ማሊ፥ ኣብ ዞባ ሞፕቲ ተጨውዮ ካብ ዝነበሩ ናጻ ዝተለቍ ከምዘለዉ ይሕበር ማሊ፥ ኣብ ዞባ ሞፕቲ ተጨውዮ ካብ ዝነበሩ ናጻ ዝተለቍ ከምዘለዉ ይሕበር 

ማሊ፥ ኣብ ዞባ ሞፕቲ ተጨውዮ ካብ ዝነበሩ ናጻ ዝተለቍ ከምዘለዉ ይሕበር

ግንቦት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመን ኮረኔል ኣሲሚ ጎታ ናብ ስልጣን ዘደየበ ከምዝኾነን፡ ክሳዕ እቲ ዝቕጽል ምርጫ ድማ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ኮይኑም ነታ ሃገር ይመርሑ ከምዘለዉ ይንገር

ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ዞባ ማሊ ሓደ ካህንን ኣርባዕተ ምእመናንን ከምእተጨውዩን ንሳቶም እውን ካብ ሰበኻ ሞፕቲ ዝኾኑ ኣብ ገጠር ሰጔ ናይ እትርክበ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ለዮን ዱግኖን ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ምእመናን ንሳቶም ከኣ ናይ ሰጔ ከንቲባ ቲሞተ ሶምቦሮን ምኽትሎ ፓስካል ሶምቦሮን ከምኡ እውን ኤማኑኤል ሶምቦሮን ቡቲየ ቶሎፉዲየን ከምዝኾኑ ናይ ማሊ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባል ኣባ ኣለክስ ደመለ ሓቢሮም ከምዝነበሩ፡ ነዚ ዝተወሃበ ሓበሬታ እውን ናይ ሞፖቲ ካቴድራል ቆሞስ ኣባ ኪዚቶ ቶጎ ከምዘረጋገጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ናይ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ኣባ ኦስካር ተሕራ ንክሳተፉ ናብ ባማኮ ብማኪና እናተጓዕዙ እንከለዉ ተዓጊቶም ከምእተጨውዩ ዜና ቫቲካን ናይ ማሊ ብጹዓን ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጀካ እቶም ኣብ ሰጉየ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ለኦነ ዱዮንጎን ካልኦት ኵሎም ናጻ ከምእተለቍ ናይቲ ዞባ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ምንጪ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ማሊ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሃለዋት ኣባ ለዮን ዱዩንጎን ሓበሬታ ከምዘይረኸበ ኣመላኺቱ፥ ካብ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ናጽነትን ምግንጻልን ዝድግፍ ውጥረት ምስ ተላዕለን እቶም ዝተፈላለዩ ምስ ዓልቃይዳ ቅርበት ዘለዎም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ሓደ ምስ ተጠራነፉ ዓመጽን ጨወያን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕበር። ብሃገራዊ ደረጃ እውን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ብዘይ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ከይታ ንምእላይ ክልተ ሳዕ ዕልዋ መንግስቲ ተፈቲኑ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ስርሒት ዕልዋ መንግስቲ እውን ግንቦት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመን ኮረኔል ኣሲሚ ጎታ ናብ ስልጣን ዘደየበ ከምዝኾነን፡ ክሳዕ እቲ ዝቕጽል ምርጫ ድማ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ኮይኑም ነታ ሃገር ይመርሑ ከምዘለዉ ይንገር።

25 June 2021, 18:09