ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ሊቢያ፥ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዘሰናኽል መቕጻዕቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ሊቢያ፥ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዘሰናኽል መቕጻዕቲ 

ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ሊቢያ፥ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዘሰናኽል መቕጻዕቲ

ምኽትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ሓዊስካ ዕስራ ዝኾኑ ከባብያውን ኣህጉራውን ርእሳነ መንግስታት ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ዕለት 24 ታሕሳስ ኪካየድ እተወደብ ህዝባዊ ምርጫ “ከተዓናቕፉ ወይ ብዅር ክኸውን ዚደልዩ” ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ወይ ወጻኢ ሃገር ዚርከቡ ሰባት መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም

ከባብያውን ዓለምን መራሕቲ እቲ ዕለት 24 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሊቢያ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ናጻን ግልጽን ኣብ ምግባር ክውሕሱን እታ ሃገር ካብ ዕሱባት ዕጡቓት ሓይሊ ሓራ ንምውጻ ቃል ከም እተኣትወ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ዕለት 24 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኪካየድ እተመደበ ህዝባዊ ምርጫ ናጻን ግልጽን ክኸውን ኣንጻር ንግድ ሰብን ቶኽሲ ደው ምባልን ከምኡ እውን ካብታ ሃገር ዕሱባት ወተሃደራት ክወጹን ዝብሉ መብጽዓታት ኣብቲ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ምስ ኢጣሊያን ጀርመንን ብምትሕባር ኣብ ዘሰናደውዎ ዓውደ ኣኼባ ዝቐረበ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ልዕሊ እቶም ምርጫ ዝዓግቱ መቕጻዕቲ

ምኽትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ሓዊስካ ዕስራ ዝኾኑ ከባብያውን ኣህጉራውን ርእሳነ መንግስታት ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ዕለት 24 ታሕሳስ ኪካየድ እተወደብ ህዝባዊ ምርጫ “ከተዓናቕፉ ወይ ብዅር ክኸውን ዚደልዩ” ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ወይ ወጻኢ ሃገር ዚርከቡ ሰባት መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ወሲኖም ኣለዉ። እቲ ኣብ ሊቢያ ድሕሪ ወርሒ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ፥ ርእሰ ብሔርን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዘቕውም “ፍትሓውን ሓፈሻውን” ከምኡ እውን ዜእምን” ኪኸውን እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ዕሱባት ወተሃደራት ምውጻእ

እቶም ኣብ ፓሪስ ዝተኣከቡ መራሕቲ “ነቲ ወተሃደራት ንምውጻእ እተገብረ ሰፊሕ መደብ ስጒምቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፉ” ገሊጾም፡ ካብ ከባቢ ሃገራት ሊቢያ ዝመጹ ወጻእተይናታት ተዋጋእትን ሓይልታት ወጻእን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሽማግለ ምስቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዘጽደቖ 2570 ውሳነ ብምስምማዕ ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ መደባት ብምስናይ ነቲ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እተገብረ  ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውዕል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከምዝዓዩ እውን ከምእተገልጸ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስደተይናታትን ንግድ ሰብን

ኣብቲ ናይቲ ዋዕና ናይ ፍጻመ ሰነድ ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ንግድ ሰብን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጒዳይ፥ እቶም ተጋባእያን “ንዅሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝፍጸም ምጒዳል ፍትሕን ህስያን ዘይሕጋዊ ዕዳጋታትን ከምኡ እውን ንግድ ደቅሰብ ንምምኹናን ስጒምቲ ንምውሳድን ሓላፍነት ኣሎና” ዝብል ሓሳብ ከምእተነብረን፡ “ኣብ ዝኾነ ይዅን ኵነትን እዋንን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከይገሃስ” እውን የተሓስስቡ።

ሓባራው ቃልሲ ኣብ ጸረ ግብረ ሽበራ

ዕለት 23 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እተገብረ ውዕል ደው ምባል ቶኽሲ ምሉእ ብሙእ ትግቡር ክኸውን ኣበርቲዖም ከምዝዓዩን መገድታት ገማግም ባሕሪ እንደገና ንምኽፋት ዝብል ሓሳብ እውን ከም እተሰማምዕሉን ምስ ናይ ውድብ ሕቡራትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ብምስምማዕ ኣብ ሊቢያ ጸረ ግብረ ሽበራ ኣገዳሲ ግደ ከምዘለዎ ኣጒሊሖም ንዅሎም እቶም ጒጅለታት “ካብቶም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ግብረ ሸበራውያን ተባሂሎም እተፈርዱ ጉጅለታት ኰነ ውልቀ - ሰባት ገዛእ ርእሶም ከርሕቝ” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 November 2021, 00:24