ድለ

ንቅትለ ኣባ ኦሊቨር ዝምልከት ምጽራይ ኣብ ከይዲ ንቅትለ ኣባ ኦሊቨር ዝምልከት ምጽራይ ኣብ ከይዲ 

ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ፈረንሳይ ሓደ ካህን ተቀቲሉ! ፕረሲደንት እታ ሃገር ንካቶሊካውያን የጸናንዑ

ኣባ ኦሊቨር መር ዝበሃሉ ሓለቃ ማሕበር ሚስዮናውያን ሞንፍር ኣብ ገዳም ቅዱስ ሎረንሶ ዘሰቭር ከተማ ቫንደያ ተቀቲሉ እንክርከብ ነቲ በደል ዝፈጸመ ሓደ ሩዋንዳዊ ንፖሊስ ኢዱ ከምዝሃበን ቅድሚ ዓመት ኣብ ሓደጋ ባር ዕ ካተድራል ናንተስ ተጠርጢሩ ዝነበረ ምዃኑን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ሓለፊ ተኸተልቲ ሞንፎር ዝኾነ ሚስዮናዊ ማሕበር ሃገረ ፈረንሳ ኣባ ኦሊቨር መር ኣብ ቫንደያ እትብሃል ከተማ ተቀቲሉ ተረኽበ። ነቲ ሬሳ ዝረኸቡ ብጀንዳርመሪ ዝፍለጡ ፖሊስ ሃገረ ፈረንሳ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ዝኸውን ኣብ ሃገረ ርዋንዳ ዝተወልደ ኢማንወል ኣበይሰንጋ ዝተባህለ ቅድሚ ዓመት ኣብ ካተድራል ናንተስ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2020 ኣብ ዘጋጠመ ባር ዕ ሓዊ ዝጥርጠር ዝነበረ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እውን ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ትሕቲ ጥርጠራ ዘሎ ሰብ ኣብቲ ቅድሚ ዓመት ዝተገብረ ባርዕ ሓዊ ካተድራል ኣብ ቀይዲ ኣትዩስ ጉዳዩ ተጸኒዑ ፍርዲ ክሳብ ዝወሃቦ ነፍሰኄር ኣባ ኦሊቨር መር ዝርከብዎም ማሕበረ ክርስትያን ጸግዒ ኰይኖሞ ከምዝነበሩን ን2022 ዓም ከኣ ፍርዱ ይጽበ ከምዝነበረ ተገሊጹ። ጠብቃኡ ‘እቲ ሰብ ብዘይመጠን ድኹም ከምዝነበረ እዚ ከኣ ብ ኣካልስ ይኹን ብሥነኣእምሮ ምዃኑ እገልጽ’ እንክብሉ ጽጉም ሰብ ምዃኑ እንክገልጹ ክሳብ ሕጂ ተገሩ ብዘሎ ምጽራይ ከኣ ምስ እምነታዊ ጥርኑፍነት ምንም ርክብ ከምዘይብሉ ተመልኪቱ።

ሥቃይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ፈረንሳ!

ዋና ሓላፊ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፈረንሳ ብፁዕ አቡነ ኤሪክ ናብ ሥድቤት መዋቲ ካህንን ናብታ ማሕበሩን ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ ቅርበት ካቶልካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ምግላጽ ኣባ ኦሊቨር ክሳብ መወዳእታ ሕይወቱ ንክርስቶስ ብምስ ዓብ ሕይወቱ ብምምራሕ ንኩሎም ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ፍቅሩ ብምግላጽ ተቀቢሉ።፡ስለ ቤተሰቡን ስለ ማሕበሩን ኣባላት ማሕበሩን በዚ ዘሰንብድ ጉዳይ ስለዝረዓዱ ኩሎም እንክጽሊ ስለ እቲ ነዚ ቅትለት ዝፈጸመ እውን እጽሊ ኢሎም።  ብተመሳሳሊ መንገዲ ጠቅላላሊ ዋና ሓላፊ ጉባኤ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣባ ሳንቲኖ ብረምቢላ ኣብ ዝጸሓፍዎ ናይ ምጽጽንናዕ መልእኽቲ ‘ኣባ ኦሊቨር ገዳማዊ ካህን ኰይኑ ናይ ዓበይቲ ዕሴታት ልኡኽ ኰይኑ ሓቀኛ ተኸታሊ ሞንፎር ኰይኑ ንመላእ ማሕበሩ መንፈስ ናይቲ መሥራቲ እዛ ማሕበር ልዊ ማሪ ግሪኞን ደ ሞንፎር ዘደንፍዔ እዩ’ እንክብሉ ዘኪሮሞም።

እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዘስቅቅ ጭካኔ ካህና ማለት ኣባ ዣክ ሃመል ኣብ ቅዳሴ እንከሎ ዝተቀትላ ሰበኻ ርወን እውን ብጳጳሳ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ጌራ መላእ ሕዝቢ ሰበኻ ርወን ምስ ስድራቤት ነፍሰኄር አባ ኦሊቨርን ማሕበሮምን ሰብኻኦምንጉጐድኒ ኰይኖም ብጸሎት ከምዘሰንይዎም ገሊጾም።

ቃላት ፕረሲደንት ማክሮንን መንግሥቶምን!

መላእ ሃገረ ፈረንሳ በዚ ፍጻሜ እዚ ሓዘናን ቅርበታን እንክትገልጽ ክንዲ ኩሎም ኰይኖም ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ፈረሳን ንኣባላት ማሕበር ሞንፎርን ዝተሰምዖም ዓሚቚ ሓዘን ብምግላጽ ናይ ቅርበትን ምጽንናዕን መልእኽቲ ዝጸሓፉ ፕረሲደንት ሃገረ ፈረንሳ ኢማንወል ማክሮንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዣን ካስተን ኣብ መል እኽቶም ‘ንፍቅሪ ብጻይ ዝገልጽ ልግሱ ወትሩ ኣብ ገጹ ይንበብ ነሩ፤ ን ኣመንቲ ምክልኻል ቀዳማይ ሥራሑ ነበረ፤ ነዚ ብ ጽል ኢ ዝኸሓነ ተግባር እዚ ብዝቀልጠፈ ምጽራይ ክግበረሉ ንደሊ፤ ኢድካ ኣብ ር እሲ ካህን ኣብ ር እሲ ናይ ቤተክርስትያን ሰብ ንክትቀትል ወስ ምባል ኣብ ነፍሲ ፈረንሳ ወስ ከምዝበልካ እዩ’ እንክብሉ ክበድ ናይቲ ገበርን ገሊጾም።

ግዳያት ቅትለት ዝኾኑ ካህናትን ገዳማውያንን ኣብ ሃገረ ፈረንሳ!

ናይ እግዚኣብሔር ሰባት እንብሎም ካህናትን ገዳማውያንን ብከምዚ ዓይነት ጭካነ ክቅተሉ ከለው ሃገረ ፈረንሳ ደጋጊማ ብጽኑዕ ክትሓዝን እዚ መጀመርያኣ ኣይኮነን። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብ ዕለት 26 ሓምለ 2016 ዓም ኣባ ዣክ ሃመል ኣብ ማእከል ቅዳሴ ብ ኣሰቃቂ ሞት ክቅተሉ ምር ኣይ ነታ ብዙሕ ሰማዕትነት ዝረኣየት ሃገረ ፈረንሳ ድሕሪ ሰውራ ፈረንሳ ንመጀመርያ ግዜኡ ነበረ፡ እዚ ፍሉይነት ስለዝነበሮ እምበር ብ1991 ዓም ኣብ ወርሒ ግንቦት እውን ኣባ ዣን ሉክ ካበ ናይ ሰበኻ ታርበን ሉርድን ካህን ኣብ ታርበ ተቀቲሉ ነሩ እዩ። ከማኡ ብ2009 ዖኣም ኣባ ልዊ ኹሶም ብ ዕለት 26 ጥቅምቲ ኣብ ኮረዝ ሰበኻ ቱል ብ2005 እውን መሥራቲ ማሕበር ተዘ ሓው ሮዠ ሹዝ ኣባላት ማሕበር ጸሎተ ሰርክ እንከዕርጉ ዝተቀትለ ይዝከሩ።

10 Aug 2021, 12:10