ጀርመን ኣብ ናሚቢያ ዝተፈጸመ ጃማልዊ ቕትለት ኣፍልጦ ትህበሉ ጀርመን ኣብ ናሚቢያ ዝተፈጸመ ጃማልዊ ቕትለት ኣፍልጦ ትህበሉ 

ጀርመን ኣብ ናሚቢያ ዝተፈጸመ ጃማልዊ ቕትለት ኣፍልጦ ትህበሉ

እዚ ኸኣ በቲ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ፍራንክ - ዋልተር ስታይናየር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ናሚቢያ ህዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ብዘቕርብዎ ወግዓዊ ናይ ይቕረታ ሕቶ ዝድምደም ይኸውን”

ኣብ ናሚቢያ ኣብ ተስዓታት ናይ ጀርመን ሰራዊት መግዛእቲ ነታ ሃገር ወሪሩን ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ ሀረሮ ኣስታት 65 ሺሕ ኣብ ልዕሊ ናማን ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ንህልቂት ከምዝዳረገን ነዚ መንግስቲ ሃገሮም ጅምላዊ ቕትለት እንክብል ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ሰላሳ ዓመታት ዝዝርጋሕ ንምዕባለን ሕንጸትን ናሚቢያ ዝውዕል ሓደ ሚሊያርድ ኤውሮ ከምዝሰለዔ ናይ ጀርመን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ሃይኮ ማስ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ‘900 መባእታ ብወተሃደራት መግዛእቲ ጀርመን ኣብታ ናይ ሎሚ ናሚቢያ እትፈልጥ ዝፈጸሞ መቕተልቲ ናይ ጀርመን መንግስቲ ጃምላዊ ቕትለት እንክብል ኣፍልጦ ከምዝሃበሉን ናይ ጀርመንናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሃይኮ ማስ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳያት ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር እውን መንግስቲ ሃገሮም “ንናሚቢያን ንወለዶ ግዳያትን ሓገዝን ኣብ መደብ ምዕባለን ሕንጸትን ዝውዕል ኣብ 30 ዓመታት ተማቓሪሑ ዝዋፈር 1.1 ሚሊያድር ኤውሮጳ” ከምዝሰልዔ ከምዝሓበሩን ናይ ናሚቢያ ርእሰ ብሔር ወሃቢ ቃል ሃገ ጋይንጎቦ እቲ ናይ ጀርመን ውሳኔ “ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ስጉምቲ” እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናሚቢያ ኣብ ‘900 ዓመታት ዝተፈጸመ መቕተልቲ ጃምላዊ ቕትለት ዝብል ኣፍልጦ ምሃብ ትኽክልን ግቡእን እዩ፥ እዚ ኸኣ በቲ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ፍራንክ - ዋልተር ስታይናየር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ናሚቢያ ህዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ብዘቕርብዎ ወግዓዊ ናይ ይቕረታ ሕቶ ዝድምደም ይኸውን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ መባእታ ‘900

እቲ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ናይ ፈለማ ጃምላዊ ቅትለት ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣብ ናሚቢያ ካብ 1884 ክሳብ 1919 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ኣብ ኢድ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጀርመን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ናብ ንጉሳዊ ግዝኣት ብሪጣኒያ ምሕደራ ኣብ ዝተመሓላለፎ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ 1904 ዓ.ም. ክሳብ 1908 ዓ.ም. ናይ ጀርመን ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሀረሮን ናማንን ብዙሓት እውን ኣብ ምድረ በዳ ኦማሀክን ናማንን ብጽምእን ጥምየትን ንኽሃልቁን ብዙሓት እውን ኣብ መዳጐን ሰፈር ብፍላይ ኣብ ሻርክ ደሴት ክቕተሉን ዝምልከት ዝተፈጸመ ዘካሕክሕ ታሪኽ ከምዝኾነ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ መንግስቲ ጀርመን ዝመደቦ ገንዘብ፡ ካሕሳ ዘይኮነ “ስነ ግባራውን ፖለቲካውን መብጽዓ” ምዃኑ ናይ ጀርመን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ማስ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

29 May 2021, 23:47