ኦም - ህይወት፥ ሓለውቲ ሓምላይ ሃብቲ
ኣለሳንድሮ ጋላሶ ናይ ፊልሚ ደራስን ቀራጽን ዛዕባ ጽባቔን ንዝተፈላለየ ማህሰይቲ ዝተቓልዔን ኣማዞን ዝዛረብ ዝተደርሰ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ኢጣሊያ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቅዱስ ፈደለ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዓውደ ዘተ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዝቐረበን እዚ ሰነዳዊ ፊልም እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ እውን ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣማዞን ኣማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ተመክሮ ኣርዚኑ ዘቃለሔ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ነቲ ውቍብን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዝተቓለዔን ኣማዞን ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ህዝብታት ኣማዞን ኣነባብራኦምን ባህሎም ምኽባር እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ኣለሳድሮ ጋላሲ ኣብታ ኦም ሕይወት ሓለውቲ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝደርስዎ ሰነዳዊ ፊልም ማእከል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ሰነዳዊ ፊልም እዚ ዕለት 27 መስከረም 2021 ዓ.ም. ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቅዱስ ፈደለ ንትርኢት ከምዝቐረበን ኣስዒቡ እውን ናይ ክቢ ጠረጴጥዛ ዓውደ ዘተ ኣርእስቲ ኮይኑን ዓሚቝ ምይይጥ ከምእተኻየደ ዚሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ምይይጥ ኣብ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣግልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ማሓድሮን ዘፍጥረትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ኣባ ጆሽቶርም ኩሪዛዳምን ንዓለም ሓቆፍ ማሕበር “ይሴባሕ” ዝወከላ ደራሲት ዳኔላ ፓዶኣኒ ከምእተሳተፋ ኣፍሊጡ።
ብጹዕ ካርዲናል ሁመስ፥ ሃገራት ንማሓድሮኣዊ ጒድትያ ኪፈትሓኦ ጻውዒት የቕርቡ
ማሓድሮኣውን ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ቅልውላው ይቕጽል ኣሎ፡ እቲ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱ በቶም ንዓለም ዘመሓድሩ ዘለዉ መራሕቲ እዅል ቃልሲ ይግበረሉ የሎን። ነዚ ዝበሉ ናይ ከባቢ ኣማዞን ብጹዓን ጳጳሳት መደበይና ጉባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሁመስ ዕለት 24 መስከረም 2021 ዓ.ም. ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን መደበይና ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም መንግስታትን ህዝብታትን ቤተ ክርስቲያንን “ኣማዞን፥ ዘለዎ ሃብቲ ማያትን ዱርን ብዝሓ ህይወትን ናይ ዞባ ኣማዞን ተቐማጦ ደቀባት መሰልን ክብርን ኣብ ምዕቓብን ምንቕቓሕን ሓላፍነት ኣለዎም” ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ከምእትዓዪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።