ሊቢያ፡ ስደተይናታት ዘሳፈረት መርከብ ዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ሊቢያ፡ ስደተይናታት ዘሳፈረት መርከብ ዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ 

ሊቢያ፡ ስደተይናታት ዘሳፈረት መርከብ ዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ

ካብታ ስደተይናታት ኣሳፊራ ዝነበረት ንእሽተይ መርከብ ናይ ርድኡና ጽውዒት ናብ ናይ ሊቢያ ገማግም ባሕሪ ሓለዋ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ከምዝነበረን ምንም ዓይነት ናይ ኣድሕን ሕይወት ሓገዝ ከምዘይቐረበሎምን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ...

ኣብ ገማግም ባሕረ ሊቢያ ልዕሊ 130 ስደተይናታት ዘሳፈረት መርከብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘጋጠማን ነቶም ሓደጋ ዘጋጠሞም ንምድሓን ዝተዋፈሩ ናይ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ማሕበር እቶም ኣብታ መርከብ ተሳፊሮም ዝነበሩ ስደተይናታት ናብ ናይ መንግስቲ ሊቢያ ሓይሊ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምን ካብ ሊቢያ ምንም ዓይነት ሓገዝ ከምዘይቐረበሎምን ገሊጹ ንመንግስቲ ሊቢያ ብብርቱዕ ከምዝወቐሰ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምዚ ዓይነት ናይ ምጥሓልን ሞትን ሓደጋ ኣብ ባሕረ መዲትራኒያንን ገማግም ባሕሪ ሊቢያን ዝርአይ ከምዝኾነን 2021 ዓ.ም. ካብ ዝኣተናሉ እዋን ኣትሒዙ ብጠቕላላ 350 ብሓደጋ ባሕሪ ከምዝሞቱን በሸሓት ዝቝጸሩ እውን ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበን ክንገር እንከሎ፡ እቲ ዕለት 21 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ እታ 130 ስደተይናታት ኣሳፊራ ዝነበረት መርከብ ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ምኽንያት መብዛሕቲኦም ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ብዙሓት እውን ገና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጥሞም ድጋፍ ዘቕርብ  ኦሽን ቪኪንግ እተሰምየ ናይ ዘይመንግስታዊ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጥሞም ዝሕግዝ ማሕበር ከምዘፍለጠን ኣብቲ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ስደተይናታት ዘሳፈራ ሰለስተ ነኣሽቱ መራኽብ ከምዝነበራ እውን ናይቲ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባል ልዊሳ ኣልበራ ከምዘፍለጣ ካፐሊ ገሊጸን።

ካብታ ስደተይናታት ኣሳፊራ ዝነበረት ንእሽተይ መርከብ ናይ ርድኡና ጽውዒት ናብ ናይ ሊቢያ ገማግም ባሕሪ ሓለዋ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ከምዝነበረን ምንም ዓይነት ናይ ኣድሕን ሕይወት ሓገዝ ከምዘይቐረበሎምን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ እውን ኣብቲ ብፍሮንተክስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ወሰናስን ባሕሪ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ዘጋጠመ እውን ምዃኑ ኣልበራ ሓቢረን ቅድሚ ቍሩብ መዓልታት ኣቢሉ እውን 40 ስደተይናታት ኣሳፊራ ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ሓንቲ ኣደን ሓደ ሕጻንን ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ዘኪረን፥ ብዙሓት ስደተይናታት ኣብ ሊቢያ ኣብ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ንዝብል መጸውዕ ዘይብቑዕ ኣብ ዝኾነ ዳርጋ መዳጐን ሰፈር ክትብሎ ኣብ ዝከኣል መእለዪ ንዝተፈላለየ ስቓይ ተቓሊዖም ይርከቡ ኣለዉ ከምዝበላ ካፐሊ ሓቢረን።

24 April 2021, 23:03