ኣብ የመን ገና ዝቕጽል ዘሎ ሞትን ማህሰይትን ኣብ የመን ገና ዝቕጽል ዘሎ ሞትን ማህሰይትን 

ኣብ የመን ገና ዝቕጽል ዘሎ ሞትን ማህሰይትን

ኣብ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ዝዓዪ ኦክስፋን እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ፥ “ኣብ የመን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፈአ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥም ከምዘሎን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ድሮ ልዕሊ 143 ሺሕ ግዳያት ከምዝገበረን ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ ሓደ ካብ ሸሞንተ ሰባት ብዘይ መንበሪ ቤት ክተርፍ እዩ”

ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ሺዓውያን ሁቲ ዓለወይናታት በቲ ብሱዕዲ ዓረብ እትመርሖ ጥሙር ሓይሊ ምክልኻል መንግስታት፥ ከምእተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ነርባዕተ ዓመት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ደው ኢላ ዘላ ዓባይ ነዳዲ መጓዓዝያ መርክብ ጒዳይ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ርያድ እተመርሖ ወተሃደራዊ ጥሙር ሓይሊ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታታ ኣብ የመን 33 ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝፈጸመ ይግለጽ። እቲ ጒድኣት ዝወረዶ ከባቢ ብደቡብ እታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስነ ስልታዊ ቦታ ኣብ ዝኾነት ማሪብ እዩ። ሸሞንተ ወተሃደራዊ ማካይን ከምዝዓነዋን ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዝሓለፈ ሰንበት ከኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕርሻ ሚኒስትር ሳለም ኣል ሶኮትራይን ናይ ኣደን ኣማሓዳሪ ኣህመድ ላምላስ ዓጂበን ኣብ ዞባ ታዋሂ ዝጓዓዛ ዝነበራ ማካይን መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመን እዞም ክልተ ሰበ ስልጣን ቀሊል መጒዳእቲ ከምዘይጋጠሞምን እንተዀነ ግን ቍጽሪ ናይቶም ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 6 ሰባት ከምእተቐትሉን ካልኦት ሸውዓተ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ይንገር።

ንኸቢድ ስግኣት መጓዓዝያ ነዳዲ መርከብ

እታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም የመን ብዓለወይናታት ዝተዓገተት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ፉስቶ ዝግመት ነዳዲ ዝጸዓነት ዓባይ ናይ ነዳዲ መጓዓዝያ መርከብ ኵነታት ከቢድ ዝግኣት ይፈጥር ከምዘሎን እታ ሳፈር ኣተሰምየም ዓባይ መርከብ፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ትዕገት ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ተቑጽር ዘላ ብዘጋጥማ ዘሎ ናይ ምብስባስ ሓደጋ ክትባርዕ ከምእትኽእልን እዚ ኣብ ልዕሊ ቀረብ ነዳዲ ብርቱዕን ቅልውላው ከስዕብ ከምዝምእኽል ይንገር። ሸሞንተ ሚሊዮን ዝቝጸሩ ሰባት ንስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ከቃልዕን ኣብ ልዕሊ ሃብትን ህይወትን ማያት ባሕርን ከቢድ ቅልውላው ከስምዕብ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ዓለወይናታት ነታ መርክብ ናጻ መልቀቒ ገንዘብ እውን ይሓቱ ኣለዉ። 

ዘሰክፍ ኵነታት ህዝቢ የመን

ኣብ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ዝዓዪ ኦክስፋን እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ፥ “ኣብ የመን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፈአ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥም ከምዘሎን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ድሮ ልዕሊ 143 ሺሕ ግዳያት ከምዝገበረን ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ ሓደ ካብ ሸሞንተ ሰባት ብዘይ መንበሪ ቤት ክተርፍ እዩ” ይብል። ኣብ ኢጣሊያ ናይቲ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ረድኤት ናይ ህጹጽ ኵነታት ጒዳያት ኣማኻሪ ፓውሎ ፐዛቲ፥ “ኣብታ ሃገር ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ይላባዕ ከምዘሎን 99 ሚእታዊ ህዝቢ እታ ሃገር ክትባት ከምዘይረኸበን ካብ ጠቕላላ 20 ሚሊዮን ህዝቢ እታ ሃገር እቲ 66 ሚእታዊ ዝሽፍን ጽግዕተይና ረድኤት ከምዝኾነን ካልኦት ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝግመቱ ከምእተመዛበሉን 16 ሚሊዮን መግቢ ናይ ምርካብ ውሕስነት ኣልቦ ከምዝኾኑን 50 ሺሕ ብጥምየት ይሳቐዩ ኣለዉ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን የመናውያን ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ተመዛቢሎምን ክልተ ሚሊዮን ዝኸውን ድማ ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብርቱዕ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባብ ማሪብ ዚነብሩ እያቶም። ብስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይን መጸራረይን ብዙሓት ኣብ ስቓይን ኣባይቲ ትምህርቲ ኣባይቲ ሕክምናን ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ከምዝቃልዑን ብጠቕላላ እቲ ካብ ዝባራዕ ሽዱሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውግእ ክልተ ሚልዮን ቈልዑ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 4.3 ሚሊዮን ከምዘመዛበለ ይሕብሩ።

16 October 2021, 09:45