ናይ የመን ሰብኣዊ ቅልውላው ናይ የመን ሰብኣዊ ቅልውላው  

ናይ የመን ለገስቲ ሃገራት ዓውደ ጉባኤ

ንዓቢይ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዖም ዘለዉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ናጻ መተሓላልፎ ክህሉ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ከምዝሕብሮ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዓለም እቲ እዚዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ የመን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ለገስቲ ሃገራት ዕለት 1 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካይዳሉ እዋን ኣብ መሪብ ካብ ዝካየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ግጭት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝመዛበሉ ዘለዉ ዜጋታት ቅጽሮም ክብ ይብል ከምዘሎን ዘጋጥሞ ዘሎ ሓደጋ እውን ኣዚዩ ጽንኩር እናኾነ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር፡ እተን ለገስቲ ሃገራት ዘቕርብኦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብቲ ዘድሊ ጭቡጥ መደብ ክውዕልን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ ማሕበራት ኣብቲ ከባቢ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ኣገልግሎተን ውሑስ ክኸውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ረድኤት ማሕበራት ጻውዒት የቕርባ ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ካብ መሪብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ውግእ ዝሃድሙ ዘለዎ ሰባት ኩነታት ኣዚዩ ዘሻቅልን እቲ ግጭት ውእን እናበርተዔ ይኽይድ ከምዘሎን ነቶም ንዓቢይ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዖም ዘለዉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ናጻ መተሓላልፎ ክህሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ላዕለዋይ መዝነት ጻውዒት ከምዘቕረበን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ውሽጢ ስደተንታት መእለዪ ማእከል ብተመዛበልቲ ኣዚዩ ይጨናነቕ ምህላዉን ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ሓዊስካ ዘጋጥሞም ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ኣዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ እውን የመላኽት።

01 March 2021, 15:35