መግቢ ንመጋበርያ ሰላም፥ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ሸቶ መግቢ ንመጋበርያ ሰላም፥ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ሸቶ 

መግቢ ንመጋበርያ ሰላም፥ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ሸቶ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ሕብረተሰብ ሓደ’ኳ ተነጺሉ ድሕሪት ክተርፍ ምሕዳግ ኣይግባእን” ከምዝበልዎ፡ ዘየድሊ ወጻኢታትን ኢፍትሓውን ተግባራት ምውጋእን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ቀረብ ክብ ብምባልን ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ድኽነትን ስእነት መግብን ጥምየትን ንምውጋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክውዕል

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ንሰብኣዊ ፍጥረት መግቢ ናይ ምርካብ መሰረታዊ ክብሩ ውሑስ ምግባር ሰላም ካብ ዘዕትሩ ተግባራት እቲ ዝዓበየ ተግባር ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብን ንውግእን ዕንወትን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መጋበርያ ሸመተ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ዓለም ጥምንየት ንምውጋድን ንድኻታትን ዓቕመ ድኹማንን ንዝሕገዝሉ መርሓ ግብሪ ምውዓል ይግባእ ዝበልዎን ብጠቕላላ ናይ መልእኽቶም ቀንዲ ሓሳብ፥ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ማኑጅ ጁኑጃ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዳግም ኣቃሊሖም፡ ድሕሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ስዒቡ እቲ ካልኣይ ለብዒ ስእነት መግብን ጥምየትን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

“መግቢ መጋበርያ ሰላም እዩ”፥ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ሕጻናት ተመሃሮን ሓኣገዝን ሓረስቶት ናይ ሕርሻ ዕዮኦም ዝድግፍ ሙያዊ ሓገዝ ብምቕራብን ምህርቶም ንዕዳጋ ከቕርብሉ ዝድግፍ መገዲ ሕንጸት ድዩ ካልኦት መጋበርያ ዝኣመሰሉ ሓገዛት ከምዘቕርበ ሓቢሮም፡ እዚ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ንምዃን ዝበቕዔ ኣብዚ እዋን’ዚ ንልዕሊ ሚእቲ ሚሊዮን ኣስታት ዝግመቱ ዜጋታት ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቕርብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ካብ ዓመጽ ንዘምልጡ ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍሱ ምድጋፍ

ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ማኑጅ ጁኑጃ ዕለት 10 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ዋና መቐመጢ ቤት ጽሕፈት እቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ከምእተረከቡን ኣብቲ እዋን ነቲ ስልማት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይቲ ማሕበር ቀንዲ ዕላማ ሕዝብታት ካብቲ ንውግእ ዝድርኽ ሃዋሁ ተላቒቖም ናብ ናይ ምዕባለ ጉደና ከብሉ ዝድግፍን ኵሎም ነቶም ካብ ዓመጽ ዘምልጡ ናይ ሰላም ኣየር ክተንፍሱን ዘድሊ መሰረታዊ ሓገዝ ዘቕርብ ምዃኑ ከምዘብርሁ ይዝከር።

ዘስካሕክሕ ናይ ጥምይትን ውግእንን ውግእን ጥምየትን ዝብል ዕንኪላሎ ምብታኽ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ኖበል ሽልማት ሓልዮ ሽማግለ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ክኸውን ካብ ዝሓረየሉ ምኽንያት ሓደ ስእነት ሰላም ናብ ስእነት መግብን ጥምየትን ውግእ ናብ ጥምየትን ስእነት መግብን ክመርሕ ስለ ዝኽእል፡ ነዚ ምኽንያት ምግባር ስእነት መግቢ ምቅላስን ኣብ ሕንጸት ሰላምን ኤኮኖሚ ከይሰናኸልን ኣብ ሕርሻ ኤኮኖሚ ንዝዓዩ እኹል ምሕርቲ ክረኽቡ ኣብ ዘኽእሎም መዳይ ዘቕርቦ ድጋፍን ኣበርቲዑ ዝዓዩ እዩ ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ካብቶም 690 ሚሊዮን ብጥምየት ካብ ዝሳቐዩ እቶም 60 ሚእታዊ ዝሽፍኑ ኣብቲ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ዓለም ዝነብሩ ምዃኖም ይገልጹ።

ምህርቲ ኣጽዋር ውግእ ምውግድን ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን ንናይ ሓገዝ መርሕ ግብሪ ምውዓል

ምርግጋእን ሰላምን ውሑስ ዝገብር ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ መርሃ ግብሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ሃብቲ ገንዘብ ምምዳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኸቱ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ማሕበር ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ 80 ሃገራት ዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንሕጹጽ ናይ ምግቢ ሓገዝ ዝውዕል 12 ሚሊያርድ ኤውሮ ከምዘድልይ ሓቢሮም እዚ ሕጹጽ ሓገዝ’ዚ ንምቕራብ እውን ዝከኣሎ ጻዕርታት የካይድ ኣሎ፡ እቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ከምዘድሊ ዘተሓሳስብን ኣብዚ መዳይ እውን እቲ ማሕበር ንቑሕ ኮይኑ ክርከብ ሓደራ ዝብል እዩ፡ እዚ ኣብ ምኽዋን እንተድኣ ምዝንጋዕ ኣጋጢሙ ድሕሪ ኮቪድ - 19 ኣብ መላእ ዓለም ስእነት መግቢ ከቢድ ህልቂት ከስዕብ ምዃኑ እቲ ናይቲ ማሕበር መግለጺ የመላኽት፡ ከም የመንን ደቡብ ሱዳንን ናይጀሪያ ብርኪናፋሶን ሶሪያን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ንዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ስእነት መግቢ ንምብዳህ ዘድሊ ድጋፍ ካብ ምዕራብ ዓለም ይቀርብ ከምዘየሎ በዚ ኣጋጥሚ እዚ እውን ይሕብሩ።

ንሸመተ ኣጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ጥምተት ንምብዳህ ክውዕል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ሕብረተሰብ ሓደ’ኳ ተነጺሉ ድሕሪት ክተርፍ ምሕዳግ ኣይግባእን” ከምዝበልዎ፡ ዘየድሊ ወጻኢታትን ኢፍትሓውን ተግባራት ምውጋእን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ቀረብ ክብ ብምባልን ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ድኽነትን ስእነት መግብን ጥምየትን ንምውጋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክውዕል ይግባእ፡ እቲ ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ብውሑዱ ስእነት መግብን ጥምየትን ንምውጋእ እንተንጠቐመሉ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ግብር ክውዕል ዝተሓንጸጸ ቅቡልን ዘላቕን መደብ ልምዓት ተግባራዊ ንምግባር ዝከኣል ምዃኑ ጁኑጃ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

04 January 2021, 22:31