ኣብ ማሊ ሓደ ቖሞስን ኣርባዕተ ምእመናን ተጨውዮም ኣብ ማሊ ሓደ ቖሞስን ኣርባዕተ ምእመናን ተጨውዮም 

ኣብ ማሊ ሓደ ቖሞስን ኣርባዕተ ምእመናን ተጨውዮም

ካብቶም ኣብ ማሊ ዝተጨዉ ገዳማውያን እተን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተጨውያ ተወላዲት ኮሎምቢያ እናቴ ግሎሪያ ናርቫኤዝ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢድ ጉጅለ ደገፍ እስላማውን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጅሃዳዊ ሓይሊ ከምዘለዋ

ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ዞባ ማሊ ዓመጻ ይቕጽል ኣሎ። ሓደ ካህንን ኣርባዕተ ምእመናንን ከምእተጨውዩን ገሊኦም ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሃገረ ፈረንሳ ከምዝቖሰሉን ኣብቲ ከባቢ ጉጅለ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ኣብታ ሃገር ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርጋእ ክህሉ ዝገብር ናይ ዓመጽን ግብረ ሽበራት ተግባራቶም ሕጂ እውን ከምዘይቋረጹ ናይ ንጽሕቲ ንግስተ ሰላም ደናግል ማሕበር ኣባል  ካብ ባማኮ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዘገልግላ ዘለዋ እናቴ ሚርያም ቦቪኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሰበኻ ሞፖቲ ዝኾኑ ኣብ ገጠር ሰጔ ናይ እትርክበ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ለዮን ዱግኖን ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ምእመናን ንሳቶም ከኣ ናይ ሰጔ ከንቲባ ቲሞተ ሶምቦሮን ምኽትሎ ፓስካል ሶምቦሮን ከምኡ እውን ኤማኑኤል ሶምቦሮን ቡቲየ ቶሎፉዲየን ከምእተጨውዩ ናይ ማሊ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባል ኣባ ኣለክስ ደመለ ከምዝሓበሩን ነዚ ዝተወሃበ ሓበሬታ እውን ናይ ሞፖቲ ካቴድራል ቆሞስ ኣባ ኪዚቶ ቶጎ ከምዘረጋገጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ናይ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ኣባ ኦስካር ተሕራ ንክሳተፉ ናብ ባማኮ ብማኪና እናተጓዕዙ እንከለዉ ተዓጊቶም ከምእተጨውዩ ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሕጂ እውን ናይቲ ግብረ ጨወያ ተሓታቲ እየ ቢሉ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ ከምዘየለ ክንገር እንከሎ፡ እንተዀነ ንኣባ ዳግኖን ብተደጋጋሚ ስልኪ ዝደወላ ናይ ንጽሕቲ ንግስተ ሰላም ደናግል ማሕበር ኣባል  ካብ ባማኮ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዘገልግላ ዘለዋ እናቴ ሚርያም ቦቪኖ ይብላ ኣብ ኢድ ጂሃዳውያን ከምዝርከቡ ዝረጋግጽ ድምጺ ከምዝመለሰለን ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

እናቴ ሚርያም ቦቪኖ ብዛዕባ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ጭውያ ንዅሉ ሰብ ዜሻቕሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርአይ ስቓይ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ በብመዓልቲ ዚስማዕን ዝተፈላለየ ዓመጻ ከምዝፍጸም ሓቢረን ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ናይቲ ዞባ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ጭንቀትን ስግኣትን ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎን እንተዀነ ግን ብሰላም ዝነብሩ ናይ ካልኦት ዞባታት እታ ሃገር ዜጋታት ብዙሓት ምዃኖም ሓቢረን።

ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ዓሌት ማሊ ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውጥረት ከተኣታትው ዝኽእል ዓመጽን ጨወያን እውን እንተሎ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ፍትሒ ከምዝዕወትን እቲ ዝተኣታተው ዘሎ ቀቢላዊ ውጥረት እውን ከምዝመክን ዘለወን እምንት ገሊጸን፡ እቲ ዘደንጽው ግና እዚ ዓይነት ምርግጋእን ሰላምን ዝህውኽ ዓመጽን ሽበራን መን ከምዘለዓዕሎን እንታይ ረብሓ እውን ከምዘለዎ ንጹር ኣይኮነ። ጅሃዳውያንን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣብቲ ከባቢ ጸጥታን ደሕንነት ክቆጻጸር ዝኽእል ሓይሊ ስለ ዘየለ ነዚ ሰንኮፍ ኩነት ብምጥቃም ዝተፈላለየ ዓመጽን ዘመተን ክፍጹሙ ይረአይ ኣሎ ኢለን።

ካልኦት ጅሆ ዝዀኑ

ካብቶም ኣብ ማሊ ዝተጨዉ ገዳማውያን እተን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተጨውያ ተወላዲት ኮሎምቢያ እናቴ ግሎሪያ ናርቫኤዝ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢድ ጉጅለ ደገፍ እስላማውን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጅሃዳዊ ሓይሊ ከምዘለዋ ክንገር እንከሎ። መንግስቲ እዚ ጉዳይ እዚ መፍትሒ ክርከብን እተን ገዳማዊት ናጻ ክልቀቓን ንሰለስተ ወርሒ ዘካየዶ ጻዕሪ እውን ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈ ይንገር።

ንዓሰርተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ዓመጻ

ካብ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ናጽነትን ምግንጻልን ዝድግፍ ውጥረት ምስ ተላዕለን እቶም ዝተፈላለዩ ምስ ዓልቃይዳ ቅርበት ዘለዎም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ሓደ ምስ ተጠራነፉ ዓመጽን ጨወያን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕበር። ብሃገራዊ ደረጃ እውን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ብዘይ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ከይታ ንምእላይ ክልተ ሳዕ ዕልዋ መንግስቲ ተፈቲኑ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ስርሒት ዕልዋ መንግስቲ እውን ግንቦት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመን ኮረኔል ኣሲሚ ጎታ ናብ ስልጣን ዘደየበ ከምዝኾነን፡ ክሳዕ እቲ ዝቕጽል ምርጫ ድማ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ኮይኑም ነታ ሃገር ይመርሑ ከምዘለዉ ይንገር።

24 June 2021, 21:20