ኣፍጋኒስታን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዳዒሽ ኣብ ካቡል ንዝፈጸሞ ግብረ ሽበራ ኮኒኑ ኣፍጋኒስታን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዳዒሽ ኣብ ካቡል ንዝፈጸሞ ግብረ ሽበራ ኮኒኑ 

ኣፍጋኒስታን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዳዒሽ ኣብ ካቡል ንዝፈጸሞ ግብረ ሽበራ ኮኒኑ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት 30 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ዋዕላ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዝጠለቡን ነቲ ኣብ ካቡል ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኰኒኖም

ኣብ ኣፍጋኒስታን ርእሰ ከተማ ካቡል ዳዒሽ ብዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ብውሑዱ 90 ሰባት ከምእተቐትሉን ካልኦት ልዕሊ 160 ዝግመቱ ከምዝቖሰሉ ክንገር እንከሎ፡ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑዕ ዕለት 30 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ዋዕላ ጸጥታን ደሕንነትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምእተጸውዔን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ሃገሮም ምላሽ ክትህብ ድልውቲ እያ” ከምዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ኣፍጋኒስታን ሕዝቢ ናይ ምውጻእ መደብ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቡል ኣብ ዝርከብ ብዙሓት ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ ኣብ ዝፍትኑሉ ዘለውሉ መዓርፎ ነፈርቲ ክልተ ሳዕ ለኪምካ ብናይ ምጥፋእ ተግባር ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመን እቲ ቐዳማይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ጋዜጠይናታትን ናይ ብሪጣንያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ቦታ ኮይኑ ኣብ ዘሎ  ባሮም እተሰምየ መዕረፊ ኣጋይሽ ጥቓ ዝተፈጸመ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ 13 ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 90 ሰባት ከምእተቐትሉን ልዕሊ 150 ዝግመቱ ናይ መቘሰልቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ክንገር እንከሎ፡ ብመሰረት መግለጺ ጣሊባን ካብቶም ግዳያት ዝኾኑ እውን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዝርከብዎም ክፍለጥ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዳዒሽ ናይቲ ለኪምካ ናይ ምፍጥፋ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ስእሊ ብምዝርጋሕ እውን በቲ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እየ ከምዝበለ ይሕበር።

ምላሽ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ዕለት 30 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ዋዕላ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዝጠለቡን ነቲ ኣብ ካቡል ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኰኒኖም፡ ንጒዳይ ኣፍጋኒስታንን ኣብ ካቡል ዘሎ ህልው ኵነታት እውን ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ጽንኵር ኩነታት ዘጉልሕ እውን እንተኾነ፡ ግን ኣብታ ሃገር ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ንምድጋፍ እንካይዶ ዘሎና ጻዕሪ ዘደልድል እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ስቶልተንበርግ እውን ብወገኖም፡ ንናይ ኣፍጋኒስታን ህልው ኵነታት ግምት ብምሃብ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነኑን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ጒዳያት ቍጠባ ሓላፊ ፓውሎ ጀንቲሎኒ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ቀዳምነት እንህቦ ነገር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዝተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ካብታ ሃገር ምግዓዝ እዩ” ከምዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ዝተሰምዖን ሓዘን ንብዓት ብዝተመልኣ የዕንቶም ገሊጾም “ኣድላዪ እንተኾይኑ ብዝያዳ ወተሃደራት ናብ ካቡል ክንልእኽ ኣና። ህዝቢ ንምድሓን እውን ዝከኣለና ኵሉ ክንገብርን ብዙሓት እውን ካብቲ ጽንኩር ኩነት ንኽወጹ እንገብሮ ስርሒት ክቕጽል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኤውሮጳ ብነፈርት እተሳልጦ ናይ መተሓላልፎ መደብ ናብ ምቑራጽ ገጻ

ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ኣፍጋኒስታን ብናይ ነፋሪት ናይ መተሓላልፎ መደብ መሰረት ዘካይድኦ ዘለዎ ሕዝቢ ናይ ምድሓን ስርሒት ዕለት 27 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ክቋርጻ ከምዝኾና ክንገር እንከሎ፡ ስፐይን ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ዱባይ ህዝቢ ናይ ምጒዓዝ መደባ ድሕሪ ዝፈጸመቶ ክልተ መደባት ምጉዓዝ ከምዘቛረጸትን ከምኡ እውን ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣሊያን ብተመሳሳሊ መገዲ ዘካይድኦ ስርሒት መተሓላፎ ነፈርቲ ከቋርጻ ምዃነን ከምዘፍለጣን ፍረንሳ ንሒደት መዓልታት እቲ መስርሕ ክተቐጽሎ ምዃና ከምዝሓበረት ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ካብ ዕለት 14 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብዝተበገሰ ህዝቢ ናይ ምጉዓዝ ስርሒት መሰረት ልዕሊ 100 ሺሕ ዝግመቱ ኣፍጋኒስታውያን ካብ ሃገሮም ክወጹ ከምእተገብረ ይንገር።

28 August 2021, 09:54