ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናይ ኡጋንዳ ዕጡቓት ሓይሊ ኣዛዚ ብጸረ ሰብኣዊ ገበን ኮኒኑ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናይ ኡጋንዳ ዕጡቓት ሓይሊ ኣዛዚ ብጸረ ሰብኣዊ ገበን ኮኒኑ 

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናይ ኡጋንዳ ዕጡቓት ሓይሊ ኣዛዚ ብጸረ ሰብኣዊ ገበን ኮኒኑ

ኣስዒቡ፥ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንመጋበርያ ውግእን ዓምጽን ንመጋበርያ ሩካቤ ስጋን ከምዝዳረጉ ናይቲ ቤት ፍርዲ መግለጺ ጠቒሱ

ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርድ ኣብ ኡጋንዳ ብግንባር ሰራዊተ እግዚኣብሔር ናይ ጽዋዕ ዓማጽያን ሓይሊ ነበር ኣዛዚ ብዝተፈላለዩ ካብ ጅምላዊ መቕተልትን በስገዳድ መርዓን ካልኦት ብዝተፈላለዩ ገበናት ተሓታቲ እንክብል ከምዝበየኖ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣቦ መንበር በርትራም ሽሚት ናይ ኡጋንዳ ሰራዊት እግዚኣብሔር ቢሉ ገዛእ ርእሱ ናይ ሰመየ ዓማጽያን ሓይሊ ኣዛዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝተፈላለዩ ካብ ጸረ ሰብኣውን ክሳብ ናይ ውግእ ገበናትን ብዝብል ከበድቲ ክስታት ዘሕትት ዝተፈላለዩ ልዕሊ 61 ገበናት ከምዝፈጸሙን ኣብ 2000 ዓ.ም. መባእታ ኣብ ሰሜን ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ተመዛበልት ማእከል ዝተፈላልዩ ጸረ ሰብኣዊ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን ኣብ ልዕሊ በስገዳድ ዝተመርዓዉወን ደቀ ንስትዮ ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽን ዘርዚሮም ዶሚንክ ኦንግወን ገበነይና እንክብሉ ከምዝበየንዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንመጋበርያ ውግእን ዓምጽን ንመጋበርያ ሩካቤ ስጋን ከምዝዳረጉ ናይቲ ቤት ፍርዲ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ዕለት 10 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. ኣብ ፓጁለን ዕለት 29 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም. ኣብ ኦዴክን ከምኡ እውን ዕለት 19 ግንቦት 2004 ዓ.ም. ኣብ ሉኮዲን ዕለት 8 ሰነ 2004 ዓ.ም. ኣብ ኣቦክ  ኣብ ልዕሊ ናይ ስደተይናታት ማእከል መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ መቕተልትን መግረፍትን ክፍጸም ከምዝገበሩን  ዜጋታትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ንሓድሽ ጊልያነት ሕደጋ ከምዘቃልዑን ቤትን ንብርትን ክዝረፍ ገይሮም እንክብል እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነይና ከምዝበሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ህብረ ክሲ ክሳብ ሞት ይፍታሕካ ዝብል ፍርዲ ከውህቦም ከምዝኽእል የመላኽት።      

06 February 2021, 19:55