ኣብ ሃይቲ ተጨውዮም ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፈኣ ኣደ ናጻ ተለቒቐን ኣብ ሃይቲ ተጨውዮም ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፈኣ ኣደ ናጻ ተለቒቐን 

ኣብ ሃይቲ ተጨውዮም ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፈኣ ኣደ ናጻ ተለቒቐን

እቶም ጨወይቲ ነተን ብእድመ ዝድፍአ ጉድለት ጥዕና ዝነበረን ምእመን ናጻ ምስ ለቐቑ ከፊተምዎ ዝነበረ ናይ መራኸቢ መስመር ክቋረጽ ከምዝገበሩ

ኣብ ሃይቲ ዕለት 11 ሚይዝያ 2021 ዓ.ም. ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግልን ሰለስተ ምእመናን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 10 ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ከምእተጨውዩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ ኣቶም ብዕድመ ዝደፈአ ጉድለት ጥዕና ዘለወን ናጻ ከምእተለቃ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ሃይቲ ምንጪ ዜና ጠቂሱ ከምዘፍለጠን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ዝተጨውዩ 10 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናጻ ንኽልቀቑ ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት 50 ሺሕ ዶላር ተኸፊሉ ዝበለ ለ ተለግራም እተሰምየ ናይ ሃይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቶም ዝተጨውዩ ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግልን ሰለስቲ ካብቶም ዝተጨውዩ ናይ ሓደ ካህን ኣባላት ስድራ ቤት ዝኾኑ ሰለስተ ምእመናን በቲ ገዛእ ርእሱ 400 ሞዋዞ እንክብል ዝሰመየ ናይ ገበን ጉጅለ ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ናይ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንስ ዞባ ምብራቕ እናተጓዕዙ እንከለዉ ከምእተጨውዩን የዘኻኽር።

ሰላምዊ ሰልፍን ጸሎት ምእንቲ ሰላምን

እቶም ጨወይቲ ነተን ብእድመ ዝድፍአ ጉድለት ጥዕና ዝነበረን ምእመን ናጻ ምስ ለቐቑ ከፊተምዎ ዝነበረ ናይ መራኸቢ መስመር ክቋረጽ ከምዝገበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ሃይቲ ምንጪ ዜና ጠቐሱ እንከመላኽት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ፍታሕ ክረክብ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽል ከምዘሎን ምእመናን ምእንቲ ሰላም ሃገሮምን ዝተጨውዩ ናጻ ክልቀቑን ናይ ጸሎትን ዋዜማን መርሓ ግብርታት የካይድ ከምዘሎን ኣብ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይቲ ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም ጸሎት ይካየድ እውን ምህላዉ ኣፍሊጡ።

20 April 2021, 14:42