መራሕቲ ሃይማኖት፥ ዋላ ሓደ ስም ኣምላክ መጋበርያ ባርዀት ራዕዲ ከየውዕሎ!
እቶም ኣልዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ዓለም ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ሰላምን ምጒዳል ኣጽዋር ውግእን ውሑስ ክኸውን ብሓባር ብዘቕረብዎ ናይ ልመና ጸሎት እቲ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘዳለዎ መበል 35 ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መራሕቲ ዘራኸበ ዓውደ ዘተ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሃይማኖታት ሰላም ከሰርታን ንሰላም ክሓንጻን! ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖታት ዓለም ምእንቲ ሰላም ብሓባር ድሕሪ ዝኸተምዎ ናይ ሓባር ሰነድ ሳበራ ኣህማዲ እትበሃል ኣፍጋናዊት በቲ ኣብ ሃገራ ዘሎ ኵነታት ተገዲዳ ዝተሰደት መንእሰይ ኣብ መወዳእታ እቲ ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ እተወደበ ኣብ ቅርዓት እቲ ናይ ዕብየትን ከምኡ እውን ናይ ስቓይ ትእምርቲ ዝዀነ ኮሎሰዩም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት መደብ ከም ዘንበበኦ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ምእንቲ ሰላም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎት መደብ ዮሓንስ ጳውሎስ ቅድሚ 35 ዓመት ኣብ ኣሲዚ ክካየድ ዝገበርዎን ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘነቓቖሖን ከምዝኾነን፡ እቲ ናይ ለምዘበን መበል 35 ዓውደ ርክብ “ሕውነት ኣህዛብ፥ መጻኢ መሬት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖት ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት ናይ ሓባር ሰነድ “ለብዒ ኮቪድ - 19 ደቅሰብ ኣብ ሓንቲ ጀልባ ምዃኖም መጻኢ ናይቲ ዘባኽን ዝምዝምዝን ሰብ ዘይኰነስ ናይ ሓድነትን ምትሕብባርን ሕውነት ሕዝብታትን ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ኣፍሊጡ።
ስም እግዚኣብሔር ንመጋበርያ ባርዀት ራዕዲ ከይውዕል!
ስም ኣምላኽ ሰላም እዩ ዋላ ሓደ ሰብ ድማ “ራዕድን ዓመጽን ንምብራኽ ስም ኣምላኽ ኪጥቀም የብሉን።” ዓለም ብወግእ ግብረ ሽበራውያን ብምፍርራህ ከምእ እውን ብዓመጻ ትሳቐ ኣላ “ከም መሳርሒ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ሜላ መጠን ውግእ ምጥቃም እናተሓደሰ ይቕጽል ኣሎ።” መራሕቲ ሃይማኖት እቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበሩ ሰባት ይፈጥኡ ስለ ዘለዉ ተዘክሮ እቲ ዘስካሕክሕ ውግእ ምጥፋኡ ሃደገይና እዩ” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ መደረ ዘስምዑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ናይ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ ክዀኑ እንከለዉ፡ “ብዛዕባ ናይ ውግእ መዓትን ራዕድን ዘሎ ምስትውዓል” እናደኸመ ይኸይድ ከምዘሎን እቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ተሪር ርክብን ውግእ ከም ናይ ፖለቲካ ሜላ መሳርሒ ገይርካ ምጥቓም ገምጋሚ ሓይልን መግለጺ ዓመጽን እዩ” ቢሎም ኮቪድ - 19 “ናይ ዓለም ተነቃፍነት” ኣርእዩ እዩ ስለዚ ብሓንሳእ ንኽንህነጽ ሓድሽ ዓለም የድልየና እዩ። ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝወረደ ናይ ስቓይ ትምህርቲ ሃብቲ ገርና ብሓባር ብሉጽ ዓለም ንሕነጽ” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ብቕልጡፍ ውሳኔ ምጒዳል ኣጽዋር ምትግባር
ሎሚ እውን ሰላም ንኽህሉ ዝግበር ምሕጽንታ ይቕጽል ኣሎ እዚ ኸኣ ስቓይ ናይቶም ካብ ውግእ ካብ ማሓድሮኣዊ ቅልውላው ድሕሪኡ እውን እቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ዝዋረዱን ኣንስትን ቈልዑን ኣረጋውያንን እተጠንጠኑ እተደርበዩን ድኹማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ሰባት እዩ። ንድኻታት ጽን ኢልካ ምስማዕ ኣድላዪ እዩ ከመይሲ እተን ኣብ ከተማ ሮማ ዝተራኸባ ሃይማኖታት “ቅድም ቀዳድም ምእንቲ ሰላም ይጽልያ። ሰላም ዝብል ሓያል ጻውዒት የቕርባ። እንተዀነ ግን እቲ ሕጂ ተዓጊቱ ዝተረፈ መስርሕ ኣጽዋር ንግድን ኣጠቓቕማ ኣጸዋርን ደው ንምባል ከምኡ እውን ምብዛሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር” ክተገልጾ ዘከኣል ስግኣት” ብቕልጡፍ ክትግበር ወሳኒ ይኸውን።
መርከልን ኣል - ጣይብን
ሰላም ንምህናጽ፥ ኣብቲ ዓውደ ርክብ ዝተረኽባ እንኮ ፖለቲከይና ናይ ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል “ኣብ መንጐ መንግስታትን ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ግልጽን ኣኽብሮትን ንዘለዎ ምይይጥ ክንዓዪ የድልየና” ግጭታት ከጋጥም ከሎ ዘይንቀሳቐሱ ተዓዘብቲ “ድማ ክንከውን ከም ዘይብልና ዝሕብር እዩ። ነቶም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ግዳያት ኮቪድ - 19 ዝዀኑ ሓሙሽተ ሚሊዮን ሰባት ዝዘከሩ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበር ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ፥ እቲ ተርኺቡ ዘሎ ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ንብምሉአን ኣህጉራት ካብቲ ሕማም ንምክልኻል ዝጠቕም እምበር ንገልኤን ሃገራት ጥራሕ ዝውዕል ክኸውን የብሉን፥ ስለዚ ካብቲ ጓስጓስ ክትባት ዝንጸላ ሃገራት ከይህልዋ ሓደራ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኵሉ ምእንቲ ሰላም ብንጹሕ ልብን ብግብረ ጽድቅን ምህለላን ጸሎት ይዕርግ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጽሕፍቶ ሕውነት እዩ
መጻኢ ዓለም ኣብቲ “ህዝብታት ኣብ ምድሪ ከም ኣሕዋት ምፍላጥ ዝብል ጽሕፍቶ እዩ” ስለዚ ከም ኣሕዋት መጠን ገዛእ ርእስና ኣፍልጦ ብምሃብ ክንነብርን እዚ ናይ ዅለን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ሕቶ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኵሉ እዩ ስለዚህ መጻኢ ዓለም ኣብዚ ስለ ዚምርኮስ ኣብ ምርግጋጹ ትብዓት ይሃልወና ዝብል ሓሳብ ዘቃልሔ ርክብ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።