ግዜ ከይተጸንቀቐ እንከሎ ንማዳጋስካር ሓገዝ ምቕራብ
ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ዘውጸኦ ጽብጻብ ከምዝሕብሮ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ብግዲኡ ጥሜት ዘፍሪ ለውጢ ኵነታት ኣየር ኣብ ዓለም ልዕሊ ኵሉ እተገድኤት ሃገራት እያ ስለዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዚ ጒዳይ እዚ ህጹጽ መልሲ ክህበሉን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጭንፈር ኢጣሊያ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ሪካርዶ ኑሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም ትሽዓተ ኣብ ሓንቲ ብለውጢ ከባቢ ኣየር ኣጸቢቓ ኣብ እትጽሎ ሃገር ኣብ ድኽነት እዮም ዝነብሩ። ልዕሊ ሓደ ሚሊዮ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማዳጋስካር ኣብ ድነ ጥምየት ከም ዘለዉን እዚ ኸኣ ኣካባቢያዊ ረቛሒ ድሮ ንህዝቢ ብዙሕ ስቓይ የምጽኣሎም ከም ዘሎ ዝሕብር ካልእ ምልክት እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ዘውጸኦ ጽበጻብ ዘመላኽቶ ቅዉም ሓሳብ እዩ።
ኣገዳስነት ህጹጽ ስጒምቲ
ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቂ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣብቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ኣብ “ምስ ሞተ ክትሕግዞ ካብ ምጒያይ ግዜ ከይተጸንቐቐ እንከሎ ሓገዝ ምቕራብ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ፥ ማዳጋስር ካብ ብግንባር እትርከቦም ኣብ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ዝርከብ ነዚ ስዒቡ ኣብ ጽንኵር ጥምየትን ዓጸቦን ዝርከባ ሃገራት ኵንታት ዝድህስስ ክኸውን እንከሎ፡ ግዜ ከይኣኸለ መራሕቲ ዓለም ብዓንተውዑ ህይወት ሰባት ከድሕኑን መሰላት ሰባት ክዕቍቡን ጻውዒት ዘቕርብ ምዃኑ ናይቲ ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ኣኘስ ካላማርድ ነቲ ሰነድ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ ከምዝሓበራ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘበራብር ጻውዒት
ናይቲ ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ኣኘስ ካላማርድ ከምዝገለጸኦ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዚገልጽ ግምታት ደርቂ ኣብተን ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ንዝርከቡ ሰባት ኣመና ከቢድን ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ዝጸሉን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። ብመሰረት እቲ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዓውደ ኣኼባ፥ መራሕቲ ዓለም ነቲ ጒዕዞ ንምቕያር ቅልጡፍ ስጒምቲ ምእንቲ ኪወስዱ ዘበራብር ጻውዒት እዩ ቢለን መራሕቲ ዓለም ነቲ ዝፍኖ መጠን ካርቦንዳይኦክሳይድ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ብውሕዱ ብ45 ሚእታዊ ንምንካይ ኣብ 2050 ዓ.ም. ከኣ ናብ ዜሮ ንምብጻሕ ጭቡጥ ስጒምቲ ኪወስዱ ዝጽውዕ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሻቕሎት መግቢ
ኣብ ደቡባዊ ማዳጋስካር ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ኣርባዕተ ደርቂ ኣጋጢሙ እዩ። እዚ ኸኣ ሕርሻን ምህርቲ ሕርሻን ኣዕንዩን ሰባት መግቢ ንኸይረኽቡ ከምዝገበረን “ብመሰረት እቲ ዓለም ለኻዊ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብን ከምኡ እውን ብውድብ ናይ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግንቦት ዘውጸኦ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ እታ ሃገር ብርቱዕ ናይ መግቢ ድሕንነት ከም ዘይብሎም ይግምት፡ ካብዚ ኣቶም 14,000 ዝኾኑ ኣብ “ሕደገይና” ኵነታት ምህላዎም የመላኽት።