ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክሕሎ ይምሕጸኑ ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክሕሎ ይምሕጸኑ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክሕሎ ይምሕጸኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሰነ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ ጸረ ምዝመዛ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምኽንያት በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ሕጻናት መጻኢ ሰብኣዊ ስድራ ቤት እዮም፡ ክውላትና ዕቤቶምን ጥዕናኦምን ህድኣቶምን ከነደንፍዕ ግዴታ ኣሎና” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፍፈነዉን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሰነ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ ጸረ ምዝመዛ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምኽንያት በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ሕጻናት መጻኢ ሰብኣዊ ስድራ ቤት እዮም፡ ክውላትና ዕቤቶምን ጥዕናኦምን ህድኣቶምን ከነደንፍዕ ግዴታ ኣሎና” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፍፈነዉን በዛ ዕለት እዚኣ እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምድጓንን ኣብ ልዕሌኦም ዝወርድ ምዝመዛን ክብ ይብል ከምዘሎ ሓቢሩ፥ ሕጻናት ካብዚ ምዝመዛ እዚ ንምድሓን ካብ ዝግበር ጻዕሪ ዓለም ዘንሳሕብ ዘሎ እዩ ዝመስል እንክብል ስክፍታኡ ከምዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ስራሕ ዓለም ዝዋፈሩን ዝምዝመዙን ቁዑዕ ናብ 160 ሚሊዮ ክብ ከምዝበለን እዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብ8.4 ሚሊዮን ከም ዝወሰኸን ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ድኻታትን ብሰንኪ ጽልዋ ኮቪድ - 19 ንምዝመዛ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስራሕ ጉዳይ ሓልዮ ማሕበርን ዓለም ሃቆፍ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ማሕበር ዘቕረብዎ ጸብጻብ ዕለት 12 ሰነ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ ጸረ ምውፋር ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምኽንያት ወግዓዊ ከምዝኾነንን “ዓለም ነዚ ጉዳይ እዚ ንምቅዋም ኣብ 2020 ዓ.ም. ዘካይዶ ዝነበረ ጻዕሪ” ክቕጽለሉ ኣብቲ ጸብጻብ ካብተን ክልተ ማሕበራት ጻውዒት ቀሪቡን፥ ካብ 2000 ክሳብ 2016 ዓ.ም. 94 ሚሊዮን ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከምእተዳረጉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ናይ መጠንቀቕታ ደወል

እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ። ሓድሽ ወለዶ ንሓደጋ እናተቓልዔ ርኢና ከምዘይ ረኣና ክንከውን ዝከኣል ከምዘይኮነ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ጋይ ራይደር ገሊጾም፡ ኣባይቲ ድኻታት ሕጻናት ትምህርቲ ከየቛርጹ መታን ንድኻታት ኣባይቲ ስድራ ሓገዝ ምቕራብ ወሳኒ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ገጠራት ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ መንግስታት ብብሔራውን ማሕበራት እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ሃብቲ ገንዘብ ክሰልዓ ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከይዳረጉ ካብ ዘክእሉ ምርጫታት ሓደ እዩ።

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር፥ “ሕጻናት ካብቲ ዘጓንፎም ዘሎ ሓደጋ ምእላይ እዋኑ እዩ”

ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ማሕበር ዋና ፈጻሚ ኣካል ኤንርየት ፎር እውን ብወገነን፥ “ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ምዝመዛ ከብቕዕ ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ መርገጺኡ ዝስሕት ዘሎ እዩ ዝመስል” እንክብላ ኣጠንቂቐን ኣተሓሒዘን እውን “ቅድሚ ኮቪድ - 19 እውን ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ንስራሕ ዓለም ዝግደዱን ዝምዝመዙን ብዝሒ ሕጻናት ክብ ክብል ከምእተራእየን፡ ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ንስራሕ ዓለም ዝዳረጉ ብዝሒ ሕጻናት ብ 8. 4 ሚሊዮን ክብ ኢሉ ኣሎ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዝተኣታተዎ ዝተፈላለየ ጸገምን ምኽንያት እውን ብዙሓት ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከምእተገዱን ንናይ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ከም ናይ ጸገማቶም መፍትሒ እውን ኮይኑ ከምዘሎን፡ እቲ ለብዒ ዘስዓቦ ምዕጻው ኣባይቲ ትምህርትን ውሸባን ስእነት ስራሕን ምዝባዕ ኤኮኖምን ንገዛእ ርእሱ ሕጻናት ናብ ስራሕ ዓለም ክዳረጉ ከምዝደረኸን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ “ልቢ ዝሰብር ምርጫታት ንኽገብራ ከምእተገዳ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እዚ ዝርአይ ዘሎ ናይ ሕጻናት ጉልበት ምዝመዛ ከብቅዕ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ፡ ኣባይቲ ትምህርቲ ክኽፈታን ናይ ኣባይቲ ስድራ እቶት ክብ ብማብል መንግስታትን ዓለም ሃቆፍ ናይ ልምዓት ኣባይቲ ባንክን ሕጻናት ካብ ስራሕ ዓለም ኣናጊፍካ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽምለሱ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብቐዳምነት ክዋስኡ ጻውዒት ከምዘቕረባ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኮቪድ -19 ዕብየት ይገትእ

ኣብቲ ዝወጸ ጸብጻብ፥ ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ እስያን ፓሲፊክን ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ህጻናት ካብ ስራሕ ዓለም ንምእላይ ዝግበር ጻዕሪ እናደኸመን ብፍላይ ከኣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዕሽሽ ከምእተበሃለንን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕተ ሰሃራ እውን ብዝሒ ሕዝብ ክብ ብምባሉን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቅልውላውን ድኽነትን ንማሕበራዊ ክንክን ኣገዳሲ ስጉምቲ ብዘይ ምህላዉ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት 16 ሚሊዮን ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከምእተገዱ የመላኽት።

12 June 2021, 18:06