ኣብ በልጂም ናይ ማሕበረ ክርስቲያንን እስላምን ቅነ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ በልጂም ናይ ማሕበረ ክርስቲያንን እስላምን ቅነ ናይ ሓባር ዘተ 

ኣብ በልጂም ናይ ማሕበረ ክርስቲያንን እስላምን ቅነ ናይ ሓባር ዘተ

እቲ መደብ ዘራኽብ ድልድል ዝሕነጸሉን በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ዓዓመት ዝካየድ መደብ ክኸውን ሓሳብ ይቐርብ ምህላዉን

እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ፍልጠትን ንምድንፋዕ ኣብ ዝተፍላያ ሃገራት ካብ ዝካየዱ መደባት ሓደ እቲ ኣብ በልጂም ናይ ማሕበረ ሰብ ክርስቲያንን እስላምን ቅነ ናይ ሓባር ዘተ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ቅነ ዘተ ዕለት 13 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብሓባር ናብቲ ኣብ ብራሰልስ ናብ ዝርከብ መስጊድ ኣል ካሊል ብዝተኻየደ ምብጻሕ ከምእተበገሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ቅነ ዘተ ማሕበረ ክርስትያንን እስላምን ብዘተፈላለየ ባህላውን መንፈሳውን ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ ኣኼባን ጸሎትን ዘጠቓልል ኮይኑ ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ንዝተፈላለያ ባህልታትን ሃይማኖታትን ርክብ ዝሓልይ ማሕበር ብምትሕብባር ይሳለጥ ከምዘሎን እዚ ከምዚ ዓይነት መደባት እውን ኣብ መንጐ እተን ዝተፈላለያ  ሃይማኖታት ምፍላጥ ክህሉ ዝድርኽን ናይ ሓባር እስተንትኖን ዘተን ጸሎትን ዘጠቓልል ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ በልጂም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

መራኸቢ ድልድል ምህናጽ

እቲ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝግበር ዘተ ሃብትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ነቲ ካልእ ንኽትፈልጥ ዘኽእል ድልድል እዩ። ስለዚ እቲ መደብ ዘራኽብ ድልድል ዝሕነጸሉን በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ዓዓመት ዝካየድ መደብ ክኸውን ሓሳብ ይቐርብ ምህላዉን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን እስላምን ኣብቲ ኣብ ግላስኮ ዝተኻየደ መበል 26 ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመኸረ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዘርኣይዎ ሓባራዊ ቈራጽነት ዝተመስከረሉን ዘቐጽልን እውን እዩ። እቶ ናይቲ ናይ ሓባር ዘተ ተሳተፍቲ እውን ናብ ቅዱስ ሚክኤልን ቅዱስ ጉዱላን ብሓባር ምብጻሕ ከምዘካየዱን እዚ መደብ ቅነ ዘተ ዕለት 21 ሕዳር ሰዓት ኣርባዕተ ምሸት ከምዝዛዘም ዜና ቫቲካን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ በልጂም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

18 November 2021, 08:49