ር.ሊ.ጳ ንቅልውላው ክሊማ ብዝምልከት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ድምጽታት እዮም! ጆን ከሪ

ንምክንኻን ተፈጥሮ ኣብ ዝግበር ዓለምለኸ ጻዕሪ ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ጆን ከሪ ዝሓለፈ ዕለት 15 ግንቦት 2021 ዓም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ንውሕ ዝበለ ቃለ መሕትት ብምግባር ብዛዕባ ለውጢ ተጥሮን ክንክኑን ዝምልከት ጉባኤን ምትሕብባርን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ብኮፕ26 ዝፍለጥ ንዓለምና ዘስግእ ዘሎ ቅልውላው ኣከባቢ ብዝምልከት ዓለም ለኸ ዋዕላ ኣብ ፍጻሜ እዚ ዓመት እዚ ብምውህሃድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ እዩ። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እናተገብረ በብዓይነቱ መግለጺታት ዘውጽእ ዓለም ለኸ ጉባኤ መወዳእታ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝተብረ ስምምዕ እንክኸውን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ግን ኣብ ዘመነ ትራምፕ ኣብቲ ስምምዕ የሎኹን ኢላ ካብቲ ሕብረት ወጺአ ነበረት። ሕጂ ኣብ ዘመነ ባይደን ብሓዲሽ ናብቲ ጉባኤ ሕብረት ንምምላስን ዘድሊ መጽናዕቲ ንምክያድን ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ጆን ከሪ ኣብ ሮማ ምስ ሰበሥልጣን ሃገረ ጣልያንን ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም እንደገና ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ከተማታት ለንደንን በርሊንን ብምቅናዕ ምስ መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ክራኸቡ ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ቃለ መሕተት ክገብሩ ፍቃደኛ ብምንባሮም ብኣባል ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን መጀመርያ ዝቀረበቶም ሕቶ ‘ንስኹም ሓደ ብዘይመጠን ኣድላዪ ተልእኮ ንምፍጻም ናብ ኤውሮጳ መጺእኩም ምስ መራሕቲ ዓለም ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ቅልውላው ከባቢ ክትዘራረቡ መጺእኩም ኣሎኹም። ኣብዚ ጒዕዞ ኤውሮጳ ምስ ር.ሊ.ጳ ምርኻብ ንምንታይ ኣድለየ!

ርግጽ እዩ ር.ሊ.ጳ ንቅልውላው ክሊማ ኣመልኪቶም ሓደ ካብቶም ዝለዓሉ ድምጽታት ኰይኖም ዘገድድ ሞራላዊ ሥልጣን እውን ኣለዎም። ገና ብእዋና እዮም ኣብ ጠርዚ እቲ ጉዳይ በጺሖም። መራሒ ኰይኖምና። ላውዳቶ ሲ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ብሓቂ እየ ዝብሎ ዘሎኹ ብጣዕሚ ኣድላይን ሓያልን ሰነድ ኰይኑ ምቅሉል ብሞራል ከኣ ዘእምን እዩ። ብዝመስለኒ ከኣ ድምጾም ኣብቲ ክግበር ዝሕሰብ ኮንፈረንስ ግላስጎ ኣድላይን መራሕን እዩ። ኣብኡ ክሳተፉ እውን እምነተይ እዩ። ስለዚኸስ ኣብዚ ቃልሲ እዚ ኩሎም የድልዩና። ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ዓለምና ኪሓብሩ ኣለዎም ነፍሲወከፍ ሃገር ግደአ ክተበርክት ኣለዎ። ብዝመስለኒ ከኣ ቅዱስነቶም ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ብሞራላዊ ሥልጣን እዮም ዚዛረቡ። እዚ ፍሉይ እዩ እንተኾነ ንኩሉ ሓይልታት ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ምእካብ ከድልየና እዩ ኢሎም።

ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ምስዛ ሓድነት እትብል ዝተታሓዘት ኰይና ‘ቅዱስነቶም ደጋጊሞ ኩልና ብሓደ ኰፍ ኢልና ክንዛተ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ጭቡጥ ዝኾነ ንቅድሚት ዘሰጉም ውሳኔ ክውሰድ ምስ ጸውዑ እዮም። እንትኾነ ሃገራት ዓለም ብሃብትስ ይኹን ብሓይሊ ዝተፈላለየ ደረጃ ሰለዘሎ ንገለ ከገድስ ንገለ ኸኣ ዘየድሊ ክኸውን ስለዝኽእል ነዚ ፍልልይ ሰጊርካ ንዘተስ ብከመይ ከተደንፍዑ ትኽእሉ!ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካኸ ኣብዚ እንታይ ክተበርክት ትኽእል!’ ትብል ነበረት።

ሓቅኻ’ሎኻ! ኣብ መንጎ ሃገራት ፍልልያት ኣሎ። ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክገብርዎ ዝኽእልዎን ዝገብርዎ ዘለውን ክፍሊ ግድልና እዩ። ስምምዕ ፓሪስ ነዚ ፍልልይ እዚ ‘ብሓለፍነት ዝፈልላለ ሓባራዊ ጉዳይ’ እንክብል ገሊጽዎ ነበረ። ኩልና ሓባራዊ ሓላፍነት ኣሎና። እዚ እዩ እቲ መፍትሕ። ነዚ ቅልውላው ፍታሕ ዝኸውን ካብ ምብርካት ማንም ሃገር ኣይትተርፍን። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ነዚ መደብ እዚ ክውን ንምግባር ንእሽቶ ቊጠባ ንእሽቶ ዓዲ ንእሽቶ ተበግሶ ኣይኮነን እንጽበዮ። ንሕና ድሕሪ ቻይና ቊጽሪ ክልተ በከልቲ ኢና ስዒባ ህንዲ ኣላ ካብኡ ሩስያ እናበልካ ኪድ። እንተኾነ ማንም ሃገር ነዚ በይና ክትፈትሖ ኣይትኽእልን። ስለዚኸስ ኩልና ስጒምታት ክንወስድ ነፍስወከፍ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ጥራይ ዘይኮነ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉድያት ከይተረፈ ኣለልዩ ልዕሊ ኩሉ ነዚ ምኽንያት ብከላ ዝኸውን ነገራት ክነጎድል ኣብ ዝመጽእ ዓመታት እንተወሓደ ካብ 50 ክሳብ 52 ሚእታዊት ክነጒድል ኣሎና። እናበከልካ ኣባል መፍትሒ ክትከውን ኣይከኣልን። ነፍሲወከፍ ግደኡ ከበርክት ኣለዎ። ከመይ ነፍሲወከፍ ሃገር ኣብ ዕንወት ክሊማ ኣበርኪታ እያ። ንኣብነት ንሕና 11% እንክንብክል 20 ዝኾና ዝማዕበላ ሃገራት ልዕሊ 75% ይብክላ። ስለዚ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ ሃብታማት እዩ ዘሎ። ኩሉ ነናቱ እንከበርክት ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብፍሉይ ሥልጣን እዮም ዝዛረቡ ዘገድድ ሞራላዊ ሥልጣን ስለዘለዎም እዚ ሥራሕ እዚ ንክግበር ቃሎም ሓጋዚ እዩ እብል። ነዚ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ብዙሕ ሥራሕ ክንፈጥር ጽሩይ ኣየር ክነተንፍስ ንኽእል ዝሓሸ ጥዕና ንረክብ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 May 2021, 13:12