2021.03.07 ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኢራቅ ስለ ግዳያት ውግእን ዓመጽን ኣብ ሞሱል እንክጽልዩ 2021.03.07 ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኢራቅ ስለ ግዳያት ውግእን ዓመጽን ኣብ ሞሱል እንክጽልዩ 

አሰር ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሃገረ ኢራቅ! ንፍፍልልያት ኣኽቢርካ ናይ ሕውነት መጻኢ ምህናጽ!

ክልተ ወርሒ ይገብር መላእ ዓለም ብለበዳ ኮቪድ 19 ተኣኲታትሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ቅዱስነቶም ናብ ሃገረ ኢራቅ ሓውጾተ ኖልዎ ክገብር እየ ምስ በሉ ብዙሓት እምበርዶ! ክብሉ እኳ እንተተጠራጠሩ እቲ ምብጻሕ ብዓወት ተፈጺሙስ እንታይ ኣሰር ገደፈ ንዝብል ሓሳብ ንምትንታን ልሂቃን ፖሎቲካን እምነታትን ብወቢናር ዝበሃል በይነመረብ ርክብ ኣካዪዶም። ካብቲ ቀንዲ ፍረታት እዚ ምብጻሕ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ዝነበረ ምትሕብባር እንከሐይል ንሰላምን ዘተን ኣበርክቶ መራሕቲ እምነትን ኰስኰስትን ፖሎቲካን ከምኡ ክንዮ ዓሌታዊ ፍልልያት ሰጊርካ ንማሕበራዊ ሓድነት ዳግም ምህናጽ ዝብሉ ከምዝርከብዎም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ፓትርያርክ ሳኮን ካርዲናል ኣዩሶን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ከምዝዝከር እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዚ ኣብታ ብውግእ ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኢራቅ ኣብ ቀውጢ ዝኾነ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዓለም ብዓለማ ብውሸባን ምክልኻል ዝርጋሐ ኮሮና ቫይሩስ ንምቊጽጻር ዶባተን ረጊጠን ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ከምዝተገብረ ዝዝከር እዩ። ቅዱስነቶም ካብ ዝሃብዎ ዓበይቲ መልእኽታት ሕውነትን ሓቢርካ እናተደጋገፍካ ምንባርን ‘ሽሕ’ኳ ኣብ መንጎና ብዙሕ ፍፍልያት ይሃሉ እምበር ኩልና ኣሕዋት ኢና። ስለዚ ነቲ ዘሎ ፍልልያትና ብምክብባር ተቀቢልና ዝበልጸ መጻኢ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ክንተሓባበር ኣሎና’ ዝብል ይርከቦ። ክንዮ እቲ ዝነበረ ፍርህን ምጥርጣራትን እዚ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ብዙሓት ታሪኻዊ ምብጻሕ እዩ እንክብሉ ብኣድናቆት ይዝክርዎ።

እቲ ቅድሚ እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ኣቡ ደሃቢ ፈላማይ በጻሒ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ዝፈጽምዎ ዝወለዶ ላዕለዋይ ኮሚቴ ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ንኩሉ ምዕባሌታት ድሕሪ ምጽናዕ “A Moment of Human Fraternity: The impact of Pope Francis’ historic Iraq visit” ንሕውነት ዘመደ ኣዳም እተስተንትነሉ ግዜ፡ ታሪኻዊ ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኢራቅ ዘንበሮ ኣሰር ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብወቢናር ዝበሃል ብመራኸቢ ብዙሓን በይነ መረብት ዝግበር ጉባኤ ንክካየድ ሓሳብ ኣቅሪቡ። ነዚ ዕድመ ላዕለዋይ ኮሜቴ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ተቀቢሎም ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተሳተፉ ፕረሲደንት ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ንውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩሶ ኪኾት ከምኡ እውን ፓትርያርክ ከለዳውያን ኢራቅ ብፁዕን ቅዱስን ካርዲናል ራፋኤል ልዊ ሳኮ ይርከብዎም። እዚኦም ክልተ ኣቦታት እዚኦም ኣብቲ ዝተገብረ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ጐድኒ ር.ሊ.ጳ ዝነበሩ እዮም። ብሓፈሻ ብዝሕ ዝበሉ መራሕቲ ፖሎቲካን እምነታትን ብሓባር ነዚ ታሪኻዊ ምብጻሕዚ ንምዝካር ተጋቢኦም።

መራሕቲ ፖሎቲካን እምነታትን ብሓባር ነዚ ታሪኻዊ ምብጻሕዚ ንምዝካር!

ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝተማህዘ ከካብ ዘሎኻዮ ብዙሓት ኰንካ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ብወቢናር ዝፍለጥ ኣገባብ ጉባኤ ነቲ ግድን ብኣካል ተራኺብካ ገጽ ንገጽ እናተራኣኣኻ ዝብል ተኪእዎስ እነሆ እዞም መራሕቲ ፖሎቲካን እምነታትን ማእከላይ ምብራቅ ብሓባር ኰይኖም ምስ ክልተ ካርዲናላት ከካብ ዘለውዎ ነዚ ጉባኤ ኣካዪዶም። ካብ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ማእከላይ ምብራቅ ሓሳን ናድሀም ሚኒስተር ባህሊ ኢራቅ ከምኡ ኣውን ሚኒስተር ባህልን መንእሰያትን ሕቡራት መንግሥታት ኣዕራብ ኑራ ኣል ከዓቢ እንክርከቡ ካብ ዩነስኮ ጨንፈር ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ምኽትል ዋና ሓላፊ ኤርነስቶ ኦቶነ ራሚረዝ ነበሩ። ካብ መራሕቲ እምነታት ከኣ ኢማም መስጊ ኣቡ ሃኒፋ ባግዳድ ሸኽ ዓብደል ወሃብ ጣሃ ኣል ሳመራይ ነበሩ። ከምኡ እውን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ኮሚቴ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ዳኛ መሓመድ ዓብደልሰላም ነበሩ። ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ንኩሉ ዘጠቃልል ቃል ዘስምዑ ናይ ዓቢይ ኢማም ኣልኣዝሃር ኣልጣየብ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ነዊሕ ዘገልገሉን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ዪነስኮ ተሕድሶ ሞሱል ዘገልግሉ ዘለው ኣባል ዶሞኒካውያን ኣባ ኦሊቨር ፖኪዮንን ነበሩ።

ኣድላይነት እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ!     

ኣብቲ ተጋባእቲ ካብ ዘተኰረሉ ነጥብታት ዘተ ምስ እንምልከት ብዓንዱ ርእሲ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ኣድላዪዶ ነሩ ክሳብ ክንድዚ ዚኣክል ንሓደጋ ምቅላዕከ ፍረኡ እንታይ ዝብል ነበረ። ኣብዛ ነጥቢ እዚ ኩሎም ነናቶም ርእይቶ ምስ ሃቡ ብሓፈሻ ግን ካብ ሰብኣዊ ባህርያትን ዘስዓቦ ጽልዋን ጀሚርካ ክሳብ እቲ ኣብ ሃገረ ኢራቅ ዝሰረጸ ውስጠ ሃማኖታዊ ርክብ ናይዚ ቀዳማይ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ኣብቲ ንመላእ ማእከላይ ምብራቅ ዘለዎም ሠናይ ምንዮትን ዓለምለኸ ሕውነት ዘመደ ኣዳምን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብምምልካት ኣዎንታዊ ገምጋማቶም ኣቅሪቦም። ብድሕሪ’ዚ ንሃገር ኢራቅከ እንታይ ኣርበሐ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሰጊሮም ንኩለን እተን ዝተበራ ምንቅሳቃሳትን ምኽርን ርክባትን ዳግመ ግምት ብምግባር ንዳግመ ሕንጸት ሃገረ ኢራቅ መሠረት ከምዘንበረ እዚ ከኣ ካብቲ መሠረታዊ ባእታታት ማሕበረሰብኣዊ ተቊዋማት ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ተቊዋማት ባህልስ ይኹን ካልእ ተቊዋማት ነታ ሃገር ዳግም ብምርግጋእን ንዕርቅን ሰላምን ኣሰናዲኻ ተስፋ ዝመልኦ ብሩህ መጻኢ ኢራቅ ንምህናጽ ዓቢ ዕድል ዝኸፈተ ምዃኑ ገሊጾም። እንተኾነ ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ሳኮን ኣዩሶን ንመልከት።

ር.ሊ.ጳ ንዝሃብዎ መምርሒ ንምምዕባል ሓባራዊ መደብ! ካርዲናል ሳኮ

ብፅዕ ካርዲናል ሳኮ ቅዱስነቶም ብጠቅላላ ኣብ መሬት ኢራቅ 72 ሰዓታት ከምዝጸንሑን ቈጺርካ ዘይውዳእ ምኽርን ዘተን ርክባትን ከምዘካየዱን ብሓጺሩ ኣመልኪቶም። ናይዚ ኩሉ ርክብን ዘተን ማዕዳን ዕላማ ከኣ ንዝበለጸት መጻኢት ኢራቅ ንምህናጽ ዘለዎም ራእይ ብምግላጽ ዘቅረብዎ መምርሒ ከኣ ሓባራዊ መደብ ማለት ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ፖሎቲካን ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ክህሉ ዘለዎ ሕብረትን ምድግጋፍን ነበረ ኢሎም። ከም ቀንዲ መንጠሪ ባይታ ኰይና እተገልግል ነጥበ መቀይሮን ተበግሶን ከኣ ‘ንሕና ክፍሊ ናትኩም ኢና ንስኹም እውን ክፍሊ ናትና ኢኹም’ ትብል ሓረግ ነበረት። እዛ ሓረግ እዚኣ ኣብ ጐደናታት ኢራቅ ምናዳ ር.ሊ.ጳ ምስ ዓቢ ኣያቶላ ናይ ሽዓውያን ዓሊ ኣል ሲስታኒ ዝገበርዎ ርክብ ብተደጋጋሚ ተገሊጻ። ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ንጹር መምርሒኸስ ‘ናብ ሰላምን ርግኣትን ናጽነትን ሓለዋ ክብሪ ነፍሰወከፍን ብሓባር ተኸባቢርካ ንምንባር ዘረጋግጻ ኰይነን ብቀንዱ ከኣ ኣጽዋር ውግእን ንግዶምን ምቊጻጻር የድሊ’ እንክብሉ ገሊጾም ነበሩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብ ሓላፍነት ዘለዎ ከበርክትዎ ዘለዎም እጃም ኣመልኪቶም ነበሩ። በቲ ሓደ ወገን ውሉደ ክህነት ንእምነት መጋበሪ ምክብባርን ዕርቅን ሰላምን ምርጋግእን ናይቲ ዞባን ናይ መላእ ዓለምን ክገብርዎ እንክምሕጸኑ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኲስኰሳ ተዋፊሮም ዘለው ንሓደስቲ ወለዶ መሠረታውያን ክብርታት ደቂሰብ ሓባራዊ መንፈሳውን ሞራላውን ውርሻታት እምነታት ከይፈላለኻ ምምሃር የድሊ ኢሎም ነበሩ። ነቶም ቀንዲ ግደ ዘለዎም መራሕቲ ፖሎቲካ እውን ንዜጋታት ንምግልጋል ዝኣተውዎ ቃል እንደገና ከሐድሱ ኣዘኻኺሮም ነበሩ እንክብሉ ንሃረርታ ቅዱስነቶምን ዘቅረብዎ ሓባራዊ መደባትን ምስ ገለጹ ንሕቡራት መንግሥታት ኣዕራብ ኣብዚ ቀረባ ንተጻዋርነት እምነትን ባህልን ማሕበራትን ዝከታተል ሚኒስትሪ ተጻዋርነት ብምትካሎም ኣመጊኖም ዘረባኦም ደምደሙ።

ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ እምኒ ኲርናዕ ኣብ ጒዕዞ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ! ካርዲናል ኣዩሶ!

ቀጺሎም ርእይቶኦም ዝሃቡ ብፁዕ ካርዲናል ኣዩሶ ኰይኖም ቀንዲ ዘተኰሩለን እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ኣብ መላእ ሃገረ ኢራቅ ምናዳ ኸኣ ኣብተን እግሮም ዘንበሩለን ከተማታት ባግዳት ኡር ኤርቢል መሱልን ቃራቆሽን ብቃላቶምን ተግባራቶምን ዝገደፍዎ ኣሰር ዝምልከት ነበረ። ብፁዕነቶም ጥቅልል ብዝበለ ሓሳብ ብዘይ ምንም ቃለ ኣጋንኖ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ኣብቲ እንገብሮ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዓቢ እምኒ ኲርናዕ ዘንበረ ኰይኑ ይስምዓኒ ከመይ ቅዱስነቶም ናብ ሃገረ ኢራቅ ዘብጽሕዎ ጉዳይ እንተሎ ክርስትያናዊ ተመኲሮ ኰይኑ እዚ ከኣ ነቲ ኩሉ ዕንወትን ዓመጽን ብዓይኒ ክርስትያን ተመልኪቶም ምናዳ ከኣ ንክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዝበጽሐ ውግእን ወረ ውግእን ዘስዓቦ ስቃይ ከመይ ዝግንዘብዎ ኣርእዮም። ነዞ ዝተዓዘቡ ኩሎም መሰኻኽር እዮም። ልዕሊ ኩሉ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ፍጻሜታት ናብ ኣል ሲስታኒ ዝገበርዎ ግላዊ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ንዝህነጽ ሕውነት ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብሩህ እዩ። ከምኡ እውን ኣብታ ናይ ሓባር ኣቦና ኣብርሃም ጒዕዞ እምነቱ ኣብ ታሪኽ ዝፈለመላ ከተማ ኡር ዝተገብረ ሥርዓታትን ናይ ሓባር ጸሎትን ከም ኣሕዋት ዘተሓባብሩና ምኽንያት ዳግም ንክንፍትሽን ክንዮ ዓሌታውን ካልእ ፍልልያትን ሰጊርና ሕብረትን ሓድነትን ንክንፈጥር ተኸባቢርና ንክነብርን ማዕጾ ዝኸፈተ እዩ እንክብሉ እንተስ ንውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ እንተስ ከም ደቂሰባት ተባቢርካን ተኸባቢርካን ብፍቅርን ሰላምን ንምንባር ዘኽእል መሠረት ዓቢይ ነጥበ መቀይሮ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኩሎም ተጋባእታ ነናቶም ርእይቶ ምስ ሃቡ ብመጠቃለሊ ሓሳባት ናይ ዓቢይ ኢማም ኣልኣዝሃር ኣልጣየብ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ነዊሕ ዘገልገሉ ዓብደልሰላምን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ዪነስኮ ተሕድሶ ሞሱል ዘገልግሉ ዘለው ኣባል ዶሞኒካውያን ኣባ ኦሊቨር ፖኪዮንን ነተን ኩልና ኣሕዋት ዝብላ ቃላት ር.ሊ.ጳ ብምጥቃስ ሓድነትና ንክንሕሉ ሓደራ እንክብሉ ነቲ ጉባኤ ደምደሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
04 June 2021, 12:04