ድለ

ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ 

ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ

ማእከል ኣስታሊ፥ “እቲ ስደተይናታትን መመሓደሪ ተባሂሉ ንሊቢያ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ሊቢያ ሕጋውን ድሕንነትን ዘለዎ ስደት ንዘፍቅድ መምርሕታት መሳለጢ ክውዕል” ከምዝሓተተን፡ ከምኡ እውን ንስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ከመጹ ዝደልዩ ሕጋዊ መገድታት ክኽፍተሎም” ንዘኽእል መደብ ክውዕል

እቲ ንሊቢያ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ሊቢያ ሕጋውን ድሕንነትን ዘለዎ ስደት ንዝፈቅድ መምርሕን ንትግባሬኡን ክውዕል ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓልዮ ስደተይናታት ማእከል ጨንፈር ሮማ ከምዝሓተተን፥ ስደተይናታት ብሕጋዊ መገድታት ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ምፍቃድ ስደተይናታት ካብ ኢድ እቶም ስደተይናታት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ምድሓን እዩ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቶም ዕለት 26 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ስደተይናታት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ብውሑዱ ካብ ግዳያት ዝኾኑ 57 ስደተይናታት 20 ደቀንስትዮን 2 ቈልዑን ከምዝርከብዎምን፡ ብመሰረት ኣህጉራው ሓልዮ ስደተይናታት ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ መዲትራኒያን ብዛዕባ ዝሞቱ ሰባት ዚገልጽ ገምጋም ዳርጋ ሽሕ ከምዝበጽሑን በዚ ምኽንያት እዚ ሮማ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ሓልዮ ስደተይናታት ማሕበር ጨንፈር ማእከል ኣስታሊ ብዛዕባ እቲ ዜሕዝን ሞት ኩሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ፡ እዚ ሞት ዘይትጻወሮ ሕሊቂት እዚ መንግስታት ኤውሮጳ ዘይግደሱ ምዃኖም እዩ ዝሕብር ዝብል መግለጺ ከምዘውጸኤን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ግዳያት እናወሰኸ ክነሱ ህልቂት ስደተይናታት ደው ንምባል ኣድላዪ ስጒምትታት ምውሳድ ህጹጽን ቀዳምነት ዚወሃቦ ጒዳይ ገርካ ኣይርአይን ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ምስ ሊቢያ ዘሎ ርክብ

ማእከል ኣስታሊ፥ “እቲ ስደተይናታትን መመሓደሪ ተባሂሉ ንሊቢያ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ሊቢያ ሕጋውን ድሕንነትን ዘለዎ ስደት ንዘፍቅድ መምርሕታት መሳለጢ ክውዕል” ከምዝሓተተን፡ ከምኡ እውን ንስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ከመጹ ዝደልዩ ሕጋዊ መገድታት ክኽፍተሎም” ንዘኽእል መደብ ክውዕል ጻውዒት ኣቕሪቡ፥ እዚ እውን ስደተይናታት ካብ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣማራጽን ውሑስን መገዲ ክረኽቡ ቢሉ ከምዝኾነን፡ “ሕብረት ኤውሮጳ ምእታው ብዙሓት ስደተይናታት ኣብ ኣባላት ሃገራቱ ብማዕረ ፋሕ ንምባል ዝሕግዝ መዋቕራዊ መምርሒታት የድልዮ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእዚ እዚ እውን ባይቶ ኢጣሊያ ነቲ ሕጋዊ መንበሪ ንምድንፋዕ ንማሕበራውን ንስራሕን ዜጋታት ዘይ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዚምልከት ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህሉ ዝብል ኣብ 2017 ዓ.ም. ብብዝሓት ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባላትን በርገሳውያን ዜጋታትን ዝተደገፈ ቀሪቡ ዝነበረ ሓሳብ መሰረት ሓድሽ ሕጊ ሓንጺጹን ከጽድቅን ማእከል ኣስታሊ ወጻእተይና ኮይነ ኣአንጊድኩምኒ ብዝብል መርሓ ወፈራ ከምዘበገሰ ናይ ማእከል ኣስታሊ ኣመሓዳሪ ኣባ ካሚሎ ሪፓሞንቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ገሊጾም።

ማእከል ኣስታሊ ኢጣሊያ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዝተመስረተን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣገልግሎት ስደተይናታትን ተመዛበልትን መንበር ጨንፈር ኢጣሊያ ከምዝኾነን ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዘገልግልግል ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕለቕ ማእከል ኣስታሊ ካብ ዝቐውም ኣርቦዓ ዓመት የቑጽር ከምዘሎን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

28 July 2021, 18:30