ላጢፋ በን ዛይተንን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስን ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት ተሰለምቲ ላጢፋ በን ዛይተንን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስን ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት ተሰለምቲ 

ላጢፋ በን ዛያተንን ጉተረስን ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት ተሰልመቲ

እቶም ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዩ ኣብ ዓውድታት መንግስትን ባህልን ሃይማኖትን ዝዋስኡ ካብ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓበይቲ ኣካላት ብዝሓቁፍ መጋባእያ ዝተመርጹ እያቶም

ዕለት 3 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ብዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዕለት 4 ለካቲት ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ተዘኪሩ ኣብ ዝውዕለሉ ዕለት ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዮ ኣስማቶም ከምእተገልጸን ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ ጽምብል ሰብኣዊ ሕውነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝከየድ ስነ ስርዓት ጽምብል ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሰነድ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ስልማት ዛየድ 2021 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሕውነት ተሰለምቲ ንኽኾኑ  ወደን ብግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝሰኣና ንዝኽሪ ወደን፥ ንመንእሰያትን ንሰላምን ዝሓልይን ሰላም ኣብ መንጐ ሕብረተሰብ ክሰርጽ ዝዓዪ ማሕበር ዘቖማ ሓሙሽተ ደቂ ዘለወን ላጢፋ በን ዛይተንን ካብ 2017 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣንቶኒዮ ጉተረስን ከምእተሓርዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ተፈላጥነት እዚ ነቶም ዘራኽብ ድልድል ዝሓንጹ ሰባት ዓስቢ ከምዝኾነን እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጽነትን ውሕስነትን ንምርግጋጽ ዝገብር ሓቀን ሰብኣዊ ርክብ ዘደልድልን ኣብዚ መዳይ ንምዕያይ ተኸኣሊ ምዃኑ ዝምስክር እዩ።

እቶም ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዩ ኣብ ዓውድታት መንግስትን ባህልን ሃይማኖትን ዝዋስኡ ካብ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓበይቲ ኣካላት ብዝሓቁፍ መጋባእያ ዝተመርጹ እያቶም።

ዳይና ዓብደል ሳላም፥ እቶም ተሰለምቲ ንመጻኢ ወለዶ ኣብነት እያቶም

ነቶም ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዩ ዘላለዩ ናይ ሽማግለ ሓልዮ ሰብኣዊ ሕውነት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይና መሓመድ ዓብደል ሳላም ክኾኑ እንከለዉ፥ እቶም ተሰለምቲ ንዅላትና ምርድዳእ ዝዓሰሎን ሓቛፍን ሰላማውን ዓለም ተኻኣሊ ምዃኑ ኣብነትን ኣስተንፍሶን ምዃኖም ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ከምእተሓርዩን ነዚ ዘመሓላልፍዎ ዓቢይ ክብሪ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም ንመጻኢ ወለዶን ንመራሕቲ ዓለምን ንዅሎም ነቶም ኣብ ሕንጸት ሰላም ዝዓዩን ኣብነት እያቶም ቢሎም፥

ኣብ 2019 ዓ.ም. ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ከም እተሰለሙን ሎሚ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ላጢፋን ነቲ ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት ብቑዓት ተባሂሎም ክሕረዩ ንዅሎም ነቶም ሰላም ዝፈትውን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብዚ መገዲ ሰላም ክጓዓዙን ዘተባብዕ እዩ!

እንክብሉ  ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ላጢፋ፥ ማሕበራዊ ስኒት ኣብ መንጐ ወለዶን መበቆሎምን

ላጢፋ በን ዛያተን ተወልዲት ሞሮኮ ካብ 1977 ዓ.ም. ምቕማጠን ኣብ ፈረንሳ ዝገበራ ወደን ሞሓመድ መራሕ ኣባል ፍልዩ ሓይሊ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብ 2012 ዓ.ም. ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝተሰወኤን በዚ ምኽንያት እውን ንዝኽሪ ወደን ንመንእሰያትን ሰላምን ኣብ መንጐ ወለዶ ሰላም ንምስፋሕን ዝሓልይ ማሕበር ዘቖማ፥ መንእሰያት ኣብ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእል ሕንጸት ብምቕራብ ኣብ መላእ ፈረንሳ ማሕበራዊ ስኒት ዘስፍሓን እዚ ሲኒት እዚ ክውን ክኸውን ዝዓያ ምዃነን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጉተረዝ፥ እቲ ዓቢይን ሓቀይና ውግእ ጸረ ኮቪድ-19 እዩ

ካልኣይ ተሰላሚ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ተወላዲ ፖርቱጋል ናይ ፖለቲካ ሰብ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንታት ዓለም ታሽዓይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተሓርዩ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየድ ውግእን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ብሓፈሻኡ ዓለም ለኻዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ውሕሱ ብምግባር ዓቕምን ሓይልን ኵሉ ኣብቲ ዓቢይን ሓቀይናን ወግእ ጸረ ኮቪድ-19 ክዋደድ ጻውዒት ብምቕራብ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ጐስጓስን ከምኡ እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ሰላምን ሰብኣዊ ክብረትን ንምስፋሕ ንዝፍጽምዎ ዕዮን ግምት ብምሃብ ነቲ ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ከምእተሓርዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ጉተረዝ እቲ ስልማት ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ስደተይንታትን ተመዛበልትን ማሕበር ክልግሱ ምዃኖም ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘፍለጡ የመላኽት።

ሓበሬታ ብዛዕባ ስልማት ዛየድ

እቲ “ስልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት” ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዘገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእቱ ሰነድ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ትምኒታት ናይታ ሰነድ ዘቃልሕ ከምዝኾነን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣል-ጣይብን ኣብ 2019 ዓ.ም. ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ተሓርዮም ዝተሰለሙ ከምዝኾኑን ቅዱስነቶም እቲ ስልማት ብጠቕላላ ዝተሀሃቦም ሃብቲ ገንዘብ እውን ኣብ ምያንማር ንሮሂንግያ ህዝቢ ከምዘወፈይዎ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብታ ዓመት እቲኣ ንደሓር ሸኽ ኣብዱላሕ ቢን ዛየድ ኣል ናሕያ እቲ ስልማት ዓመታዊ ክኸውን ከምዝገበሩን ኣብ ዓለም ሰላምን ስኒትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ ምስፋሕ ዝግበር ጻዕሪ ዝምስክር ስልማት እውን ምዃኑ የመላኽት።

04 February 2021, 12:26