ህጹጽ ጻውዒት ክሊማን ቅልውላው ዘመደ ኣዳምን ድኽነት ስለዝፈጥሩ ሓደራ ንደጋገፍ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ዓለም ብዓለሙ ሃንደበታዊ ብዝኾነ ክሊማዊ ለውጢ ገለን ብማይ ከዕለቅልቅ ገለን ብደርቂ ኪሃልቅ ገለን ንቡር ክሊማዊ ኩነታት ብምዝብራቅ እምበርዶ ኣብ ዝብል ደረጃ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንዓለም ለኸ ዕለተ ደገፍ ዘመደ ኣዳም ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ‘ወይ ብሓባር ክብ ክንብል ኢና ወይውን ብሓባር ግብ ክንብል ኢና እቲ ምርጫ ናትና እዩ’ እንክብሉ ከም ለባውያን ፍጡራን ኣብ ከባቢና ንዝኸውን ዘሎ ለውጢ ርኢና ንምምሕያሹ ክንንቀሳቀስ ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ስለምንታይ ዕለት 19 ነሐሰ ዝብል ሕቶ ክቅልቀል ግድን እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ንዝኽሪ ናይቶም ቅድሚ ሾመንተ ዓመት ብዕለት 19 ነሐሰ 2003 ዓም ኣብ ከተማ ባቅዳድ ብፈጠርቲ ራዕዲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሕይወት 22 ዝኾነ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዝቀዘፈ ምሳኦም እውን ኣብ ኢራቅ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ሰርጅዮ ቢየይራ ደ መሎ ዝተቀትሉሉ ዕለት ንምዝካር ዝቆመ እዩ። ቀንዲ መበገሲ ዝኾነ ግን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንክሊማዊ ለውጢ ክንዕዘብን ገለ ክንገብርን ዝጽውዕን ዘነቃቅሕን ላውዳቶ ሲ ስብሕ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣብ መላእ ዓለም ብዘሕደረቶ ጽልዋ እዩ። ንሎም ዘመን ኣብ ርእስቲ ዘሎ ድኽነትን ቅልውላውን ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ተደሚርዎ ልዕሊ 235 ሚልዮን ሓገዝን ሰብኣዊ ጥብቅናን ዘድልዮም ከምዘለው ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ነፍሲወከፍ በብዘለዎ ተጋቢኡ ነዚ ሓባራዊ ጸገም ሓባራዊ ፍታሕ ኣብ ዝደልዩሉ ዘለው ግዜ ሕብረት ኤውሮጳ ‘ሕይወት ንክተድሕን ካልእ ሕይወት ክተጥፍእ የብልካን’ እንክብሉ ነቶም ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ተዋፊሮም ዘለው ዘጋጥሞም ኣደራዕ ኣብዚ ዓመት እዚ ዘጋጠሙ ልዕሊ 105 መጥቃዕትታስ ይኹን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ዓም ሕይወቶም ዝሰኣኑ 108 ከምኡ እውን ዝተጨውዩ 125 ሰባት ኣዘኻኺሮም።
ካሪታስ ኢንተርናስዮናሊስ ዝበሃል ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ምግባረ ሰናይ ክፍሊ እውን ነዚ ጸገማት እዚ ማለት ንክሊማዊ ለውጥስ ይኹን ለበዳ ኮቪድ 19 ማዕረ ማዕረኡ ለበዳ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘስዓቦ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ቅልውላው ርእደ መሬት ኣብ ሃይቲ ዘስዓቦ ጸገማት ንምብዳህ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ተባዕ ስጉምቲ ከምዘድልዮም ድሕሪ ምዝኽኻር ነታ ኣብ ዓዘቅቲ ድኽነት ወሪዳ ዘላ ሊባኖስ እውን ብምዝካር እንተወሓደ ንመንባብሮ ዘድሊ መሠረታውያን ነገራት ክልገሰላ ጻውዒት ኣቅርቢኡ።