ምያንማር፥ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ንዝጨበጠ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቃወም ብሔራዊ ኣድማ ምያንማር፥ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ንዝጨበጠ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቃወም ብሔራዊ ኣድማ 

ምያንማር፥ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ንዝጨበጠ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቃወም ብሔራዊ ኣድማ

ኣብ ምያንማር ብምኽንያት እቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረትን ዓመጽን ኵነታት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣዚዮ ንሓደጋ ከምእተቓለዐን 5 ሕጻናት ብሓይሊ ምክልኻል ክቕተሉ ካልኦት ኣርባዕተ እውን ከምዝቖሰሉን ብውሑድ 500 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምእተሓየሩን

ኣብ ምያንማር ዝተፈጸመ ስርሒት ወትሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምቓውም ብናይታ ሃገር ትሽዓተ ናይ ሰራሕተይናታት ማሕበራት ዝተጸውዔ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከምእተኻየደን ሓይሊ ጸጥታ ነቶም ኣድመይናታት ንምብታን ብዝወሰድዎ ስግምቲ ምኽንያት ክልተ ሰባት ከምእተቐትሉን ኣውስትራሊያ ንህልው ኩነታት ምያንማር ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ናይ ምያንማር መንግስቲ ማዕቕብ ከምዝደንገገን ኣብ ዝኾነ ይኹም መዳይ ምንም ዓይነት ርክብን ምትሕብባርን ከምዝኣገደትን ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማርኮ ጕወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍ ክልተ ሰባት ከምእተቐትሉን ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብጀካ እቶም 9 ማሕበራት ሰራሕተይናታት ሓረስቶትን ናይ ግሊ ትካላት ሰራሕተይናታት እውን ከምእተሳተፉን ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣባላት፥ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኣድመይናታት ጠያይት ከምዝተኮሰ እንክሕብሩ፥

ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድማ

ኣባይቲ መሸጣን ባክን ትካላትን ፋብሪካታትን ከምእተዓጽዋን ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ግሊ ትካላት ሰራሕተይናታት ዘሳተፈን ትሽዓተ ዘይመንግስታውያን ማሕበር ሰራሕተይናታትን ናይ መንግስቲ ሰራሕተይናታትን ብጠቕላላ መላእ ሕዝቢ ዘሳተፈ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ኣድማ ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ነቲ ኣብታ ሃገር ብሕዝቢ ዝተመርጻ ኣኡንግ ሳን ኩ ክዪ ዝሓየረ ብወተሃድራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ መላእ ሃገር ምያንማር ይቃወሞ ከምዘሎ የመላኽቱ።

ጸብጻብ ዝተቐትሉን ዝተኣስሩን

ኣብ ምያንማር ብሓይልን ብዕልዋ መንግስትን ስልጣን ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተፈጸመ ዕልዋ መግንስቲ ዝቓወሙ ዝፍጽሞ ዘሎ መቕተልትን ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎን ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዝሕብሮ እውን ሓይሊ ጸጥታን ሓይሊ ምክልኻልን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምስንባድን ከይህሉ ንምግባር ካብታ ዕልዋ መንግስቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ኣትሒዞም ብጠቕላላ 50 ሰባት ከምዝቐትሉን ኣስታት 1,800 ዝግመቱ ዜጋታት እውን ከምእተኣሰሩን ክፍለጥ እንከሎ፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ምስ ምያንማር ዝነበሮ ወተሃደራውን ካልእ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ንግዚኡ ኣጊዱን ነታ ሃገር ዘቕርቦ ሓገዝ ብመንግስቲ ዘይኮነ ብናይታ ሃገር ዘይመንግስታውን ማሕበራቲ ኣቢሉ ናብ ሕዝቢ ክበጽሕ ንምግባር ከምዝወሰነ ጒወራ ሓቢሮም።

ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ሓልዮ ውድብ

ኣብ ምያንማር ብምኽንያት እቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረትን ዓመጽን ኵነታት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣዚዮ ንሓደጋ ከምእተቓለዐን 5 ሕጻናት ብሓይሊ ምክልኻል ክቕተሉ ካልኦት ኣርባዕተ እውን ከምዝቖሰሉን ብውሑድ 500 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምእተሓየሩን መብዛሕቲኦም ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ተሓሪጎም ምስ ማንም ከይራኸቡ ተኣጊዶምን ጠበቓን በጻሕን ዘይብሎም ኮይኖም ከምዝተረፉን፡ ብጠቕላላ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ተጋሂሱ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዝርከቡ ከምዝኾኑ የመላኽት ዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጒወራ ኣስዒቦም፥ መንግስቲ ዝቓወማ ኣባይቲ ስድራ ብሕጻናት ደቃቶም ኣቢሉ ከምዝፍደየሞን ነቶም ሕጻናት ከም መዕደዪ ናይ ኣባይቲ ስድራኦም ተቓውሞ ይጥቀመሎም ከምዘሎን፡ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሉ እውን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኮነ ናይ ሕልና ናጽነት ብጠቕላላ ብኹሉ ጽፍሕታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ይግህስ ከምዘሎ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር ከመዘመላኽተ ኣፍሊጦም።

10 March 2021, 15:40