ኣብ ኣፍጋኒስታ ስግኣት ብርቱዕ ስእነት መግብን ጥምየትን የንጸላልው ኣብ ኣፍጋኒስታ ስግኣት ብርቱዕ ስእነት መግብን ጥምየትን የንጸላልው 

ኣብ ኣፍጋኒስታ ስግኣት ብርቱዕ ስእነት መግብን ጥምየትን የንጸላልው

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ንኣፍጋኒስታ መሰረታዊ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ክሳዕ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ብህጹጽ 11.4 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ወቕቲ ሕርሻ ድማ 200 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድልዮ

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ኣብ ኣፍጋኒስታን ቍጽሪ እቶም ብጥመይ ዝሳቐዩ ሰባት ብ37 ሚእታዊ ከም ዝወሰኸን፡ ኣብ  ወርሓት ቁሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን ከቢድ ከምዝኸውን ብዓንተዉ የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ዝሓልይ ማሕበር ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ - ካብ መፋርቕ ሕዳር ኣብ ኣፍጋኒስታን 22.8 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ከቢድ ናይ መግቢ ሻቕሎት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ከመላኽት እንከሎ፡ ነዚ መዓት እዚ ዝዳርግ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቍጠባዊ ቅልውላውን ከምኡ እውን እቲ እተላዕለ ግጭት ከምዝኾነ ብቐዳምነት ብብርቱዕ ዝሳቐዩ ቈልዑ ከምዝኾኑ የረጋግጽ።

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኵ ዶንጒዩ “ወርሓት ቁሪ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍሊ እታ ሃገር ቅድሚ ብምጋሱ ነቲ ናብታ ሃገር ዝለኣኽ ንሕይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ረድኤት ንምብጻሕ ስሉጥ ስጒምቲ ክውሰድ ኣለዎ፡ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ምጽባይ ዘይቅቡል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ንኣፍጋኒስታ መሰረታዊ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ክሳዕ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ብህጹጽ 11.4 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ወቕቲ ሕርሻ ድማ 200 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድልዮ ከፍልጥ እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብ ኣብ መባእታ 2022 ዓ.ም. ንቶም 23 ሚሊዮም ዝግመቱ ሕዝቢ ኣፍጋኒስታን ዘድሊ መግቢ ንምምላእ ናይ ግብረ ሰናይ ደገፍ ክብ ንምባል መደብ ከምዘለዎ ዜና ቫቲካን ናቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

27 October 2021, 09:34