ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ቡልጋርያ፥ ኣብላጺ ድምጺ ዝረኸበ ምህላዊ የጠራጥር ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ቡልጋርያ፥ ኣብላጺ ድምጺ ዝረኸበ ምህላዊ የጠራጥር 

ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ቡልጋርያ፥ ኣብላጺ ድምጺ ዝረኸበ ምህላዊ የጠራጥር

እቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተወሃበ መግለጺ ካብተን ንምርጫ ዝቐረበ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሓደ ንበይኑ 41 ምኢታዊ ድምጺ ዝረኸበ ብዘይምህላዉ ዝኾነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ውድብ ንበይኑ መንግስቲ ከቕውም ከምዘይኽእልን

ቡልጋርያ ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ መረጻ ህዝባዊ ባይቶ ከምእተኻየደን ናይ መራሔ መንግስቲ ነበር ቦይኮ ቢሮሶቭ ማእከላይ የማናዊ ናይ ፖለቲካ ውድብ 23.9 ድምጺ ከምዝረኸበን ምስቶቲ በቶም ህቡብ ድምጻዊ ስታኒስላቭ ትሪፎኖቭ ዝምራሕ ህዝባዊ ጸረ ልሙድ ስርዓተ ፖለቲካዊ ኪደት ዝተባብዕ ፖለቲካዊ ውድብ ተቐራራቢ ድምጺ ከምዝዓተሩ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣቲሒዙ ነቲ ሓድሽ ሓጋጊ ባይቶ ንምቛም ዘየኽኣለ ምርጫ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ መተሓላልኾ ዝፈትሖ ከምዘይመስል ይንገር።

ምብትታን ማዕቅን ፖሊቲካ ዝኾነላ ሃገር

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝርአይ ዘሎ ምብትታ ፖለቲካዊ መቓን ውጽኢትን እቲ ኣብ ሞንጐ ናይ ፖለቲካ ውድባት ዘሎ ምርሕሓቕ መንግስቲ ንምቛን ዓቐበታዊ ኵነት ዘሀለወ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ብነበር መራሔ መንግስቲ ብሮሶቮ ዝምራሕ ዓቃባዊ ናይ ፖለቲካ ውድብ ንዓሰርተ ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሔ ኣብቲ ዕለት 11 ሓምለ ዝተኻየደ ምርጫ ብዓሰርተ ሺሕ ድምጺ ጥራሕ ቀዳምነት ክረክብ ከምዝገበሮን ይኹን ደኣ እምበር ድሕሪ እቲ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ዕንቅፋት ኣብ ባይቶ ንበዩ ከምዝተረፈን ምስቲ ንሶም ዝመርሕዎ ፖለቲካዊ ውድብ ጥምረት ክፈጥር ዝደሊን ናይ ፖለቲካ ውድብ ዘሎ ከምዘይመስል ዜና ቫቲካን ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ካብታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ፖለቲካዊ ውድባትን ድምጺ ሕዝብን

እቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተወሃበ መግለጺ ካብተን ንምርጫ ዝቐረበ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሓደ ንበይኑ 41 ምኢታዊ ድምጺ ዝረኸበ ብዘይምህላዉ ዝኾነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ውድብ ንበይኑ መንግስቲ ከቕውም ከምዘይኽእልን እተን ዓቃባውያን ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝበሃላ ጥምረት እውን እተገበራ ኣብላጺ ድምጺ ክህልወን ከምዘይክእል እዩ ዝንገር፡ ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብድኽነትን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ቀዳምነት ዝሓዘት ሃገረ ቡልጋርያ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣዚዩ ዘድልያ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

12 July 2021, 18:28