ኣብ ማያት ባሕሪ ሊቢያን ቱኒዚያን ዘጋጠመ ሞት ስደተይናታት
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብውሑዱ 37 ስደተይናታት ኣብ ሜዲትራኒያን ባሕሪ ግዳያት ከምዝኾኑ ይንገር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ስደተይናታት ኣብ ምድሓን ዓውዲ ኣገዳስን ሓድሽ ነገራት ይፍጸም ከምዘሎን ካብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ መባእታ ናይ ቀይሕ መስቀል ኣባላት ኣብ ማያት ባሕሪ ናይ ሕጹጽ ሓገዝ ኣብ እተቕርብ መርከብ ኣብ ጸገም ንዝርከቡን ዘድሊ ሓገዝ ክንክን ጥዕና ንምቅራብ ብምትሕብባር ክዓዩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ማያት ባሕሪ መዲትራኒያን ሞትን መከራን ብቐጻሊ ከምዝርአይን ኣብ ገማግም ማያት ባሕሪ ቱኒዚያ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ስደተይናታት ኣሳፊራ ትጓዕዝ ዝነበረ ንእሽተይ መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት እንተ ወሓደ 17 ካብ ባንግላደሽ ዝመጹ ስደተይንታት ከምዝጠሓሉን ካልኦት 300 እውን ብናይ ቱኒዚያን ሊቢያን ሓይሊ ሓለዋ ወሰናስን ባሕሪ ኣባላት ከምዝደሓኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ማያት ባሕሪ ቱኒዝያን ሊቢያ ዝጥሕላ መራኽብ
ኣብ ቱኒዚያ ማሕበር ቀይሕ ፍርቂ ወርሒ ከምዝሓበሮ፥ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 19 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ካብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ዛዋራ ስደተይናታት ኣሳፊራ ናብ ኤውሮጳ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ባርዕ ነቶም ሰባት ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ውሑድ ገንዘብ ዝኸፈሉ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ ጀልባ ዝነበሩ ከምዝሞቱን እታ መርከብ እዚ ሓደጋ እዚ ዘጋጠማ ኣብ ጥቓ ናይ ቱኒዚያ ወደብ ዛርዚስከ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ ዕለት 22 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ካብ ላምፐዱዛ ብሸነኽ ደቡብ 12 ኪሎ ሜተር ዚርከብ ሓይሊ ምክልኻል ወሰናስን ባሕሪ ኢጣሊያ ሓንቲ ሕጻንን ሓንቲ ጓለንስተይትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 16 ቱኒዝያውያን ስደተይናትት ካም ብጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓኑን ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር ወሃቢ ቃል ሳፋ ምሰሕሊ ኣብ ማያት ባሕሪ ሊቢያ 20 ስደተይናታት ከምዝጠሓሉን እቶም ዝደሓኑ 500 ድማ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማባዲ ከምእተወሰዱ ዜና ቫቲካን ኣፍልሊጡ።
ዓለም ሓቆፍ ጒዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ውድብ
ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ናብ ሊቢያ ከምዝምለሱ ኣብ ኣባይቲ ማእሰርቲ እውን ከምዝዳጐኑ ዓለም ሓቆፍ ጒዳይ ስደተይናታት ዝኸታተል ውድብ ክሕብር እንከሎ፥ እተን ስደተይናታት ዝጓዕዙለን ጀላቡ ኣዚየን ነኣሽቱ ብምዃነን ብብዝሒ ስደተይናታት ምኽንያት እውን ብቐሊሉ ንምጥሓል ሓደጋ ከምዝቃልዐን ሎሚ እውን ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዝሓልቁ ስደተይናታት ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎን ኣብ ቀረባ እዋርሒ ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ስደተይናታት ብዝሒ ይውስኽ ከምዘሎ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጒዳይ ስደተይናታት ሓልዮ ወሃቢ ቃል መሰሕሊ ከምዝሓበሩን ብመሰረት ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ተሓላቒ ማሕበር ልዕሊ 7 ሺሕ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሊያብ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ደምበታት ተኣሲሮም ኣለዉ ቢሎም፥ እቲ ኣብ ማእከላይ ሜዲትራኒያን ዘሎ ዅነታት ናይ ግብረ ሰናይ ቅልውላው እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሮካ፥ ካብ ለገስቲ ደገፍ ንሓትት
ፍደራላዊ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ኣቦ መንበር ፍራንቸስኮ ሮካ፥ “ሰባት ኣብ ኣፍደገ ኤውሮጳ ኣብ ዝኾነ ማያት ባሕሪ ክሞቱ ምርኣይ ተቐባልነት ዘይብሉ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንጹር ፍሽለት እዩ” ብምባል ህልው ኩነታት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ ገሊጾም፡ “ስለዚ ኸኣ ኣብ ማያት ባሕሪ ዝወሃብ ሓገዝ ኣድሕን ሕይወት ኣገዳሲ እዩ ቢልና ጻውዒት ነቕርብ ዘሎና፥ ኣብ ማያት ባሕሪ ንዝቐርብ ኣገልግሎት ኣድሕን ሕይወት መሳለጢ እውን ንምቕራብ ካብ ለገስቲ ደገፍ የድልየና፡ ኣብ መፋርቕ 2021 ዓ.ም. ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ 800 ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉን ምስ ዝሓለፈ ዓመት መፋርቕ ክነጻጸር እንከሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ከምዝኾነን ቍጽሪ ግዳያት ክብ ይብል ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጉጅለ ኣገልግሎት ክንክን ትዕናን
ናይ ቀይሕ መስቀል ኣባላት ኣብ ማያት ባሕሪ ናይ ሕጹጽ ሓገዝ ኣብ እተቕርብ መርከብ ካብ ሓደጋ ባሕሪ ኣብ ምድሓንን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ዘድሊ ሓገዝ ክንክን ጥዕና ኣብ ምቕራብ ዝዋፈር ጉጅለ ሓካይም ካብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብምትሕብባር ክዓዪ ምዃኑን እቲ ጉጅለ ሓኻይም ቀይሕ መስቀል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ናይ መግቢ ሓገዝን ኣልባሳትን ንጽርየት ዘገልግል ናውቲ ዘቅርብ ከምዝኾነ ሮካ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ደላ ሎንጋ፥ ኤውሮጳ ኣብ ማያት ባሕሪ እተሳልጦ ዝነበረ ተልእኾ ኣድሕን ሕይወት ዳግም ክምለስ
ፈደራላዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወሃቢ ቃል ቶማዞ ደላ ሎንጋ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብተን ዝሓለፋ ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ 2021 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ መዲትራኒያን ግዳያት ኣመና ኣናወሰኹ ይኸዱ ከምዘለዉን ነዚ ግምት ብምሃብ ዶባትና ማያት ባሕሪ ሰብኣዊ ዶብ ክንገብሮ ዝተነቓቓሕና” ቢሎም፥ “ነቶም ምስ ሜዲትራኒያን ባሕሪ ዝዳወባ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳ ነቶም ናብ ኢጣሊያን ስፐይንን ግሪኽን ማልታን ዚመጹ ስደተይናታት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ እምበር ናብተን ዝኣተዉለን ሃገራት ጥራሕ ኣይኮኑን ዝመጹ፥ ስለዚህ ጉዳዮም ብኣርካን ሕብረት ኤውሮጳ እዩ መፍትሒ ክረክብ ዘለዎ፥ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ኣብ ማያት ባሕሪ ሕይወት ናይ ምድሓን ተልእኾኡ እንደገና ክጅምር እዩ፥ ኣብ ኣፍደገ ማያት ባሕርታትና ሰባት ክሞቱ ሱቕ ኢልካ ኣብ ናይ ምርኣይ ባሕሪ ክንጥሕል ኣይንፍቀድ ሓደራ” ኢሎም።