ጳጳሳት ሃይቲ፥ “ቅትለት ርእሰ ብሔር ተቐባልነት የብሉን ዓመጽ የብቅዕ” ጳጳሳት ሃይቲ፥ “ቅትለት ርእሰ ብሔር ተቐባልነት የብሉን ዓመጽ የብቅዕ” 

ጳጳሳት ሃይቲ፥ “ቅትለት ርእሰ ብሔር ተቐባልነት የብሉን ዓመጽ የብቅዕ”

እንከሎ ናይ ሃይሊ ጸጥታ ዋና ኣዛዚ፥ ካብቶም ቀተልቲ ተባሂሎም እተጠርጠሩ ኣርባዕተ ብኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከምእተቐትሉን ካልኦት ክልተ ተጠርጠርቲ ከምእተኣሰሩን ሰለስተ ጅሆ ኮይኖም ዝነበሩ ኣባላት ሃይሊ ጸጥታ እውን ናጻ ከምእተለቁ ኣፍሊጦም

ኣብ ሃይቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 6 ሓምለ ናብ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም.  ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃገረ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይዘን ቀዳማዊት በዓልቲ ቤቶምን ኣብ ቤቶም ብዝኣተወ ወጻእተይና ጉጅለ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ኣማእኪሎም መግለጺ ከምዘውጽኡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ኣብቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ኢድ ኣለዎም ካብ ዝበሃሉ ጥርጡራት ኣርባዕተ ከምእተቐትሉ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ውጥረት እውን ይረአይ ከምዘሎ ይንገር።

ኣቡናት ሃይቲ ዓመጽ ይዅንኑ

“ዘይቅቡልን ዘፈንፍንን ተግባር” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መግለጺ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃይቲ እቲ መቕተልቲ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከምዝፈነዉ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ኣብ ታሪኽና ከም ህዝቢ መጠን ዘሕዝን መቐይሮ እዩ፡ ብዙሓት ክፍሊ ህዝቢ ሃይቲ ደይ መደይ ኢሎም ዓመጽ ብምምራጽን ዓመጽ ከም ሜላ ድሕነትን ሶውራዊ ተቓውሞ መጋብርያ ገይሮም ክጥቀምሉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፥ ዓመጽ ዓመጽ ጥራይ እዩ ዝወልድ ናብ ጽልኢ ድማ ይመርሕ፡ ንሃገራና ካብቲ ዘላትሉ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሁከትን ፈጺሙ ዘላቕቓ ኣይኮነን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንዘተ

ስለዚ እቶም ኣብ ሃይቲ ዚነብሩ “ኵሎም፥ ንብሕታዊ ትዕቢትን ንጉጅላዊ ረብሓታትን ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ኵሉ ኣወጊዶም ኣብ ነቲ መላእ ህዝቢ ሃገረ ሃይቲ ንነዊሕ ኣዋን ዚጽበዮ ዘሎ ፍታሕ በቲ ንሃገርና ዘሎና ፍቅሪ ከም ህዝቢ መጠን ዘሎና ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ዚምርከሰሉ ኣብ ናይ ዘተ ሰደቓ ክራኸቡ ጻውዒት ነቕርብ” ቢሎም፥ “ኣጽዋር ምርጋፍን ሕይወት ምምራጽን፥ እዚ ናይ ኵሉ ጻዕሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ምእንቲ ንናይ ሃገርን ህዝብን ሃይቲ ረብሓን ንሓባራዊ ሰላም ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ኣብርቲዑ ክዓዩ ንላበው።” ብዝብል ሓሳብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካብቶም ቀተልቲ ተባሂሎም እተጠርጠሩ ኣርባዕቲ ከምእተቐትሉ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሃይሊ ጸጥታ ዋና ኣዛዚ፥ ካብቶም ቀተልቲ ተባሂሎም እተጠርጠሩ ኣርባዕተ ብኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከምእተቐትሉን ካልኦት ክልተ ተጠርጠርቲ ከምእተኣሰሩን ሰለስተ ጅሆ ኮይኖም ዝነበሩ ኣባላት ሃይሊ ጸጥታ እውን ናጻ ከምእተለቁ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን፥

ኣብ ጽንኩር ኵነት እትርከብ ሃገር

ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ከምእተቐትሉን ሕልፈቶም ዝኣወጁ ናይ ሃይቲ ግዚያዊ መራሔ መንግስቲ ክላውደ ጆሰፍ ሓይሊ ጸጥታን ምክልኻልን መላእ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሮም ከምዘላ እንክገልጹ። ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ህድእ ክብል እውን ጽዋዒት ከምዘቕረቡን ኣፍሊጡ፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ውጥረት ይውስኽ እዩ ዘሎ። መላእ ሃይቲ ብናይ ገበን ጉጅለታትን ጉጅለ ዘመትን ካብ እትጨወይ ዓመታት ተቝጽር ከምዘላ እዩ ዚንገር።

ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ውህበተ እምነት ልኡካን ኣባል ማዳለና ቦሸቲ ንዕስራ ዓመት ኣብ መንጐ ድኻታት ሃይቲ ዘገልግላ ዘለዋ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ፋሉልነት ዘለና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ዘሎ። እቶም ኣጽዋር ዝተዓጥቑ እያቶም ሓይሊ ዘለዎም፡ ካልኦት ኵላትና ብምስትውዓል እንታይ ይኸውን ንጽበ ኣሎና። ኣብ ዚቕጽል ሒደት መዓልታት እንታይ ከምዝኸውን ኣይንፈልጥን ኣብ ከቢድን ጽንኵርን ኵነት ኢና እንርከብ፡” ኢለን።

ሞይዘ መራሔ መግንስቲ ኣልቦ ሕዝባዊ ባይቶ

ሞይዘ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ስልጣን ከምዝደየቡን ካብ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዞም ብዘይ ባይቶ ብኣዋጅ ዝገዝኡ ከምዝነበሩን ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ ንሃይቲ ነቲ ብዕለት 26 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ናይ ሃገር ቅዋም ውሳኔ ህዝቢን ህዝባዊ ምርጫ ርእሰ ብሔርን ህዝባዊ ባይቶን ንምክያድ ዘዳልዉ ሓድሽ መርሔ መንግስቲ ሾይሞም ከምዝነበሩን እዚ ህዝባዊ ምርጫ እዚ ብሰንኪ ኮቪድ - 19 ክልተ ሳዕ ክሰጋገር ተገይሩ ከምዝነበረ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

08 July 2021, 18:19