ድለ

ብስም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕ.መ. ኣርመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ፍርዲሞት ክለዓል ይሓትቱ ብስም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕ.መ. ኣርመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ፍርዲሞት ክለዓል ይሓትቱ 

ብስም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕ.መ. ኣርመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ፍርዲሞት ክለዓል ይሓትቱ

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክሪስቶፍ ፒየረ ብስም ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ሚዙሪ ኣመሓዳሪ ማይክል ፓርሰን ነቲ “ኣብ ልዕሊ ጆንሰን ዝተበየነ ፍርዲ ሞት ተፈጻሚ ይዅን ዝብል ክታሞም” ከየንብሩ ዝላበው

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ክሪስቶፈር ፒየረ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመሓዳሪ ሚዙሪ ኣብ ልዕሊ ብቕትለት ገበን ዝተኸሱ 61 ዓመት ዝዕድመኦም ኤርነስት ጆንሰን ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብኽታሞም ውድቂ ገይሮም “ናይ ህይወት ክብሪ” ክምስክሩ ዝጽውዕ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፍፉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”፥ ኣብ ልዕሊ ኤርነትስ ጆንሰን እተበየነ ናይ ሞት ፍርዲ ደው ከተብልዎን ምሕረት ክተግብርሎምን ካብ ልበይ እምሕጸ”። ኣዚ ሕቶ እዚ “ኣብ ጭብጥታትን ኵነታትን ገበን እቶም ሞት ዝተበየኖም እተመርኰሰ ኣይኰነን]፡ ከምኡ እውን ጆንሰን ዘለዎም “ዜተሓታትት ኣእምሮኣዊ ብቕዓትን” እተመርኰሰ ኣይኮነን- ኣብ ክንዱእስ “ሰብኣውነት ጆንሰንን ቅድስናን ክብርነትን ኵሉ ህይወት ወድሰብን” ማእከል ክኸውን ዝምሕጸን እዩ። እቲ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክሪስቶፍ ፒየረ ብስም ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ሚዙሪ ኣመሓዳሪ ማይክል ፓርሰን ነቲ “ኣብ ልዕሊ ጆንሰን ዝተበየነ ፍርዲ ሞት ተፈጻሚ ይዅን ዝብል ክታሞም” ከየንብሩ ዝላበው ምዃኑ ኣባል ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ዮሴፍ ኣመሪካዊት ፍርዲ ሞት ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ክሕከኽን ናይ ሞት ፍርዲ ክወገድን ካብ ነዊሕ ሰላሳ ዓመት ብዝተፈላለየ መዳይ ዝዓያን ዘገልግላን እናቴ ሀለን ፕረዢን ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣድራሸኤን ኣቢለን ዝሃበዎ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጒዳይ ኤርነስት ጆንሰን

እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርነስት ጆንሰን ዝተበየነ ፍርዲ ሞት ዕለት5 ጥቅምቲ ኣብ ቤት ማእሰርቶ ቦን ተረ ክፍጸም ምዃኑን እዞም ወዲ 61 ዓመት ኣመሪካዊ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ሓደ ዓቢይ ቤት መሸጣ ዘረፋ ክፍጽሙ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ዝፈጸመዎ መቕተልቲ ምኽንያት ንሞት ዘበየኖም እዮም። ጠበቓታቶም እውን ናይ ኣእምሮ ስንክልና ስለ ዘለዎም ዝተበየኖም ናይ ሞት ፍርዲ ውድቂ ክኸውን ብዘይ ምቑራጽ ዘቕረብዎ ናይ ይግባይ ሕቶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚዙሪ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጆንሰን ምንም ዓይነት ናይ ኣእምሮ ስንክልና የብሉን እንክብሉ ነጺጉን ንሞት ከምዘበየኖ ይገልጽ።

ነቲ ክገሃስ ዘይብሉ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ

ኣብታ ናብ ኣመሓዳሪ ሚዙሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እተላኣከት ደብዳበ “ሰብኣውነት ከይርስዑ” ተላብዮም ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም “ነቲ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ሓጥኣን ሕነ ናይ ምፍዳይ ጭካነ ኣይተቃልሑ የገዳስ ቍስሎም ንምሕዋይ ፍቃድ ይሃልዅም” ቢሎም ምምሕዳር ሚዙሪ ሕይወት ንምዕቋብ ዘርኣዮ ትብዓት ዘኪሮም፡ ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምንጻግ “ነቲ ዘይገሃስ ክብሪ ወድሰብ ብትብዓት ኣፍልጦ ምሃብ” እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ግዜ ለብዒ እተፈጸመ ናይ ቅትለት መቕጻዕቲ

እቲ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ክትግበር ዝብል ኣብ ልዕሊ ጆንሰን እተበየነ ፍርዲ ሞት እንተድኣ ተፈጺሙ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝጅምር ኣብ ሚዙሪ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ንካልኣይ ግዜ ከምዝኽውንን ለብዒ ካብ ዝቀላቐል ኣብ ሕ.መ. ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርዲ ብምፍጻም ሚዙሪ ቀዳመነት ስዒቡ እውን ግዝኣት ተክሳስ ከም ዝስራዕ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

02 Oct 2021, 16:50