ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ፥ ኣስተንፍሶ ንዕርቅን ሰላምን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ፥ ኣስተንፍሶ ንዕርቅን ሰላምን 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ፥ ኣስተንፍሶ ንዕርቅን ሰላምን

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዓለም መልእኽቲ ሰላምን ናጽነትን ምስፋሕ ብዝብል ሸቶ እታ ኣብ 1918 ዓ.ም. ነልሶን ማንደላ ዝተወለዱላ ዕለት 18 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ኮይኑ ከብዓል ከምዝወሰነ ዝዝከር ኮይኑ

ነቲ ነበር ርእሰ ብሔር ደቡብ ኣፍሪቃ ኒልሶን ማንደላ ስኒትን ናጽነትን ንምሕናጽ ዝገበሮ ጠቓምን ኣገዳስን ኣበርክቶ ክብሪ ንምሃብ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 18 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ኮይኑ ክበዓል ዝሃቦ ውሳኔ መሰረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኵላትና ኣሕዋት ክንከውን ኢና ተወሊድና እምበር ጊልያ ኮይኑን ጐይታ ንኽኸውንን ገሊኡ ድማ ኣብ ጸበባ ንኽነብር ኣይተወልደን።” እዘን ቃላት እዚኣተን እቶም ብስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ን27 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጐኑን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ከብቅዕ ዝተቓለሱ ማንዴላ ኣብ ዝተዘከሩላ ዕለት 18 ሓምለ ብፍሉይ ከምእተቓለሔ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዘን ቃላት እዚኣተን ካብ 1952 ዓ.ም. ኣትሒዞም ብተደጋጋሚ ዘተስሩን ኣብ 1964 ዓ.ም. ሞት ይፍታሕካ ዝብል ፍርዲ ዝተበየኖም ዕለት 11 ለካቲት 1990 ዓ.ም. ኣብ 71 ዓመት ዕድመኦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ዝተለቁ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ዘስምዕወን ከምዝነበራን ኣብ 1994 ዓ.ም. ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ከምእተሓርዩን ነቶም ቅድመኦም ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ደ ክለርክ ምኽትሎም ክዀኑ ዝሓረይዎምን ኣብ 1993 ዓ.ም. ክልቲኣቶም ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ኮይኖም ከምእተሓርዩን እዞም ብእንዳኦም ማዲምባ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ነልሶን ማንደላ ኣብ 95 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉ የዘኻኽር።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ዝያዳ ቅንዕና ዘለዎ ሕብረትሰብ ንዅሎም ዓወት እዩ

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዓለም መልእኽቲ ሰላምን ናጽነትን ምስፋሕ ብዝብል ሸቶ እታ ኣብ 1918 ዓ.ም. ነልሶን ማንደላ ዝተወለዱላ ዕለት 18 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ኮይኑ ከብዓል ከምዝወሰነ ዝዝከር ኮይኑ፡ ማንደላ ካብ መላእ ዓለም ሓይልን ደገፍን ሞሳን ዝረኸቡን ኣብ 1990 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቀባብላ ተገይሩሎምን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንነልሶን ማንደላን ንምኽትሎም ደክለርክ እናሓሰቡ፥ ብጥበብን ብትብዓትን መንፈስ ዝተመርሑ እንክብሉ ከምዝገለጽዎምን . . . ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዛዚሞም ኣብ ዝተገብረሎም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት፥  መላእ ዓለም ኣብነትኵም ክስዕብ፥ “ስለ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽን ዝተፈጸመን ሓቂ ክትስዕርን እታ ሓቂ መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ክትከው ማንደላ ቅድም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ደሓር እውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ኮይኖም ናይ ህዝቦም ናጽነት ከሰንዩ ዝደርኾምን ደሓር እውን ናጻ ተለቒቖም ብዝተሰከምዎ ሓላፍነት ኣብቲ እውነተይና ናይ ህዝቦም ናይ ሓቀይና ናጽነት ሃረርታ ይዋስኡ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ሎሚ እውን ኵሉ ዜጋ እታ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ዕርቅን ዳግመ ሕንጸትን ንኺዕወት ጸሎትና እዩ፡ ኵሎም እቶም ኣብዚ መዳይ ንዝዓዩ ዝስውኡን ንጐይታ ሕድሪ ንህብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕምን

ኣብ 2017 ዓ.ም. ሓምለ 18 ቅዱስ ኣቦና ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ምኽንያት በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 18 ሓምለ መዓልቲ ማንዴላ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኵሉ ዓይነት ኣድልዎ ብዘርእን ዘይምቅብባልን ሰብኣዊ ፍጡር ከም መጋበርያ ምጥቃምን ዝብልን ኵሉን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸቕጢ ዘተኣታትው ኩነት ምስናፍን የድሊ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ ዕለት 5 ታህሳስ 2013 ዓ.ም. ማዲምባ (ነልሰን ማንደላ) ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈለዩ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ኣብቲ እዋን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ንዝነበሩ ንጃኮብ ዙማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መግለጺ ሓዘን፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ማንደላ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም ይዅን ደኣ እምበር እቲ ማንደላ ብዘይ ምቍራጽ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝገበረሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ምንቕቓሕ ዕላማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕዳሴ ዘይጐነጻዊ ባህሊ ክተኣታተው ዕርቅን ምሕረትን ሓቅን ተመሪሑ ክረጋገጽ ብቐዳምነት ባዕሎም ማንደላ ኣብነት ብምዃን ዘበገስዎ እዩ፡ ማንደላ ብቃልን ሕይወትን ንሓድሽ ትውልዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ድልያ ፍትሕን ሰላምን ናይ ሓባር ጥቕምን ክተግህ ኣስተፍሶ እዮም ስለዚህ ማንደላ ኣብነቶምን ንሓዳሰ ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስተንፍሶ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

19 July 2021, 18:30