ድለ

መጠንቀቕታ ው.ሕ.መ.፥ ምውሳኽ ሙቐት ክሳዕ +2,7፡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ሓደጋ መጠንቀቕታ ው.ሕ.መ.፥ ምውሳኽ ሙቐት ክሳዕ +2,7፡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ሓደጋ 

መጠንቀቕታ ው.ሕ.መ.፥ ምውሳኽ ሙቐት ክሳዕ +2,7፡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ሓደጋ

ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ገሊጾም ነዚ ብመሰረት እቲ ንቓል ኪዳን - ንህርኵት ጻዕሪ እተን ውዕሊ ፓሪስ 2015 ዓ.ም ክታመን ዘበራ ሃገራት ክሳዕ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሓምለ ዝገምገመ ናይቲ ውድብ ዘውጸኦ ጸብጻብ

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጉተረዝ ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወደበቶ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ኣኼባ ምውሳኽ ሙቐት ክሳዕ +2,7 ዲግሪ ክብ ክብል ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ናብቲ ልዕሊ 2.7 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዚበጽሕ “ቀዛፊ” ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ትጓዓዝ ኣላ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግላስኮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኽካየድ እተመደበ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዛዕባ ምዝባዕን ምቅይያርን ከባቢ ኣየር ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ከፍሽል ዝኽእል ምዃኑ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታታ ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ገሊጾም ነዚ ብመሰረት እቲ ንቓል ኪዳን - ንህርኵት ጻዕሪ እተን ውዕሊ ፓሪስ 2015 ዓ.ም ክታመን ዘበራ ሃገራት ክሳዕ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሓምለ ዝገምገመ ናይቲ ውድብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ሓገዝ 20 ቢሊዮን ዶላር ይጐድል

 እቲ ንሙቐት ዓለም ናብ ሓደ ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ንምውራድ እተገብረ ሸቶ ዝብጻሕ ከምዘይመስልን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኸኣ ጒተረዝ ኣብቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እተወደበ ቀንዲ ብዛዕ ጸዓትን ከባቢ ኣየርን ዚግለጽ ቀንዲ መጋባእያ ቍጠባ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጠንቂቖም “ኵሉ ሓላፍነታቱ ክስከም ኣለዎ” ከምኡ እውን “ኣብ ቍጠባውን ምትዕርራይን ምንካይን ዝይዳ ህርፋን” ከምዘሎ ይገልጹ። ዝማዕበላ ሃገራት ኣብተን ድኻታት ሃገራት ንዝግበር ከባቢ ኣየር ንኸይብከል ንዝገብርኦ ጻዕርታትን ንምድጋፍ ኣብ ዓመት 100 ቢሊዮን ዶላር ክሰልዓ ትጽቢት ይግበረለን። ድሮ 20 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝጐደሎን ኣቲ ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍኖ በካሊ ጋዛት እቲ ካብ 2010 ዓ.ም. ዘሎ ኩነታት ገምጊምካ ኣብ 2030 ዓ.ም. ብ 16 ሚእታዊ ክብ ክብል ምዃኑ ሓቢሮም፥ ኣስዒቦም “ኣብ መፋርቕ ዘመን እቲ ዝፍነው ጋዝ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብ45 ሚእታዊ ምንካይ የድሊ” ከምቲ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ዝለገስዋ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ሙቐት “ኣብ ዑደት ካርቦን ጽልዋ ኣለዎ” እዚ ኸኣ ንከም ማይ ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት እውን ይጸልዎ እንክብሉ ከምዘመላኸትዎ።

20 Sep 2021, 08:42