ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓመጽ ትናወጽ፡ ጳጳሳት፥ “ምፋስ ደም ደው ኣብሉ” እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓመጽ ትናወጽ፡ ጳጳሳት፥ “ምፋስ ደም ደው ኣብሉ” እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ 

ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓመጽ ትናወጽ፡ ጳጳሳት፥ “ምፋስ ደም ደው ኣብሉ” እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ

ብጹዓን ጳጳሳት “ንህዝብን ንትካላትን ንመውሃቢ ኣገልግሎትን ዘገልግል ህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ክህልው” ተላብዮም

ነበር ርእሰ ብሔር ድሕሪ ምእሳሮም ደቡብ ኣፍሪቃ ኣደዳ ዓመጽን ዘመተን ኮይና ብሕዝባዊ ቅልውላው ትሕመስ ከምዘላን ቍጽሪ ዝቕተሉን ማይሰይቲ ዘጓንፎምን ይውስኽ ምህላዉ ክንገር እንከሎ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር፡ ጸገማት ብዘተ ክፍታሕን ምፍሳስ ደም ደው ክብልን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ዘለዉ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባል ማሕበረ ንኡሳን ማሕበረ ክርስቲያን ዲኖ ፉርጆነ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ነዚ ለብዒ እዚ ንምብዳህ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ተወሸብ ነቲ ቅልውላው ኣጋዲድዎ እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቡናት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብታ ኣብ መንጐ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኣድመይናታትን ኣኽበርቲ ሕግን ዘሎ ግጭትን ዝርአ ዘሎ ዘመተን ዕንወትን ልዕሊ 70 ዝገመቱ ዜጋታት ከምዝሞቱን ዝቖሰሉን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉን ብጠቕላላ 1200 ምዃኖም ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሶም፡ ኵነኔ ዓመጻን ዕቝባ ንህይወት ተላብዮም እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መበቈል እቲ ተቓውሞታት ናይታ ሃገር ነበር ርእሰ ብሔር ጃኮብ ዙማ ብብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዘርኣይዎ ግብረ ንዕቀትን ምንሻውን ምኽንያት ምስተኣስሩ፥ ካብታ ዝተኣሰሩላ ዕለት ኣትሒዙ ዝርአይ ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ ብጹዓን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ከብቅዕን ተቓወምትን ዝምልከቶን ኣካላትን ናብ ዘተን ህድኣትን ኪምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ሓደጋ እዚ “ናይ ሓቂ ፋሉልነት መወዳእታ ዘይብሉ ዓመጻ ከምኡ እውን ከቢድ ምፍሳስ ደም” ክህሉ ይገብር ኣሎ፡ እዚ ዓመጽ እዚ እንተድኣ ዘይተወገደ ካብቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ቅልውላው ናብ ዝኸፈአ ማሕበራዊን ቍጠባውን ቅልውላው ከነብል ኢና” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዘይምጽውዋርን ዘርኣዊ ፍልያ ዳግም ክምለስ ዝገብር ኵነት

ንሓያሎ ኣዋርሕ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከምኡ እውን ብሰንኪ እዚ ዕንቅፋት እዚ እቲ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ሕዝቢ ናብ መሪር ድኽነት የብል ኣሎ። ነዚ ዝበሉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ወላዲኦምን ንልዕሊ 12 ዓመት ዝነብሩ ዘለዉ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ማሕበረ ክርስቲያን ኢጣሊያዊ በዓል ሓዳር ዲኖ ፉርጆነ፥ ብዛዕባ ህልው ኵነታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድውዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እዞም ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተዋፊሮም ዘገልግሉ ዘለዉ፥ “ሕዝቢ ነቲ መሰረታዊ ዘድልዮ ነገራት ኪረክቦ ይኽእል የሎን፡ ክሽምት ኣይክእልን፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ደርቢ ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ከይተረፈ ናብ ድኽነትን ሻውላይ ዓይነት ኣነብብራን ይወድቕን ናብ ድኽነት ገጹ የንቆልቁል ኣሎ። ብዝሒ ግዳም ሓደር ዜጋታት ክብ ይብል ኣሎ። ዓመጽን ዘመተን እውን ከምኡ። እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ዘይምጽውዋር ክውስኽ ኣብ ዝሓለፈ ናይታ ሃገር ታሪኽ ዝነበረ ጽልኢ ብዓሌትን ኣፈላላይ ዓሌትን ፈላላይ መናድቕን በሰላ ከም ብሓድሽ ከይመልሶ የስግእ” ኢሎም።

ምስፋሕ ዓመጽ

እቲ ተባሪዑ ዘሎ ማሕበራዊ ዓመጽ ዝፈጠሮ ምኽንያት ማእሰርቲ ነበር ርእሰ ብሔር ዙማ እዩ ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ኣሎ፥ እዚ ምኽንያት እዚ ግና 50 ካብ ሚእቲ ሓቂ ኣይኮነን። ሓቂ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ዓመጽ ኣብቲ ናይ ነበር ርእሰ ብሔር ዙማ ናይ መበቈል ዓሌት ዙሉ ኣብ ዝርከበሉ ዞባ ክዋዙሉን ናታል ተሓጺሩ ምተረፈ ነይሩ፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ግጭት በርቲዑ ኣብ ጉትንግ ዞቦ ጆሃንስበርግን ኣብ ርእሰ ከተማ ፕረቶሪያን ናብ ፖርት ኤሊዛበትን ከተማ ከፕን እናሰፍሔ ይኸይድ እዩ ዘሎ።” ስለዚ ወትሩ እታ ሃገር ናብ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላውን ድኽነትን ጥምየትን ተብል ኣላ” ኢሎም።

ኣብነት ማንደላ

ሎሚ እቲ ድሕሪ 27 ዓመት ካብ ምርኮ ወጺኡ ነቶም ዝኣሰርዎምን ዝሸጥዎምን ዝሓረግዎምን ይቕረ ዝበሉ ነልሰን ማንዴላ ዘርኣይዎ ዓቢዪ ኣብነት ብዙሕ ዝተረፈ ኣይመስልን። ንማንደላ ካብ ቤት ማሕቡስ ዘውጸኦም ልዑል ክብሪ ይቕረታ ዕርቅን ምሕረትን እዩ። እቲ ማንዴላ ሓዲግምዎ ዝሓለፉ ምእንታኡ ዝነበረሉን ክብሩ ዋጋ ሎሚ ዝርሳዕ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነት ይምስክሮ፡ እቲ ማንደላ ኣውሪስምዎ ዝሃለፉ ክቡራት ዋጋታት እንተ ንቕጽሎን እንተንነብሮን ነሪና ነዚ ዘስኻሕክሕ ትርኢት እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣይምረኣናዮን። እዚ ኸኣ ብዓሌት ምፍልላይን ጽልኢ ዓሌትን ብሓፈሻ ዘርኣዊ ፍልያ ከምዘብቀዔ ኣብ ወረቐት ዝተጻሕፈ እምበር ኣብ ልቢ ወድሰብ ኣይተስቝረን - ግዜን ብዙሕ ትዕግስስትን ጽንዓትን ዝሓትት እዩ” ኢሎም።

ኣብ ታሪኽ እንረኽቦ ዓቢዪ ትምህርት

እቲ መሰረታዊ ጒዳይ ብዛዕባ ታሪኽ እዛ ሃገር ዘይምፍላጥ ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እተገብረ ዘተ ነታ ሃገር ደሞክራሲያዊት ክም እትኸውን ዝገበራ። ሎሚ እውን እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰፊሕ ዝርአ ዘሎ ገጢሙን ፍታሕ ዘይረኸበሉ ሕቶ ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን ቍጠባዊ ጸገማት እናሃለወ ክነሱ ክስዕቦ ዝግብኦ መገዲ ንሱ እዩ” እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዓን ጳጳሳት “ንህዝብን ንትካላትን ንመውሃቢ ኣገልግሎትን ዘገልግል ህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ክህልው” ተላብዮም እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቍጠባዊ ስርዓት ናይታ ሃገር ኣገዳሲ ተሳትፎ ንኽገብር ዘኽእሎ እዩ” ቢሎም ዘወጽእዎ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

17 July 2021, 01:29