መቕተልቲ ኣብ ፐሩ ናይ ማቶ ግራሶ ስርሒት ናይ እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣባል መቕተልቲ ኣብ ፐሩ ናይ ማቶ ግራሶ ስርሒት ናይ እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣባል 

መቕተልቲ ኣብ ፐሩ ናይ ማቶ ግራሶ ስርሒት ናይ እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣባል

ሓምሳ ዓመት ዝዕድመአን ኣብ ከተማ ቪቸንዛ ዞባ ስኪዮ ተወላዲት ኣባል ዘይመግንስታዊ ማሕበር ማቶ ግራሶ ኢጣሊያዊት ዓለማዊት ምእመን ኣብ ድቃሰን እንክለዋ ንኽዘርፉ ብዝኣተዉ ናይ ገበን ጉጅለ ኣባላት በዘስካሕክሕ ተግባር ከምእተቐትላ

እምነት ካቶሊክ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብፍላይ ንድኻታት ዝሓልይ መደብ ሕንጸት ዘሳልጥ ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣብ ናይ መንእሰያት መደባትን ብጳጳሳት ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ተቐቢሎም  ብናይ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ናይ ሕንጸት ሜላን ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮን መሃዝነትን ተመሪሖም ዘገልግሉ  ወለንተንታት ልኡካን ዝሓቁፍ ዘይመግንስታዊ ማሕበር ኣባል ኣብ ፕሩ “ኣደይ” ኣብ ኣተሰምየ ንዘኽታማትን ድኻታት ኣባይቲ ስድራን ኵለመዳያዊ ሓገዝ ኣብ ዘቕርብ መእለዪ ዘግልግላ ዝነበራ ኢጣሊያዊት ዓለማዊት ምእመን ናዲያ ደ ሙናሪ ከምእተቐትላን ጉዳየን እውን ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ይከታተሎ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓምሳ ዓመት ዝዕድመአን ኣብ ከተማ ቪቸንዛ ዞባ ስኪዮ ተወላዲት ኣባል ዘይመግንስታዊ ማሕበር ማቶ ግራሶ ኢጣሊያዊት ዓለማዊት ምእመን ኣብ ድቃሰን እንክለዋ ንኽዘርፉ ብዝኣተዉ ናይ ገበን ጉጅለ ኣባላት በዘስካሕክሕ ተግባር ከምእተቐትላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዘን ዝተቐትላ ልእኽቲ ኣብ ኣገልግሎት ስርሒት ማቶ ግራሶ ኣብ ፕሩ ኣብ ኑወቮ ቺቦተ ኣብ ዝርከብ ብኣባ ኡጎ ደ ቸንሲ ዝቖመ ዘኽታማትን ድኻታት ኣብይቲ ስድራ ኣብ ዝእለዩሉ “ኣደይ” ናይ እትሰምየ መእለዪ ማእከል ሓላፊነት ኮይነን የግልግላ ከምዝነበራ እውን ገሊጹ፥

ኣብቲ “ኣደይ” እተሰምየ መእለዪ ኣብ ዝርከብ ቤተን እንከለዋ ዝተቐትላ

ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅለት ንኸጻርይን መርመራ ንኸበግስ ናብቲ መቕተልቲ ዝተፈጸመሉ ቺምቦተ ናብ ዝርከብ መእለይ ዘኽታማት ዝተላእከ ሓይሊ ጸጥታ መርማር ጉጅለ፥ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሓሙሽተ ዜጋታት እውን ብዛዕባ እቲ ዝተፍጸመ መቐትልቲ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ከምእተሓተቱን ብጀካ እተን ዝተቐትላ ኢጣሊያዊት፥ ሓንቲ ኣብኡ ዘገልግላ ተወላዲት ፐሩ ሊስበት ራሚረዝ ክሩስ በቶም ናይ ገበን ጉጅለታት መጥቓዕቲ ከዝወረደን እውን ክፍለጥ እንከሎ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ነዚ ጉዳይ’ዚ የጻርይ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

27 April 2021, 22:18