ምያንማር፥ ምእንቲ ሰላም ትምብርከኽ ምያንማር፥ ምእንቲ ሰላም ትምብርከኽ 

ምያንማር፥ ምእንቲ ሰላም ትምብርከኽ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ እቶም ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ስልጣን ዘሎን ምስ ተቓዋሚ ሓይልታትን ናብ ዕርቂ ዝመርሕ ዘተ ክረጋገጽ ትላበውን ተተባብዕን፥ እቲ ዓወትን ሓይልን ኣብ ፍቕሪ እምበር ኣብ ጽልእ ኣይኮነን፡ ኣብዛ መሬት እዚኣ ናይ ንጹሓን ደም ኣይፍሰስ”

ገዳማዊት እናቴ ኣን ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ ኣብ ምያንማር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝቓወም ሕዝቢ ንምብታት ዝተመደ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ከይትኩሱን ዘተን ዕርቅን ከነቓቕሕን ተንበርኪኸን ክምሕጸና እንከለዋ ዘርእይ ስእሊ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑን ናይቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ ህልው ኩነታት ፍሉይ ትእምርቲ ኮይኑ ከምዘሎን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ዝቃወም ሕዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከብቕዕ ጸውዒት ኣቕሪቡ ማዕቅብ ንምድንጋግ እውን ድልው እየ ከምዝበለ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰራዊት ምያንማር ዝቃወም ሓድሽ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኾነን ብፍላይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ነቶም ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸሙ ጀነራላት ኣብ ናይ ተሓተቲ መዝገብ ከስፍሮም ምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ። ሚያንማር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዋላ’ኳ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዝቆጻጸሮ እውን እንተነበረ ስርዓት ደሞክራሲ ክትነብር ፈቲና እያ። እዚ ኸእ ክሳብ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዕልዋ መንግስቲ ክሳብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ኮይኑ፡ እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ናይ ዲሞክራሲያዊ ጥምረት ፖለቲካዊ ውድብ መራሒት ኣውንግ ሳን ሱ ክዪን ካልኦት ተቓወምቲ ናይ ፖልቲካ ኣካላት ብምግባረ ብልሽውና ከሲሱን ሕዩራት ቤት ቢሉ እውን ይወስን እዚ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ከምዘይኮነን ናይታ ሃገር ስርዓት ደሞክራሲ ዳግም ክምለስን እሱራት ክፍትሑን ብናጻ ክንቀሳቐሱን ከምዘለዎም እዩ ጻውዒት ዘቕርብ ዘሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ሃገር ነቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መግንስቲ ዝቃወም ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍ ይቕጽል ከምዘሎን ሓይሊ ጸጥታ ኣድመይናታት ንምብታትን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘየኽብር ብዙሓት ንማህሰይትን ሞትን ይዳርግ ከምዘሎ ላ ቨላ ካብ ምያንማር ዝፍነው ዘለዉ ዜናታት ጠቒሶም ይሕብሩ።

በይነን ብዘይ ጐነጻዊ ኣገባብ ኣብ ተቓውሞ ዓመጽ

ኣብ ናይ መላእ ዓለም ዳርጋ መራኸቢ ብዙሓንን መርበብ ሓበሬታን ክትብሎ ዝከኣል ዝዝርጋሕ ዘሎ እተን ካቶሊካዊት ድንግል ኣባል ማሕበር ሳቨሪያን እናቴ ኣን ኑ ሳውንግ ኣብ ናይ ግዝኣት ካቺን ዋና ከተማ ምዪትክዪና ኣብ ቅድሚ እቶም ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዝቃወም ሰላማዊ ሕዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትን ብምቅዋም ኣብ ቅድመኦም በይነን ፊት ንፊት ተንበርኪኸን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ መንእሰያትን ሕዝብን ከይትኩሱን ንዕርቅን ንዘተን ክገልግሉን ጻውዒት እንከቕርባ ዘርእይ ምስሊ፥ እቲ ናተን ወስታ ተራ እውን እንተመሰለ ዓቢይ መልእኽቲ ዘለዎን ናይ ትብዓት ትእምርትን ውጽኢታው እውን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ስርዓት ደሞክራሲ ዳግም ክምለስ ሕዝቢ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት ካብቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ኣካል እወታዊ መልሲ ይረክብ ከምዘየሎ ላ ቨላ ይሕብሩ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ህርኵት ጻዕሪ

ኣብ ምያንማር ፖለቲካዊ ቅልውላው ካብ ዝተበገሰሉ ዕለት ኣትሒዙ ኩሉ ናብ መገዲ ዘተ ክምለስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ቅድመ ግንባር እያ፡ ናይ ያንጐን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ፥ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንምያንማር ናብ ዓዊድ ኵናት ዝቕይራ ዘሎ ኩነት ተኣሊዩ ምያንማር ንምድሓን ምስቶም ሰበ ስልጣናት በገባብ ኣብ መዳይ ዘተ ዝዓዪ ሃገራዊ ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ እቶም ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ስልጣን ዘሎን ምስ ተቓዋሚ ሓይልታትን ናብ ዕርቂ ዝመርሕ ዘተ ክረጋገጽ ትላበውን ተተባብዕን፥ እቲ ዓወትን ሓይልን ኣብ ፍቕሪ እምበር ኣብ ጽልእ ኣይኮነን፡ ኣብዛ መሬት እዚኣ ናይ ንጹሓን ደም ኣይፍሰስ” ዝብል ሓሳብ ዘመእከለን ዘተን ዕርቅን ዝላበው ስብከት ዕለት 28 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝአዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘስመሩሉ ላ ቨላ የዘኻኽሩ።

04 March 2021, 12:23