ኣብ ቡርኪና ፋዞ ንሰላማውያን ዘሰኒ ዝነበረ ቃፍላይ ተጠቂዑ! ብዙሓት ግዳይ ኰይኖም
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዜናታት ዓለም ሎሚ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ኰይኑ! እንታይ ይበሃል ኣሎ! ጣሊባን እንታይ ኢሎም እንታይከ ገሮም! ዝብልዎን ዝገብርዎንከ ይሳነዶ! ዓለምከ! ኣመሪካኸ! ናቶ ማለት ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላቲከ! ርእሰ ሓያላን ዝኾና ሃገራትከ! እናተባህለ ጉዳይ ኣፍጋኒስታንን ስደተኛታትን ከም ጉዳይ ናይቶም ሰብ ዘይኮነ ንዓለም ምናዳ ኸኣ ንኤውሮጳ ቅልውላው ስደትን ካልእ ጸገምን ዘምጽእ ጉዳይ ኰይኑ ትንተና ኣብ ልዕሊ ትንተና ይወሃቦ ኣሎ። እንተኾነ ትብል ጋዜጠኛ ኣፍሪካን መጋዚን ሰሊን ካምዋ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ሓንሳእ ጂሃድ ሓንሳእ ኣልሸባብ ሓንሳእ ዳዒሽ ሓንሳእ ቦኮ ሓራም እናተባህለ ኣብ ቀለበት ሳህለ ሳህራ ንመብዝሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሕምስ ዘሎ ጉዳይ ድሕሪ ፍጻሜ ኣፍጋኒስታን ማለት ፍሽለት ኣመሪካን ናቶን ዓወት ጣሊባንን ዕጫ እዘን ሃገራት እንታይ ኮን ይኸውን! እንተስ ንጥቅሞም እንተስ ንካልእ ጉዳይ ብስም ደሞክራሲ ኣጽዋር ካብ ምሃብ ጀሚርካ ብኣካል ኣባኡ ተረኺበን ዝዋጋኣን ዘዋግኣን ማዕቢልና በሃልቲ ሃገራት ክሳብ ክንደይ ክንጸንሕ እዩ ንዝብል ሕቶታት ትትንትን እሞ ከም ኣብነት ጉዳይ ቡርኪና ፋሶን ጉዳይ ፈጠርቲ ራዕድን ትጠቅስ።
ካብቲ ዕለታዊ ዜናታት ቅድሚ ትማሊ ዕለት 18 ነሐሰ 2021 ዓም ንሲቪላውያን ሽፋን ክህብ ዝተንቀሳቀሰ ቃፍላይ በቶም ፈጠርቲ ራዕዲ ዝብሎም ጂሃዳውያን ኣብ መንጎ ተዓጊቶም ውግእ ኰይኑ 47 ዝኾኑ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ወተሃደራት ከምኡ እውን ካብቶም ፈጠርቲ ራዕዲ 58 ዝኾኑ ከይሞቱ ከምዝተርፉ ተገሊጹ ንዝብል ካብ ጎርጋጂ 25 ኪሎሜትር ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ዘጋጠመ ፍጻሜን ፕረሲደንት እታ ሃገር ሮሽ ማርክ ክሪስትያን ካቦረ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ከምዝኣውጀን ተዘንቱ።
እዚ ሓደጋ እዚ ዘጋጠመሉ ምስ ሃገረ ማልን ሃገረ ኒጀርን ኣብ ዘዳውብ ቦታ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እውን ሓንሳእ ኣብቲ ሓንሳእከኣ ኣብቲ ኻልእ መጥቃዕታት ከምዝፍጸም ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት እቲ ከባቢ ይገልጹ።