ውድብ ኣድሕን ቘልዑ፥ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቘልዑ ናብ ቤት ትምህቲ ኣይኪምለሱን እዮም ውድብ ኣድሕን ቘልዑ፥ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቘልዑ ናብ ቤት ትምህቲ ኣይኪምለሱን እዮም 

ውድብ ኣድሕን ቘልዑ፥ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቘልዑ ናብ ቤት ትምህቲ ኣይኪምለሱን እዮም

እቶም ዓይነተይና ትምህርቲ ዘይረኽቡ ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 2030 ዓ.ም. 20 ሚእታዊ ካብቶም ካብ 14 ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ከምኡ እውን 30 ሚእታዊ በጽሒ ዜጋታት ከንብቡ ዘይክእሉ ኮይኖም ከምዝተርፉን

ኣብ ዓለም እንተ ወሓደ 10 ሚሊዮን ዝዀኑ ቈልዑ ብሰንኪ ኮቪድ - 19 ናብ ቤት ትምህርቲ ከይምለሱ ከምዝኽእሉ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ኣብ ዘወጽኦ ሰነድ ክሕብር እንከሎ፥ እዚ ትምህርቲ ዘይምርካብን ናብ ትምህርቲ ዘይምምላስ ቈልዑ ጒዳይ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት ናብ ዓቢይ ወሰኽ መሃይምነት ከምዝመርሕን ዳርጋ ሓደ ካብ ሰለስተ ናይ ምንባብ ክእለት ዘይብሉ ከምዝኸውን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እንተ ወሓደ ማዕረ ብዝሒ ህዝቢ በሊጂዩም ዝዀኑ ብዙሓት ውልቀ ሰባት ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ናብ ቤት ምትህርቲ ኣይክምለሱን እያቶም። እዚ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ብዝሒ ናይቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይምለሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተ ክሳዕ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዝበጽሕ ምዃኑ ይግመት። ብቐንዱ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናይ ብዙሓት ቈልዑ ህይወት ንሓደጋ ይቃላዕ ከምዘሎን እዚ ኵነት እዚ ድማ ኣብ ዓለም ብዘስዕቦ ትምህርቲ ዘይምርካብ መሃይምነት ክብ ክብል ከምዝገብሮን እዚ እውን ንስእነት ስራሕ ዘቃልዕ ብዝሒ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ክብ ከምዘብሎን ናብ ትምህርቲ ናይ ምምላስ ዕድል ዘይብሎም ኮይኖም ክተርፉ እውን ዘስግእ ምዃኑ ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

ብዓሰርተታት ዚቝጸራ ኣብ ሓደገይና ኵነት ዚርከባ ሃገራት

እዚ ለብዒ እዚ ቅድሚ ምምጻኡ እውን ከይተረፈ ኣብ መላእ ዓለም 258 ሚሊዮን ቈልዑ እዚ ኸኣ ካብቶም ትምህርቲ ክጅምሩ ካብ ዘለዎም ሽዱሽተ ሓደ ጥራሕ ዝምልከት ከምዝነበረን እዚ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝርሕቑ ብዝሒ ቈልዑ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዘመላኽት። ቅልውላው መሓድሮ ሕጽረት ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘውርዶ መጥቓዕቲ ከምኡ እውን ብስነ ኣሕዝ ዝተራቐ መርበባዊ ምትእስሳር ዘይምህላዉ ንትምህርቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ የእትዎ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ ሃገራት እተን 48 ትምህርቲ ኣዚዩ ኣብ ከቢድ ሃደገይና ኵነታት እዩ ዘሎ። ብመሰረት እቲ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነዚ ስዒቡ ብዝተኣታተወ ቍጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ትምህርቲ ዝፍጸም ቀጻሊ መጥቃዕቲ ካብ ኣባይቲ ትምህርቲ ንኽርሕቝ ይግደዱ ከምዘለዉን ስርዓት ትምህርቲ ንኸቢድ ሓደጋ ዝተቓልዓለን ሃገራት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናይጀሪያ ሶማሊያ ኣፍጋኒስታን ደቡብ ሱዳን ሱዳን ማሊ ሊቢያ ክዀና እንከሎዋ፡ ሶርያን የመንን ከኣ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ከምዝርከባ እቲ ጸብጻብ ውድብ ኣድሕን ሕጻናት ይሕብር።

መሃይምነት

እቶም ዓይነተይና ትምህርቲ ዘይረኽቡ ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 2030 ዓ.ም. 20 ሚእታዊ ካብቶም ካብ 14 ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ከምኡ እውን 30 ሚእታዊ በጽሒ ዜጋታት ከንብቡ ዘይክእሉ ኮይኖም ከምዝተርፉን ኣብ ርእሲ እዚ ካብቶም 720 ሚሊዮን ዝኾኑ ተማሃሮ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም እያቶም፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣዚየን ንሓደጋ ዝቃልዓ ድማ ደቀንስትዮ እያተን። ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ማሕበረሰባትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ዘይማዕርነትን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዘይማዕርነት እውን ክብ ክብል ገይሩን ይገብርን እውን ኣሎ፡ ቤት ትምህርቲ ምዕጻው ኣብ ዓመት ንዕብየት ቍጠባ ብ 0.8 ሚእታዊ ክንኪ ከም ዝገብርን ትሑታትን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዝገደደ ኽሳራ ዘምጽእ ምዃኑን ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ዚነብሩ ቈልዑ ብገግምጋም ብ66 ሚእታዊ ካብቶም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝነብሩ መዛኑኦም ከምዝበዝሑ ጸብጻብ ውድብ ኣድሕን ቈልዑ ይሕብር።

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር

ብሰንኪ እቲ ለብዒ ኣቢያተ ትምህርቲ ምዕጻው ድኻታት ቈልዑ ንኸቢድ ስቓይ ከምዘቃልዕ ክንገር እንከሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኮቪድ - 19 ሓደ ካብቲ ሎሚ ዀነ ጽባሕ ንትምህርቲ ቈልዑን ህይወትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ረቛሒታት እዩ። ንናይ ውድብ ኣድሕን ህጻናት ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪት ዳኒኤላ ፋታረላ፥ “ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ዓዓመት ትምህርቶም ዜቋርጹ 75 ሚሊዮን ቈልዑ ብሰንኪ ከም ህቦብላ ምዕልቕላቕ ማይ ደርቂ ዝኣመሰለ ኵነታት ምቅይያር ከባቢ ኣየርን ምዝባዕ መሓድሮን ንኸቢድ ሓደጋ ይቓልዑ፡ እቲ ምስ ከባቢ ኣየር እተተሓሓዘ ፍጻሜታት ድሮ ንልዕሊ 50 ሚሊዮን ዝግመቱ ቈልዑ ካብ ኣባይቶም ንኽወጹ ክምዝድርኾምን ከም ኣብ ናይጀሪያን የመንን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝፍጸም ንዱር ጽልኢ ዝመልኦ መጥቓዕቲ ኣብ ሶሪያን ኣብ ምወዳእታ ኸኣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኵነታት ክንርስዖ ኣይንኽእልን” ኢለን።

08 September 2021, 09:40