ድለ

ኣህጉራዊ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ፡ ሉቤትኪን፥ ጥሜትን ዘላቕነትን ብህጹጽ ሓድሽ መቓርቦ ኣህጉራዊ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ፡ ሉቤትኪን፥ ጥሜትን ዘላቕነትን ብህጹጽ ሓድሽ መቓርቦ 

ኣህጉራዊ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ፡ ሉቤትኪን፥ ጥሜትን ዘላቕነትን ብህጹጽ ሓድሽ መቓርቦ

ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ከምኡ እውን ማዕከን ቈልዑ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፥ “ኣብ ዓለም ካብ ስለስተ ቈልዑ እቲ ሓደ ብሰንኪ ጒድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ዕብየቱ ከምዝሰናኸልን እዚ ኸኣ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ሕጻናት እዩ፡”

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ዝተጠልበ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ክልተ ወርሒ ኣቐዲሙ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 26 – 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ስርዓተ መግቢ ኣተኩይሮ ኣኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተረኺበን፥ ስነ ሕይወታዊ ባህልታትን ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ንግድ ኪደት ክንክን ክግበረሉ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ዕለት 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ከምዘቕረባ  ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ንሰለስተ መዓልቲ ማሕበር ሓረስቶትን ነጋዶን ደቀባትን ዝተፈላለዩ በርገሳውያን ማሕበረሰብን ናይ ኣገልግሎት ማሕበራትን ብዝተፈላለየ ናይ መዝነት ጽፍሒ ዘገልግሉ ልኡካን ዘሳተፈ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመርክ ዋዕላ ኣትኵሮ ዝገበረ ብዛዕባ ድሕንነትን ቀዋምነትን መግቢ ንምስትንታን ኣድላዪ መድርክ ንምቛም ዘኽእል ጭቡጥ ስጒምቲ ንምውሳድ ዘተባብዕ ከምዝነበረን ኣብ ዓለም ንዘለዉ ኵሎም ተቐባልነት ዘለዎ መጠን ኣመጋግባ ምርካብን ነቶም ኣብ 2050 ዓ.ም. ንምድሪ ኽመልእዋ ትጽቢት ዝግበረሎም ልዕሊ 9 ቢሊዮን ዝዀኑ ሰባት ምህርቲ መግቢ ንኽረኽቡ ዘኽእል ኣገባብ ሕርሻን ማሓድሮኣውን ስርዓተ መግብን ንምቛም ዘኽእል መገዲ ዘመላኸተ እዩ። ቀንዲ ክትዕ እቲ ለብዒ ኣብ ስርዓት መግብን ኣገዳስነት ኣከባብያዊ ዜሕደሮ ጽልዋን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ እውን ከምዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዕለት 28 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ናይቲ ኣኼባ መዛዘሚ ዕለት መደረ ዘስምዓ ናይ ኣህጉራዊ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ምኽትል ኣመሓዳሪ ማሪዮ ሉቤትኪን ከምዝገለጸኦ፥ ልዕሊ 800 ሚሊዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ዓለም ብጥምየት ከም ዚሳቀዩን ሰለስተ ቢሊዮን ዝዀኑ ድማ ንገዛእ ርእሶም መግቢ ዝረኽቡ እውን እንተዀኑ ዝተመጣጠነ መግቢ ዘይረኽቡ ምዃኖም ከምዝገለጻ ኣፍሊጡ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ምኽትል ኣመሓዳሪ ሉቤትኪን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሰን፥ ስእነት መግብን ጥምየትን ምብኻን መግብን ዘሕፍር ተግባር እዩ ኢለን። ክሳዕ 2030 ዓ.ም. ትግብሩ ክኸውን ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ዘላቂ መደብ ልምዓት ትሽዓተ ዓመት ጥራይ ከም ዝተረፎ እቲ መደብ ዘላቂ ልምዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ብጥምየት ንዝሳቐዩ መኣዲ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጐ ቍጠባ ክሳዕ ባህልን ከሳዕ ከባብን ክሳዕ ተዋሰእትን ዘሎ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው ምትሕብባር ዘድልዮ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዘይንጽል - ኵለንተናዊ ምሉእ ራእይ

ብመሰረት ሊበትኪን ኣብዚ ቅድሚ እቲ ናይ መስከረም 2021 ዓ.ም. ዋዕላ ዚግበር ምርምርን ምስትንታንን ነቲ ኣብ መስከረም ዝካየድ ዋዕላ ጭቡጥ መደብ ስጒምቲ ናብ ምውጻእ ዚመርሕ እዩ። ሲሕራዊ መፍትሕ ዘይኮነስ ቀዳምነት ዚወሃቦ ነገራት ዘመላኽት እዩ፡ ንእተፈላለየ መዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ “ሓደ ጥዕና” ንምምላስ ማለት ናብ ሓደ ብዛዕባ ጥዕና ደቅሰብን ብዛዕባ ሕማም ሰብን እንስሳታትን ብዛዕባ ኣካባብን ዛዕባ ሳዕቤን ለውጢ ኵነታት ኣየር ምንቅስቓስ ንግድ መስርሕ ምህርቲ ንባህልታት ደቀባት ኣኽብሮ በረገሳዊ ማሕበርሰብ ህዝባዊ ኰነ ናይ ብሕቲ ወፍሪ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝኽእል ኣቀራርባ ከም ዘድሊ ኣጒሊሑ ኣሎ ኣብ ርእስቲ እቲ ምስ ለብዒ እተተሓሓዘ ግዴታዊ ድፍኢት ጒዳይ ኮቪድ - 19 ቅድሚ ምእታዉ እውን ከይተረፈ ከም ከቢድ ሓደጋ ገይርካ ክውሰድ ነይርዎ። ብሓጺሩ ከም ጥሜትን ዘላቕነትን ዝኣመሰለ ኣርእስትት ዘጣምር ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

ቱርክሶን፥ ስነ ህይወታዊ ባህሊ ምኽባር ህጹጽ እዩ

ሉበትኪን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ቱርክሶን ኣብቲ ኣኼባ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንስነ ሕይወታዊ ባህሊ ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስመሩሉን “ምስ እተረስዐ መሬት ጥዑይ ርክብ ዝዕቅቡ ንኣሽቱ ደቀባትን ባህላዊ ኣፍረይቲ” ዘሎ ርክብ ክመሓየሽ ዘቕረብዎ ሕቶ ኣቃሊሔን፥ ብጹዕነቶም ዝበልዎ፥ ደቀባት ወይውን መበቆላውያን ኣፍረይቲ ሓረስቶት እቶም ብምዕቡል ዓለምና ብዙሕ ኣተኲሮ ዘይወሃቦም ዝነበረ ከም ድሑራትን ዓቃባውያንን ኰይኖም ዝፍረዱ ዝነበሩ ኣብ ባህላዊ ማሕረስን ስርዓተ ኣመጋግባን ተጸሚዶም ምስ ተፈጥሮስ ይኹን ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝርከብ ሰብን እንስሳን ብሰላምን ብውህደትን ዝነብሩ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ምልስ ክንብል ዘቕረብዎ ዕድመን። ሎሚ ከም ሎሚ ወዲሰብ ብስም ምዕባሌን ብዙሕ ንምፍራይን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ንዓለምና ብዙሕ ስለ ዝበከሎ ጠንቂ ክሊማዊ ለውጥን ነውጽን ዕለት ዕለት ልዕልና ዋዒ ከባቢ ምዕልቅላቅ ማይ ከምዝኾነን እዚ ሎሚ ንዓለምና የናውጽ ኣሎ ዝበልዎ ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘቃለሓ ዜና ቫቲካን ገሊጹ፥ “መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ናይ ስነ ህይወት ባህሊ ሃብትታት ንንግዳዊ ሕርሻ ተባሂሉ እዩ ዝስዋእ፡ እዚ ኸኣ ንኣእካልን ዓይነት መግብን ተጻዋርነቶም ዚጐድእ እዩ” ከምዝበላ ኣፍሊጡ።

ፈለማ ግዳያት ዘይፍትሓዊ አግባራት ንዝኾና ደቀንስትዮ ቆላሕታ ምሃብ

ኣብ ኣህጉራዊ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ማሕበር ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጽቡቕ ድላይ ልእኽቲ ሳብሪና ዶውረ ኤልባ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ “ደቀንስትዮ ብኸመይ ኣብ ሕድጋት ንኽዀና ክመንእተገዳን ግዳይ ኢፍትሓውነት ኰይነን ከምዘለዋ ምርአይ የድሊ” ቢለን እቲ ኣህጉራዊ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለያ ገጠራት ደቀንስትዮ ካብ ሕዳገትን ኢፍትሕውነት ንምልቓቕ ዝተፈላለዩ መደባት ከምዘሳልጥን ገሊጸን፥ ኣብ ዓለም 1.7 ቢሊዮን ደቀንስትዮ ኣብ ገጠራት እያተን ዚነብራ፡ እዚ ኸኣ ልዕሊ ሓደ ሕምሲት ሕዝቢ ዓለም ዝሽፍን እዩ፥ ኣብ ገጠራት ካብ ዝነብሩ ብዝሒ ሰራሕተይናታት ፍርቁ ዝሽፍና እያተን። ኮይኑ ግን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ድኽነትን ጥሜትን ናይ ምንባር ኣጋጥሚ ዘለወን ስለ ዝኾና እዚ ጸብጻባዊ ስእሊ እዚ ደቀንስትዮ ክድገፋ ዝድርኽን እቲ ግዳያት ዝኾናሉ ጽልእን ጾታዊ ዓመጽን ንምውጋድ ንዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ ቢለን ኣብ ገጠራት ንዝርከባ ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ደቀንስትዮ ብኸመይ ከም ዝድገፋ ሓደ ካብቲ ክንፈትሖ ዘሎና ቀንዲ ጒዳይ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቘልዑን መንእሰያትን ምዕቃብ ህጹጽ ምዃኑ

ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ከምኡ እውን ማዕከን ቈልዑ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፥ “ኣብ ዓለም ካብ ስለስተ ቈልዑ እቲ ሓደ ብሰንኪ ጒድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ዕብየቱ ከምዝሰናኸልን እዚ ኸኣ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ሕጻናት እዩ፡” ኣስዒቡ እውን - “ብዙሓት ብቀጥዒ ኣልቦ ርጒዲ ከምዝሳቀዩን፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ዘይማዕርነትን ግጭትን ለውጢ ኵነታት ከባቢ ኣየርን ከምኡ እውን ኮቪድ - 19 ንብዙሓት መንእሰያት ብፍላይ ነቶም ዝደኸዩን ተነቀፍትን ማሕበርሰባት ኣባይቲ ስድራ ተወሳኺ ስግኣት ከም ዘስዕበሎም” የመላኽት። ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ከምኡ እውን ማዕከን ሓልዮ ቈልዑ፥ “ንድምጺ ቈልዑን መንእሰያትን ዝሰምዕ ከምኡ እውን ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኣብ ኵሉ ቦታ ምዑዝ ድሕንነት ዘለዎ ምሹእ ከምኡ እውን ቀጻልነት ዘለዎ ኣመጋግባ ዝኸፍት ኣገባብ መግቢ ምቕራብ” የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ኣፍሪቃ እተላእከ ድምጺ

ናይ ሩዋንዳ ርእሰ ብሔር ፓውል ካጋመ ምስቲ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ዘሎ ምስቲ ናይ 2063 ዓ.ም. መደብ ናይ ዘላቒ ምዕባለ ሸቶታትን ብምስምማዕ ናይ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ኣቕዋም ብሓጺሩ እንከብርሁ ሓሙሽተ ስጒምትታት ከምዝግለጹን፥ ትምህርትን ኣመጋግባን ዝኣመሰሉ መደባትን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዕዳጋታትን ሰንሰለት ቀረብ መግብን ምድጋፍ ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝዋፈር ሃብቲ ገንዘብ ናብ 20 ሚእታዊ ክብ ምባል ንናይ ሓአስቶስት ምትሕብባር ምትብባዕን ንደቀንስትዮ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ኣብ ምወዳእታ ማሕበራዊ ድሕንነት ምስፋሕን ኣብ ስርዓተ መጠንቀቕታ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እዅል ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ዝብሉ ነጥብታት ብዝርዝር ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

31 July 2021, 08:36