮሳን ክላኦት ኣብ ደብባዊ ከባቢ ዓለም ንዝርከባ ድኻታት ሃገርት ንሞት ምፍራድ እዩ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገዳሲ ጒዳያት
ድሕሪ መበል 21 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ንሙቐት ዓለም ንምቅላስ ዚግበር ጻዕሪ ክበራታዕ ዝሓትት ጻዋዒት እናሓየለ ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዛዕባ ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍኖ በካሊ ጋዝ ሙቐት ከምዝውስኽ ዝገብር ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ህልው ኵነታት ዓለም ዘተባብዕ ኣይኰነን። ብሰንኪ ግዝያዊ ቝጠባዊ ቅልውላው እቲ ለብዒ እናነከየ ምስ ከደ ኣብ 2020 ዓ.ም. እቲ ዝፍኖ ጋዝ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ከምዝበጽሔ ይሕብር። ኣብዚ ኣብ ግላስጐው ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣብ መኽፈቲ ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ግዴታዊ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ካብ ተኣፋፍያንን ድኻታት ሃገራት ዝመጹ ተጋባእያን ቍጽሮም ኣዚዩ ውሑድ ከምዝኾነን እዚ እውን ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ዘይማዕርነትን ኢፍትሓውነትን ብጭቡጥ መረጋገጺ ምዃኑ ካብ ብዙሓት ኣካላት ዝግለጽ ዘሎ ሓሳብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።