ድለ

2021.10.08 ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ 2021.10.08 ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ 

ኣል ጣየብ፥ “ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ንሰዓብቲ ምስምልና እውን ኣገዳሲት እያ!

ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ፥ “ፍቝር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሓርዩ መንበረ ጥበብ ኣል -ኣዝሓር እንቛዕ ሓጐሰኵም ዝብል ተበገሶ ወሲዱ እዩ። ካብ ቅዱስነቶም ከኣ ጽቡቕ ምላሽ ረኺብና ኢና።” እቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ መልእኽቲ መልሲ “ንርክባትና ከነሐድሶ ዘተባብዓና ከምዝነበረን

ኣል ጣየብ፥ “ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ንሰዓብቲ ምስምልና እውን ኣገዳሲት እያ!

ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ ምስዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድውዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነበሮም ርክብ “ካብታ ቐዳመይቲ ደቒቅ ኣኼባና እትሒዝና ካብታ ዘተራኸብኩሎም ዕለት ኣትሒዘ ፍራንቸስኮ ናይ ሰላምን ሰብኣውነትን ሰብ ምዃኖም እየ ዘረጋገጽኵ” ምስ በሉ፥ እታ ብ.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተደርሰት ኵላትና እሕዋት ዘርእታ ዓዋዲት መልእክቲ እቲ ኣብ ሃይማኖት ዓሌት ጾታ ወይ ካልኣ ዓይነት ዘይተጻዋርነት ዝተመርኮሰ ኣድልዎ ዘይህልወሉ ናይ ሓቂ ሕውነት ክህሉ እትድርኽ እያ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሰብ ዜሳቕዩ ጸገማት ብመንፈሳውን ብሓልዮትን ከም እንብድሆ ኣስተውዒልና ኢና” ነዚ ዝበሉ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ፕሮፈሰር ኣህማድ ሙሃማድ ኣል - ጣየብ ኣብ ሮማ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮነ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ኰይኖም ኣብ እተወሰነ ኣገዳሲ ፍጻሜትት ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ፥ “ፍቝር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሓርዩ መንበረ ጥበብ ኣል -ኣዝሓር እንቛዕ ሓጐሰኵም ዝብል ተበገሶ ወሲዱ እዩ። ካብ ቅዱስነቶም ከኣ ጽቡቕ ምላሽ ረኺብና ኢና።” እቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ መልእኽቲ መልሲ “ንርክባትና ከነሐድሶ ዘተባብዓና ከምዝነበረን ስለዚህ ኣብ ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም እውን ከምእተራኸብዎም የዘኻኽሩ።

ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ

ኣብቲ ምብጻሕ እቲ፥ “ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሰብ ንስቓይ ዝዳርጐ ከምኡ እውን ንድኻታት ዘኽታማት መበለታት ግዳያት ውግእን ግዳም ሓደርን ንኸነብል ብፍሉይ መገዲ መንፈሳውነትን ሓልዮትን ምቅርራብ ረኺብና ኢና።”

ኣል - ጣየብ ቀጺሎም ይብሉ፥ “እዚ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣነን ዘሎ ምቅርራብ ነዚ ጸገማት እዚ ንምእላይ ብዙሕ ኣበርክቶ ክገብር ዝክእል እዩ። ካብታ ዝተራኸብናላ ህሞት እቲኣ ኣትሒዙ ድሕር ምሕር ዘይብሉ እዩ። ኢደይ ንምዝርጋሕ ድሕር ኣይበልኵን፣ ኣብ ዘቕረብው ጻውዒትን ዕድመ ኵሉ። ካብታ ኣኼባ ዝጀመርናላ ናይ መጀመርና ናይ ርክብና ደቒቕ ኣትሒዘ ሰላምን ሰብኣውነትን ዝዓሰሎም ሰብ ምዃኖም እየ ዘረጋገጽኵ።” ብተወሳኺ እውን ኵነታት ጽቡቕ ከምዝነበረን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ሽዱሽተ ዋዕላታት ከምእተኻየዱን ኣብ ሓምሻይ ክፋል እዚ ኣኼባታት እዚ ነቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳነ ሰነድ ብሓባር ከቲምና ወግዓዊ ንምግባር በቒዕና ኢና” ኢሎም።

ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ ምስዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም.
ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ ምስዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም.

ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ

ብዛዕባ እታ ቅድሚ ሓደ ዓመት እተሓትመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልኽቲ “ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ንእስላም ኮነ ንምስሊም ዘይኰኑ ሰባት ብርግጽ ዓቢዪ ኣገዳስነት ኣለዋ” ምስ በሉ፥ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንርክባቶም ንኣስተንፎሶታቶም መቓን ኰይናትና እያ” እንክብሉ የረጋግጽይ።

 

እታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ “ናብ ሓደ ኣንፈት ማለት ናብ ዘተን ንናይ ሰብኣዊ ሓባራዊ ናብራን እያ እተማዕድው” ብሓጺሩ ኸኣ “ኣብ ሃይምኖታዊ ኑዛዜ ጾታ ወይ ካልእ ዓይነት ዘይተጻዋርንት ተመርኵስካ ኣድልዎ ዝግበረሉ ቦታ ዘይብሉ ናይ ሓቂ ሓድነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምሕጽንታ እያ።”

ኣብ ርእሲ እዚ እውን “እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኵላትና ኣሕዋት ምዃንና ስለ እትገልጽ ንእስላም ኮነ ንኻልኦት ሰዓብቲ ሃይማኖት ኮታ ንብምሉእ ሰብኣዊ ፍጥረት ጠቓሚት እያ። ከምቲ ቍርዓን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልንና ‘ኣህዋት ኣለዉዅም ኣብ ደቅሰብ ከኣ ማዕረ ኢዅም’ ከምዝብሎ።” በዚ መዳይ እዚ “ሰብ ምሳይ ከም ዚመሳሰል ወይ ከም ዝመዓራረ ኣብ ደቂ ሰብ - ኣሕዋት ከምዝኾኑን። ኣብ ሃይማኖት ሓው ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ ኣብ ደቂ ሰብ ምዃን እውን ሕውነት ኣሎ።”

ሃይማኖታት ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዘለወን ግደ

ዓቢይ መምህር ኣል ጣየብ፥ ብዛዕባ እቲ ሃይማኖታት ንሰላምን ሓድነትን ኣብ ምድንፋዕ ከምኡ እውን ምስ ጽልእን ግብረ ሽበራን ኣብ ምቅላስ ዘለወን ግደ እንክዛረቡ፥ “ከምቲ እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገለጾ ሃይማኖታት ኣብ ታሪኽ ጠንቂ ውግእ ኢየን ምባል ግጒይ ኢዩ። ከመይሲ እቲ ብስም ሃይማኖት ዝግበር ግጭት ተባሂሉ ዝፍለጥ ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ነቲ ምስ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሉ ዓለማዊ ወረራን ረብሓታትን ንምርካብ ተባሂሉ ንስም ሃይማኖት ብልሹው ትርጒም ብምጽዓን ዝምዝምዞ ፖለቲካዊ ግጭት እዩ።”

እቶም ሎሚ ኣብ መንጐ ሰባት ጽልኢ ዘስፋሕፍሑ ብስም ሃይማኖት ወይ ኣምላኽ ከኣ ዓመጽን ፍፍሳስ ደምን ዝፍጽሙ ነተን ሰንደቕ ዓላማአን ዘልዕላ ሃይማኖታት ሓሰውትን ከዳዓትን እዮም ክብል እኽእል፣ . . .

ንኽብረት ደቀንስትዮ ምሕላው - ምኽባር

ኣብ መወዳእታ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣየብ፥ ብዛዕባ ክብርት ደቂ ኣንስትዮን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘይኽብር ጥሩፍነት ከም ብሓድሽ ከም ዚለዓል ዚሕብር ምልክታት እንታይ ይብሉ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “እቲ ኣብ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት እተገልጸ ነገር፡ ምስልምና ንደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ምኽባርን ንመሰላተን ምሉእ ኣኽብሮትን ዘማእከለ ጽሑፍ ኣሎ። ምሉእ ክብሪ ዝብል እውን እዩ።”

ኣስዒቦም፥ “ንሰበይቲ ካብቲ ብምስልምና ሃይማኖት እተመስረተ ኣብ ቁርዓን ከኣ ‘ኣንስቲ ማዕረ ሰብኡት እየን’ ዚብል ንጹርን ሕጽር ዝበለን ምሉእ ሓሳባት ዝሓዘ መሰላተን ኪኽልከል የብሉን ይብል። ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንትእዛዛቱ እሙን ዝኾነ ይዅን ሰዓቢ እምነት ምስልምና ነቲ ብምስልምና እተረጋገጸ መሰላት ካብ ደቂ ኣስንትዮ ኬርሕቖ ኣይክእልን እዩ።”

ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ዝለዓል ዘሎ ጒዳያት “ንሕጊ እስላምን ስርዓታቱን ዝጐድእ ግዚኡ ዝሓለፎን ጥንታዊ ልምድታትን ምምጻእ ዝብል እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጐ ሃይማኖታዊ ስነ ምግባርን ባህርያት ደቅሰብን ዕሽሽ ብምባል በቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ስልጣነታት እተቐርጸ ማሕበረሰብ ዝዳሎ ካልእ መሰላት” ምፍላይ ዘለዎ ኣድላይነት ኣነጺሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 Oct 2021, 15:27