ድለ

ውድድራት ኦሎምፒክ ሓቀይና ዕርከትን ክምህር ከሎ 1936 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ኦሎምፒክስ ስፖርት ውድድር ውድድራት ኦሎምፒክ ሓቀይና ዕርከትን ክምህር ከሎ 1936 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ኦሎምፒክስ ስፖርት ውድድር 

ውድድራት ኦሎምፒክ ሓቀይና ዕርከትን ክምህር ከሎ

ኣብ ስፖርት እውን ዕርከት ክትውለድ ትኽእል። ኣብታ ብጋንታ ኾነ ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ውድድራት ሳላ እቲ ልሙድ ስፖርታዊ ስምዒት ኣብ መንጐ ስፖርተይናታትን ተዓዘብቲ ስፖርትን ዓለምቲ ስፖርተይናታትን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጐ ወደርቲ እትወለደ ማእለያ ዘይብሉ ዕርክነት ዝገልጽ ዛንታትት ኣሎ

እቲ ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ በርሊን እተገብረ ናይ ኦሎምፒክስ ስፖርት ውድድር ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብኽልተ ፍጻመታቱ ይዝከር፡ እዚ ኸኣ ሓደ ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሓደ ጀርመናውን ክልተ ጃፓናውያን ዜጋታትን ዝምልከት ምዃኑ ዕለት 30 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዕርክነት ምኽንያት ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ “ክብሪ ምድላይ” ዝብል መትረብ ዩቲዩብ ኣካያዲ ስራሕ ፓስኳለ ተኦሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቶክዮ 2020 ዓ.ም. ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር (ብሰንኪ ኮቪድ 19 ናብ 2021 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ) ኣብ ዝካየደሎ ዘሎ እዋን፡ ዕለት 30 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዕርክነት ከምእተበዓለን፡ ኣብ 2011 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 30 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዕርክነት ክበዓል ከምዝወሰነን ዕላማኡ ዕርክነት ከም መሰረት ባህሊ ሰላም ጌርካ ምድንፋዕ ዝብል እዩ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዚ ኣዋጅ እዚ ተወላዲ ፓራጓይ ራሞን ኣርተሚዮ ብራቾ እተሰምዩ መሰራቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ዕርክነት ዘቕረቦ ሓሳብ መሰረት ክኸውን እንከሎ። ፓራጓይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 30 ሓምለ መዓልቲ ዕርክነት ኮይ ክበዓል ኣብ ናይ ሃገር ወግዓዊ ዓውደ ኣዋርሕ ብምምልካት ካብ 1958 ዓ.ም.  ዓ.ም. ኣትሒዛ ዝወሰነት ቀዳመይቲ ሃገር እውን ንምዃን ከምዝበቐዔት ይንገር።

እቲ ክልተ ሕብርታት ዘለዎ መዳሊያ

ኣብ ስፖርት እውን ዕርከት ክትውለድ ትኽእል። ኣብታ ብጋንታ ኾነ ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ውድድራት ሳላ እቲ ልሙድ ስፖርታዊ ስምዒት ኣብ መንጐ ስፖርተይናታትን ተዓዘብቲ ስፖርትን ዓለምቲ ስፖርተይናታትን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጐ ወደርቲ እትወለደ ማእለያ ዘይብሉ ዕርክነት ዝገልጽ ዛንታትት ኣሎ። እቲ ብሉጽ ስፖርታዊ ውድድራት ተባሂሉ ዝንገረሉ ኦሎምፒክ ጽሒፍዎ ዝሓልፎ ዛንታታት ከይዘከርካዮ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ኣብታ ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኽየደ ናይ ኦሎምፖክ ስፖርት ውድድር ክልተ ፍሉይ ዛንታ ከምዘዘኻኽረና ፓስኳለ ተኦሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ፥

እቲ ቀዳማይ ዛንታ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ እቲ ኣብ 1936 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ዕርክነቶም ዝጀመሩ ክልተ ስፖርተይናታት ዝገልጽ ናይ ምወዳእታ ኣብ ነዊሕ ዝላ ብምርኩዝ ኣብ ዝግበር ናይ ስፖርት ውድድር ፍጻሜ ዝሓለፉ ሰለስተ ስፖርተይናታት ከምዝነበሩን፥ ኣመሪካዊ ተወዳዳሪ በዚ ናይ ነዊሕ ዝላ ብምርኩዝ ናይ ወርቂ መዳሊያ ክዕወት እንከሎ፡ እቶም ዝተፈሩ ክልተ ጃፓናውያን ማዕረ ነጥቢ ስለ ዘምጽኡ ንኽልቲኦም መዳሊያ ብሩር ንምሃብ ስለ ዘይከኣል ሓደ ካብ ክልቲኦም ሳልሳይ ደረጃ ንኽሕዝ መሊሶም ንኽወዳደሩ ይሕተቱ። ክልቲኦም ጃፓናውያን ወደርቲ ሹሀኢ ኒሺዳን ሱየኦ ኦአ ፍቓደይንታት ከይኮኑ ምስ ተረፉ እቶም ደያኑ ብመሰረት ብዙሒ ዝላ ኣብቲ ውድድር ብዝብል ፍርዲ ንኒሺዳ ብሩርን ናይ ነሓስ መዳልያ ከኣ ንኣአ ይውስኑ። ክልቲኦም ናብ ጃፓን ምስ ተመልሱ ናብ ሓደ ቤት መሸጣ ወርቅን ዑንቅን ስራሕ መጋየጽን ብምኻድ ነሜዳልያታቶም ብፍርቂ ኣቑርጾም ነፍሲ ወከፍ መዳልያ ክፍሊ ብሩር እቲ ካልኣይ ከኣ ነሓስን ክኸውን ከምዝግበሩን ኡየኦ ኦአ ሓደ ካብቶም ግዳያት ካልኣይ ውግእ ዓለም ኪኸውን ከሎ፡ ኒሺዳ ሎሚ ነቲ መዳልያ ዝዓቀበን እቲ ፍርቁ ብሩርን ፍርቁ ነሓሳን ክልተ መዳልያ ከኣ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣቢያተ መዘክር ስፖርት ተዓቂቡ ከምዝርከብን እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ጸዋታ ፍልዩ ዝበለ ዛንታ ዘለዎ እዩ ይብሉ።

ኣብ ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመን ታሪኽ ካብ ዝነበሩ ዛንታታት ብፍላይ ነቲ ጽንኩርን መሪርን እዋን ታሪኽ ምስል ቢልና ንኽንርእይ ዝገብረና ናይ ዕርክነት ታሪኽ እውን ኣሎ? ክልተ ጃፓናውያን ኣብ በርሊን ምስ በጽሑ ድሮ ኣዕሩኽ እኳ እንተነበሩ እቶም ካልኦት ክልተ ዘይፋለጡን ቅድም እቲ ውድድር እውን ኣዕሩኽ ዘይነበሩን እቲ ሓደ ጀምረናዊ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ስርዓት ናዚ መግለጺ ዓሌት ኣሪያን ዘቕርቦም ሉዝ ሎንግን እቲ ኣብቲ ናይቲ እዋን ውድድር ኣርባዕተ ናይ ወርቂ መዳልያ ዓቲሮም ህቡብ ዝኾኑ ኣመሪካዊ ጅስ ወንስ ዝምልከት እዩ። እዞም ክልተ ኣብ እዋን እቲ ውድድር ዝግበረሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክደጋገፉ ከምዝጀመሩን ካብቲ ሎንግ ንወምስ ካብ ናይ ነዊሕ ዝላ ፍጻሜ ከይተርፍ ከምዝሓገዝዎምን እዚ ምትሕብባር እዚ ኣብ መንጉ እቲ ጀርመናውን ጸሊም መሪካውን ዕርክነት ክውለድ ከምዝገበረን ዕርክነቶም ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን መልእኽቲ ብምልውዋጥ ከምዝቐጸለ ሓቢሮም፡ እቲ ጀርመናዊ ሎንግ ኣብ 1943 ዓ.ም. ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክውጋኡ ናብ ግምባር ከምእተላእኩን ኣብቲ ውግእ እውን ከምዝሞቱ፡ ሎንግ ቅድሚ ኣብቲ ውግእ ምሟቱ ኣብ ዝጸሓፉሎም መልእእኽቲ ድማ፥ “ወንስ እዛ ዝጽሕፈልካ ዘለዅ ሰታሪት ናይ መወዳእታ ከይኰነት ኣይክትተርፍን እያ እሞ እቲ ውግእ ምስ ተዛዘመ ናብ ጀርመን መጺእካ ንወደይ ክትረኽቦን እቲ ውግእ እውይ ከይተረፈ ዘይሓኸዀን ዘይበተኾን ታሪኽ ዕርክነትና ከኣ ኣዘንትወሉ” ሓውኻ ሉዝ” ከም ዝበሎምን ከምኡ እውን እውን ገይሮም ኣብ መርዓ ወዲ ሉዝ ከምዝወዓሉ የዘኻኽሩ።

እዚ ክልተ ኣገዳሲ ዛንታታት እዩ። ብተወሳኺ ካብታ እተሓናፈጻ መዳልያ ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ብሰታሪት ዝግለጽ ዝነበረ ግና ሓቀይና ዕርክነት ክትትንክፍ ዝገብር ታሪኽን ምህላዉ ዘገርም ኢዩ፡ ኣብዚ ርእይቶ እዚ ካልኣ ሓሳብ ኣሎ ዶ? እወ እዚ ጽባቐ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ዘጒልሕ እዩ። ፍሉይ ዛንታታት ዜብጽሓና ምዃኑ ብእተወሰነ መዳይ ኪድገም ዘይከኣል እዩ። ኣብ ገለ ገለ ፍጻሜታት ኦሎምፒክ ተመሳሳሊ ታሪኽ ከጋጥም ይኽእል። ናይ ኦሎምፒክ ታሪኽ መዛግብትን መጽሓፍ ተዘክሮታት ኦሎምፒክ ምግንጻል ዘይርሳዕ መሳጥን ልቢ ዝትንክፍን ክሳዕ ልበ ወለዶ ዝመስል ዛንታታት ዕርክነት ኢና እንግንጽልን እንክብሉ ፓስኳለ ተኦሊ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

31 July 2021, 15:53