ቡርኪና ፋሶ፡ ናይ ዶሪ ጳጳስ፥ ዓመጽ ዝፈጥሮ ዘሎ መሪር ጓሂ ቡርኪና ፋሶ፡ ናይ ዶሪ ጳጳስ፥ ዓመጽ ዝፈጥሮ ዘሎ መሪር ጓሂ 

ቡርኪና ፋሶ፡ ናይ ዶሪ ጳጳስ፥ ዓመጽ ዝፈጥሮ ዘሎ መሪር ጓሂ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ናይ ሰበኻ ዶሪ ጳጳስ ናይ ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ላውረንት ዳቢረ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ካብታ ጅሃዳውያን ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙላ ቑሸት ሶላህን ኣምሊጡ ኣብቲ ቑሸት ሰባ ኣብ እትርከብ ቁምስና ተሓቢኡ ዝደሓና ናይ ዓይኒ ምስክር ጠቒሶም

እቲ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዓርቢ ናብ ቀዳም ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ቝሸት ሶልሃን እንተወሓደ ን160 ንጹሓ ዜጋታት ምኽንያት ሞት ዝኾነ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እየ ዝበለ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ከምዘየለ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሰበኻ ዶሪ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ላውረንት ዳቢረ ካብቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝተረፉ ዝሃብዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት መሰረት ገይሮም፥ እቲ ግብረ ሽበራ ዝፈጸመ ጉጅለ ናብታ ቝሸት ብወጋሕታ ኣትዩን ብዘይ ንሕስያ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ጠያይት ከምዝተኮሰን፡ ኣባይቲ ዜጋታትን ኣባይቲ መሸጣን ብሓዊ ከምዘንደደን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት እንክሕብሩ፥ ናይታ ሃገር መንግስቲ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ንዝተጠቕዔን ዝተጐድአን ሕዝቢ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም ኣፍሪቃ ዓመጽ ዘይኮነ ሰላም እዩ ዘድልያ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓርቢ ምሸት ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቡርኪና ፋሶ ኣብ እትርከብ ቝሸት ሶልሃን ጅሃዳውያን ብዘውረድዎ መጥቓዕቲ ቈልዑ ዝርከብዎም ብውሑዱ 160 ዜጋታት ከምእተቐትሉን፥ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ጃማልዊ ቅተለት ብምዝካር ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ምእንቲ እቶም ዝተቐትሉ ጸልዮምን ነቶም ብተደጋጋሚ ብዝፍጸም ግብረ ሽበራ ንስቓይ ዝዳረጉ ኣባይቲ ስድራን ሕዝብን ቡርኪና ፋሶ ቅርበቶም ገሊጾም ኵሉ ምእንቲ ቡርኪና ፋሶ ክጽልይ ከምእተማሕጸኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰንበት ዕለት 6 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን በዓለ ቅዱስ ቍርባን ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትል ዕለት ናይቲ ዞባ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣብ መላእ ቁምስናታትን ምእንቲ እቶም ኣደዳ ዝኾኑ ጸሎት ከምዝዓረገ ይሕብር።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር

ኣብ ቡርኪናፋሶ ናይ ሰበኻ ዶሪ ጳጳስ ናይ ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ላውረንት ዳቢረ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ካብታ ጅሃዳውያን ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙላ ቑሸት ሶላህን ኣምሊጡ ኣብቲ ቑሸት ሰባ ኣብ እትርከብ ቁምስና ተሓቢኡ ዝደሓና ናይ ዓይኒ ምስክር ጠቒሶም፥ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ነታ ቝሸት ከቢቦም ፈለማ ናብ ኣየር ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ድቓሶም ዝነበሩ ተቐማጦ ኣባይቲ ብዘይ ምቍራጽ ተኽሲ ከምዝፈነዉን ናብ ቤተ ቤት እናኸዱ ሞት ዘሪኦምን ኣባይት ዜጋታትን ኣባይቲ መሸጣን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ዝተፈላለያ ነኣሽቱን ዓበይትን ማካይንን ናይ ሕዝቢ መጓዓዝያን ብሓዊ ከምዘባርዑ ይሕብሩ።

ስንባደን ቀቢጸ ተስፋን

“እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸባራን ዝፈጠሮ ጃምላዊ ቅትለትን ብዙሕ ስንባደን ቀቢጸ ተስፋን ኣስዒቡን ረዳኢ ዘይብልካ ምዃን ነኸምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ሓደጋ የቃልዕ፥ ክሳብ ኣስናኖም ዝተዓጥቁ ጉጅለታት እያቶም ዘጋጥሙና ዘለዉ፡ መን እዩ ዝኸላኸለልና?” ቢሎም “ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ነቲ ዝተጠቕዐ ሕዝቢ ቅርበቶምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ጸሎትንም ቅርበቶምን ገሊጾም ኵሉ ምእንቲ ቡርኪና ፋሶ ክጽልይ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ መጸናንዒ ኮይኑና እዩ፡ ኣብ ህይወት ዘሎና እምነት ከነጥፍእ የብልናን ብተስፋን እምነት ነቲ ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ ምብዳህን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ናይ ህወትን ሰላምን ናይ ዘተን ምርኻብን ባህሊ ምንቕቓሕ” የድሊ ይብሉ።

ቡርኪና ፋሶ፥ ኣብ ዓለም ኣዚየን ድኻታት ካብ ዝኾና ዞባታት ሓንቲ

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ምንጪ ኣብቲ ከባቢ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ዓቢይ ስንባደ ወዲቓ ከምዘላን ኣመላኺቱ፥ ክሳብ ሕጂ በቲ ዝተፈጸመ ጃማላዊ ቕትለት ዝሞቱ 160 ምዃኖም ይዝርብ እውን እንተሎ፡ እቲ ቝጽሪ ክብ ክብል ከምዝኽእልን ሰሜናዊ ቡርኪና ፋሶን ዝበዝሐ ክፋል ማሊን ምዕራብ ኒጀር ኣብ ዓለም ኣዚዩ ድኻ ዝኾነ ገጠራዊ ዞባ ከምዝኾነን፥ ምስ ዓልቃይዳን ዳዒሽ ምእትእስሳር ዘለዎም ዝተፈላለዩ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ዝንቀሳቐስሉን ነቲ ልሙዕ ናይ ገጠር መሬት ንምውናን እውን ሕድሕዳዊ ግጭት ዘካይዱ ምዃኖም ሓቢሩ፥ ኣብቲ ከባቢ ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. 14 ሰባት ቅድም ክብል እውን ዕለት 17ን 28 ግንቦት 2021 ዓ.ም. 15 ንጹሓን ዜጋታትን ሓደ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ከምእተቐሉ ኣዘኻኺሩ፥ ኣብቲ ከባቢ ብወለንተይናታት ዜጋታት ዝድገፍ ብቑጽሩ ውሑድ ዝኾነ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከምዘለዉ የመላኽት።

ንሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ዓቢይ ብድሆ እዩ

“እቶም ጃምላዊ ቕትለት ዝፈጽሙ ነቲ ዞባ ናይ ምቍጽጻር ብቕዓት ኣለኒ ክብሉ ዝደልዩ እዩ ዝመስል፥ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ሓይሊ ምክልኻል ናይ ህዝቢ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምክልኻል ብቕዓት ክብ ንምባል ኣሚቱ ክጽምበርዎ ብዝገብሮም ዘሰልጥኖም ወለንተይናታት ኣቢሉ ህዝቢ ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ክዋሳእ ይገብር ከምዘሎን እቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ እውን ነዚ ሕዝብን ሓይሊ ምክልኻልን ኣዋዲድካ ናይ ዞባኻ ጸጥታን ሰላምን ውሑስ ምግባር ዝብል መንግስቲ ንዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ምላሽ ዝሃቡሉን ህዝቢ ኣብቲ መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ከይዋሳእ ንምፍርራሕ ኣሚቶም ዝፈጸምዎ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብቲ ከባቢ ዝወሃብ ዘሎ ትንታነ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ብቡርኪናፋሶ ኣቢሉ ማሊን ኒጀርን ዘራኽብ ስፍራ ስልታዊ ምዃኑ ይሕብር።

08 June 2021, 15:38