ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት፥ መደብ ሕርያ ሕጹያት ተሰልምቲ ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት፥ መደብ ሕርያ ሕጹያት ተሰልምቲ 

ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት፥ መደብ ሕርያ ሕጹያት ተሰልምቲ

“ለምዘበን ን2022 ዓ.ም. ናይቲ ስልማት ስንዳአ ሕጹያት ተሰልምቲ ብወግዒ ናይ ምቕራብ መደብ፡ ብሰንኪ ኮቪድ - 19 ኣብ ጽንኩር ህሞት ኣብ እንክርከበሉን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ስቓይን ኢማዕርነትን ዝሰፍሓሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ዝካየድ ብምዃኑ ነዚ ህልው ኩነት ንምብዳህ ፍልዩ ኣበርክቶ ዘለዎምን፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ እቶም ሕጹያት ነቲ ‘ፋና ተስፋ ደቅሰብ’ ክውክሉ ኣለዎም

ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣህማድ ኣል-ጣይብ እተኻየደ ርክብ ዓቢይ ግምት ብምሃብን ስዒቡ እውን ነቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዝብል ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድን ተነቓቒሑ “ንዕቤት ደቅሰብን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምድንፋዕ ዓቢይ ኣበርክቶ ንዝገብሩ” በቢ ዓመቱ ዝወሃብ ስልማት ዛየድ 2022 ዓ.ም. ሕጹያት ተሰለምቲ ናይ ምቕራብ ስነ ስርዓት ብወግዒ ከምእተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንጻዕርታት እቶም ንዕቤት ደቅሰብን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንምድንፋዕ ከይተሓለሉ ዝዓዩ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ኣበርክቶኦም ኣፍልጦ ብምሃብ ዓስቢ ክረኽቡ ዝብል ዕላማ ዘለዎ “ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት” ናይ 2022 ዓ.ም. ሕጹያት ተሰለምቲ ኣስማቶም ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ናይ ምቕራብ ስነ ስርዓት ብወግዒ ከምእተበገሰ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ከምዘፈልጠ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ሕቡራት ኤሚራት ዓረብ እተኻየደ ታሪኻዊ ርክብን ኣብቲ እዋን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ንምዝካር ዓለም ሓቆፍ ተፈላጥነት ዘለዎ ናጻ ናይ 1 ሚሊዮን ዶላር ስልማት ዝልግስ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኮይኑ፡ እዚ ስልማት እዚ እውን ነቲ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ መሰረት ገይሩ ኣብ ዓለም ንሰብኣዊ ሕውነትን ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን” ንምትብባዕ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገብሩ ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ኮይኑ፡ ናይቲ ስልማት ቀዳሞት ተሰለምቲ እውን ር.ሊ.ጳ.  ፍራንቸስኮን ኣልጣይን ምንባሮም የዘኻኽር።

ተስፋ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን

“ለምዘበን ን2022 ዓ.ም. ናይቲ ስልማት ስንዳአ ሕጹያት ተሰልምቲ ብወግዒ ናይ ምቕራብ መደብ፡ ብሰንኪ ኮቪድ - 19 ኣብ ጽንኩር ህሞት ኣብ  እንክርከበሉን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ስቓይን ኢማዕርነትን ዝሰፍሓሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ዝካየድ ብምዃኑ ነዚ ህልው ኩነት ንምብዳህ ፍልዩ ኣበርክቶ ዘለዎምን፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ እቶም ሕጹያት ነቲ  ‘ፋና ተስፋ ደቅሰብ’ ክውክሉ ኣለዎም። እቶም ዝቐርቡ ሕጹያት ኣባላት መንግስትን ነበር መራሕትን ኣብ ስልጣን ዘለዉን ኣባላት ባይቶን ናይ ላዕለዎት ኣባይቲ ፍርዲ ኣበ መናብርትን ፈጻሚ ኣካላትን ሰበ ስልጣን ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለምን ዓለም ሓቆፍ ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ሓለፍትን ኣመሓደርቲ መናብርተ ጥበብን ተሰማዕነት ዘለዎ ሰባትን ምሁራትን መንፈሳዊ መራሕትን ክዀኑ ከምዝኽእሉ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይቲ ስልማት ስነ ስርዓት ዕለት 4 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ዝካየድ ይኸውን

ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ናይ ሕጹያት ተሰልምቲ ኣስማት ኣብቲ

 https://zayedaward.org/. ኣብ ዝብል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ምቕራብ ከምዝከኣልን እቲ ናይቲ ስልማት ስነ ስርዓት እውን ኣብ ኣቡ ዳቢ ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝቖመሉን ተዘኪሩ ኣብ ዝውዕለሉን ዕለት ዝፍጸም እዩ። ተተሓሒዙ እውን ቀዳማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ክበዓል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣቃውማ ደያኑ እቲ ስልማት

እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ስንዳአ ስልማት ደያኑ ሓደ ናጻ ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ድርገት ወኪል ዝርከብዎምን ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ናይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ጨንፈር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይን ናይ ቲሞር ኢስት ነበር ርእሰ ብሔር ናይ 1996 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ኾሰ ራሞስ ሆርታን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጾታውን ሰብኣውን ማዕርነት ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ኣመሓዳሪት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ፉምዚለ ምላምቦ ንግቹካን ዝውከል ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ላቲፋ ኢብን ዚኣተን ናይ 2021 ዓ.ም. ተሰልምቲ ከምዝነበሩ ይዝከር

ናይቲ ስልማት መጸውዕ ስም ብስርዓታትን ክቡራት ዋጋታት ትሕትናን ተጻዋርንትን ምክብባርን ፍቕርን ኩሉ ሰብ ዝብል ብምቕዳም ዝነበሩ ኣብ 1971 ዓ.ም. መሰራት ኤሚራት ዓረብ ዝኾኑ ሸኽ ዛየድ ቢን ሱልታን ኣል ናህያን ዝመጸ  ከምዝኾነን ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ተሰለምቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረሽን መሰራቲ ማሕበር ኢማድ ንመንእሰያትን ንስለምን ላቲፋ ኢብን ዛተን ከምዝነበሩን እዞም ክልተ ኣካላት “ናይ ፍቕርን ተጻዋርነትን ሰብኣዊ ሓድነትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንምቛምን ሰላም ኣብ ዓለም ንምርግጋጽ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ጻዕርን ኣብዚ መዳይ ኣስተንፍሶ ምትብባዕ” እያቶም ዝብል ኣፍልጦ ከምእተወሃቦም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

01 July 2021, 16:07