ኣብ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝፍጸም ዓመጽ ይቕጽል ኣብ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝፍጸም ዓመጽ ይቕጽል 

ኣብ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝፍጸም ዓመጽ ይቕጽል

ናይ ምያንማር ሓይሊ ጸጥታ ዕለት 28 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዝቃወም ዝነበረ ሕዝቢ ብዝወሰዶ ስጉምት 114 ንጽሓን ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን

ናይ ምያንማር ሓይሊ ጸጥታ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይድ ዝነበረ ሕዝቢ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ናይ ዝተቐትለ መንእሰይ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት እናተፈጸመ እንከሎ ብተደጋጋሚ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ካልእ ተመሳሳሊ መቕተልትን ማህሰይትን ከምዝወረደን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር እውን ብወገኑ 35 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብሓይሊ ጸጥታ ከምእተቐትሉ ክሕብር እንከሎ፡ ሓይሊ ምክልኻል ሕጂ እውን ኣብታ ሃገር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ዓሌት ካረን ደብደባ ከምዘካየደን ኣባላት ዓሌት ካረን ይመዛበሉን ናብ ጐረቤት ሃገር ታይላንድ ይስደዱ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ምያንማር ሓይሊ ጸጥታ ዕለት 28 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዝቃወም ዝነበረ ሕዝቢ ብዝወሰዶ ስጉምት 114 ንጽሓን ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ኣብ ርእሰ ከተማ ያንጎን ከባቢ ኣብ እትርከብ ከተማ ባጎ ሓይሊ ምክልኻል ብዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ተመህራይ ቲ ማኡንግ ሙንግ ሕዝቢ ብናይ ምያንማር ሶውራዊ መዛሙር ተሰንዩ ስነ ስርዓት ቀብሪ እናፈጸመ እንከሎ ሓይሊ ምክልኻል መጥቓዕቲ ከምዝፈነወን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

35 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምእተቐትሉ

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰዓታት 12 ዜጋታት ከምእተቐትሉን ብጠቕላላ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፈጸመሉ እዋን ንነጀው 460 ንጹሓን ዜጋታት ከምእተቐትሉን ሓንቲ ኣባል ሰብ ሙያ ንክንክ ጥዕና ንዝተጐድኡ ኣብ ምእላይ እንከለዋ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምእተቐትላን ካልኦት ካብ 10 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ሽዱሽተ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት እውን ከምእተቐትሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕጽናት ማሕበር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቃወም ሕዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ብጠቕላላ 35 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምእተቐትሉ የመላኽት።

ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ ዓሌት ካረን ናብ ታይላንድ ይስደዱ

ሓይሊ ጸጥታ ምያንማር ዓሌት ካሬን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝቕመጠሉ ዞባ ስሜናዊ ምዕራብ ደብዳብ ከምዝፈጸመን እቲ ከባቢ ምስ ናይ ምያንማር ሓይሊ ምክልኻል ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ውጥረት ዝርከብን ኣብቲ ዞባ ናይ ካረን ዕጡቓት ሃይሊ ኣብ ዝቆጻጸረን ሰለስተ ቑሸት ወተሃደራዊ ሓይሊ ምያንማር ንሰለስተ ሳዕ ደብዳብ ከምዝፈጸመን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ይመዛበልን ናብ ጐረቤት ሃገር ታይላንድ ይስደድ ከምዘሎን፡ መንግስቲ ታይላንድ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንዓሌት ካረን ዝህቦ ዑቕባ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝስደዱ ዘለዉ ዓሌት ካረን ተመሳሳሊ ዑቕባ ክህብ ምዃኑ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ውሁዳን ክፍሊ ሕብረትሰብን ሓይሊ ምክልኻልን

ምያንማር ፈደራላዊ ስርዓት እትኽተል ሃገር ከም ምዃና መጠን ንዞባታት ብዝተወሰነ ደረጃ ስልጣን ርእሰ ምሕደራ ዝፈቅድ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጽሑፍ እምበር ኣብ ተግባር ዘየለ ከምዝኾነ እቲ ኣብ ካረንን ሻንን ካይቺን ዞባታት ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዝምስክሮ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ስነ እስያ ሊቅ ስተፋኖ ቨኪያ ሓቢሮም፥ ርእሰ ምምሕዳር ዝብል ቅዋም ሃገር ዝህቦ ናይ ስልጣን መሰል ብናይታ ሃገር ወትሃደራዊ ስርዓት ተኽቢሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት በርገሳዊ ስልጣን ምምራሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከምእተፈተነን ብፍላይ ናይ ኖበል ተሰላሚት ኣኡንግ ሳን ሱ ክዪ ኣብ ምያንማር ምሉእ ሰላም ንኽብጻሕ  ክኽበር ከምዘለዎ ኣሚነን ኣብዚ መዳይ ብዙሕ ክዓያ ጀሚረን እቲ ዘበገሰኦ ናይ ለውጢ ኪደት ብዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ተሰናኺሉ ይርከብ። ሓይሊ ምክልኻል ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ብተደጋጋሚ ዘየኽብሮን ዝቃወሞን እውን ምዃኑ የብርሁ።

ጥምረት ምስ ደሞክራሲያውያን ምንቅስቓሳት

ናይ ምያንማር ናይ ዝተፈላለያ ዓሌት ዕጡቓት ሃይልታት ናይ ምያንማር ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዞባ እታ ሃገር ሰላማዊ ኣድማ ኣብ ልዕሊ ዘካይድ ሕዝቢ መጥቓዕቲ ካብ ምፍናው ክቑጠብ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እውነታዊ መልሲ ከምዘይረኸበን ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘካይዶ መጥቓዕቲ እውን ደው ብዘይ ምባሉ ማሕበራዊ ውጥረት ክብእስ ይገብር ከምዘሎን፡ እዚ ጉዳይ እዚ ዘተሓሳሰቦም ዝተፈላለያ ደሞክራስያውያን ምንቅስ ብዙሓን ዓሌት ብርማኒያን ውሁዳን ዓሌትን ጥምረት ክገብሩ ይፍትኑ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ቨኪያ ኣስዒቦም፥ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝቓወሙ ዜጋታት እቶም ናይ ዝተፈላለየ ዓሌት ምልሻ ክሓብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡን እዚ እውን ብሓባር ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ የመላኽቱ።

ዓለም ሓቆፍ ግብረ መልሲ

ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ጀርመንን ጣልያንን ጃፓንን ሓዊስካ ብጠቕላላ 12 ዓበይቲ ሃገራትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ምያንማር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ሕዝቢ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ከወግድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ስልጣን ሕዝብኻ ንኽትብጀው እምበር ንኸተጥቅዕ ኣይኮነ” እንክብሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ከምዘተሓሳሰቡን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይ ሓላፊ ጆሰፍ ቦረል፥ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝጽሞ ዘሎ መጥቓዕቲ ተቐባልነት ዘይብሉን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ይኸድ ምህላዉን ገሊጾም፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግብረ ቅትለትን ማእሰርትን ደው ከብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 March 2021, 15:28